ድለ

2023.09.07 Membri dell'Associazione Biblica Italiana 2023.09.07 Membri dell'Associazione Biblica Italiana  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ፦ ክርስትያን ንቓል ኣምላኽ ኪምገቡ ኣለዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ኢጣልያን ከምኡ ውን ምስ ተሰሳተፍቲ ናይ ኢጣልያ ሃገራዊ ሰሙን ቅዱስ መጽሓፍ ተራኺቦም፣ ቤተ-ክርስትያን ከኣ ንምእመናን ብቃል አምላኽ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ንኽቐርቡ ኽትሕግዞም ጻውዒት ኣቕረቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ምእመናን ንቃል ኣምላኽ ክምገቡ ሓግዝዎም ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ወሳኒ እዋን እዚ፣ ዅልና ቅድስ መጽሓፍ አብ ኩሉ ክበጽሕን ብኹሉ ክፍለጥን ብሓባር ክንዓዪ አሎና በልዎም።

ቅዱስ አቦና ነቶም  መበል 47 ዓመት ናይ ኢጣልያ ሃገራዊ ሰምንቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምኽኒያት ብምግባር “ኪዳንን ምሕዝነትን አብ መንጐ አድማሳውነትን ፍሉይነትን” ብዝብል ቴማ ምስ ዝተአከቡ አባላት ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ኢጣልያን ከምኡ ውን ንመምህራን ቅዱስ መጽሓፍን ረኺቦም አብ ዘስምዕዎም ቃል ሰላምንታ ምትብባዕን ኢዩ ዝነበረ።

ቅዱስነቶም አብ ዘስምዕዎ ቃል - “ፍቑራት አሕዋትን አሓትን፣ አብ ተልእኮኹም በርትዑ ንቅድሚት ገጽኩም ውን ገስግሱ፣ ቅዱስ መጽሓፍ ብዝበለጸ ውርሻ ናይ ኩሉ ክኸውን ሕዝቢ አምላኽ ቃል አምላኽ ክምገቡን ሓግዝዎ፣” ክብሉ አተባብዕዎም። ቀጺሎም ቅዱስ አቦና ብዛዕባ ቅዱስ መስሓፍ - “ንኣኡ ብምስማዕ ካብ ምብትታንን ምፍልላይን ናብ ሓድነት ዘሳግረና ናይ ሕዝቢ አምላኽ መጽሓፍ ኢዩ፣” በሉ። “ቃል አምላኽ ኩሉ ሳዕ እቲ ብርቱዕ ዝዓዪ ሓይሊ አምላኽ ኢዩ። ንሱ ዝለአኽን ዝብተንን ኢዩ ዝመስል ደሓር ግና አብ ሓድነት ዝጠምረና ኢዩ።” በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ  ኢጣልያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ኢጣልያ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ነቶም ተጋባእቲ እቲ ዝመረጽኩሞ ፍረ ነገር ናይዚ ዓመት እዚ፣ አብ ልቢ ቅዱስነቶም ዝነበረን ናይ ቤተክርስቲያን እቲ ዝዓበየ ዘተሓሳስብ ዘሎ ኩነት ምዃኑን ገሊጾም፣ ነቲ ንቤተክርስቲያን ምስቲ ዘመናዊ ዓለም ዘለዋ ርክብ ቀላሲ ዝኾነ ሓሳብ ብዛዕእባ ኪዳን ከጽንዑን ክመረራመሩን ብምኽአሎም አመስገንዎም።

ኣብ ኣገልግሎት ቃል አምላኽ ብሓባር ምዕያይ

ቅዱስ አቦና እዚ ዝገበርዎ ኣኼባ እኳ ደአ ካልእ "ኣብ ኣገልግሎት ቃል አምላኽ ብሓባር ምዕያይ" ዝብል ከነጽርዎ ዝደልዩ አገዳሲ ሓሳብ ከም ዘለዓዓለሎም መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በዚ መሰረት ንማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ አዘውቲሩ ምስታ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ዝገብሮ ዘሎ ዓቢይ ናይ ምትሕብባር ዕዮ ምዃኑ ጠቒሶ አመስገንዎም።

እዚ ማሕበር ሓደ ካብቶም አብ ኢጣልያ ዘለዉ ትምህርተ-መለኮታውያን ማሕበራት ናይ መጀምርታ ምኹኑ ዘኪሮም ፣ ብፍላይ ድማ በቲ ሓዋርያውነት ቅዱስ መጽሕፍ ናይ ኢጣልያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ተደጊፉ አብ ሰበኻታት ሳምንቲ ቅዱስ መጽሓፍ ብዝብል ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ሎሚ ውን እንተኾነ ህያው ኮይኑ ይዓዪ ምህላው መስከሩሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እዚ ህላወ እዚ ኻብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጸብለልታነትን ልዑላውነትን ብምርሓቕ ኣብ ብምሉኡ ክፍልታ እታ ሃገር ክሰብፍሕ ተስፋ አሎኒ" ኢሎም ኣትሪሮም ገለጹ።

ምትሕብባር ዝሓትት ወሳኒ ህሞት

ቅዱስ አቦና ከም ዝበልዎ "አብዚ ወሳኒ ዝኾነ እዋን ምትሕብባር አብ መንጐ ትምህርታውያን ተቕዋማት ቀለሊል ዘይኮነሉ ግዜ ንምሕዳስ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ” ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጵጳጳሳዊ ተቅዋመ ቅዱስ መጽሓፍ ብምትሕብባር  ይዓዪ ምህላዉ አፍልጦ ሂቦምሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም’ውን ቅዱስነቶም "ንመብዛሕትኦም ኣባላት እቲ ማሕበር፣ እዚ ጳጳሳዊ ተቅዋመ ቅዱስ መጽሓፍ ምርምራት ንምክያድን ሓዋርያዊ ተክልእኾ ንምፍጻምን ‘መጋቢ ምንጪ’ ኮይኑ ይርከብ አሎ” በሉ።

እዚ ከአ ይብሉ ቅዱስነቶም “አብ ሮማን አብ ካልእ ቦታታትን አብ መንጐ እተፈላለዩ መጽናዕታዊ ተቕዋማት ክተኣታቶ ዘለዎን ብህጹጽ ክስርሓሉ ዘለዎን  ንናይ ምትሕብባር መንፈስ አብነት ክኸውን ዝኽእልን ኢዩ፣” በሉ።

ቅዱስ አቦና አብ መደምደምታ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምሃብ፣ ምእንቶም ክጽልዩሎም ተማሕጺኖም ድማ መደረኦም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ  ኢጣልያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ኢጣልያ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)
08 Sep 2023, 13:03