ር. ሊ. ጳ.፦ ንምእመናን ናብቲ ዝመጽእ ቀዳም ዝካየድ መደብ ጸሎተ ዋዜማ ምእንቲ ሲኖዶስ ይዕድሙ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገር ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም ክርስትያን አሕዋትን አሓትን አብቲ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ምሸት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ ናይ ሲኖዶስ ጸሎት ዋዜማ ንኽሳተፉ አቐዲሞም ዘቕረብዎ ዕድመ ዘኪሮም ዳግም ጻውዒቶም አሓደሱ።
ቅዱስ አቦና ነቲ ሰሙናዊ ወትሩ ሰንበት ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ምስቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝእከቡ ምእመናን ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ምስ አብጽሑ፣ ቀጺሎም ቅዱስነቶም "ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ቀዳም 30 መስከረም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምእንቲ እቲ ብዕለት 4 ጥቅምቲ ዚጅምር ሲኖዶስ መላእ ቤተክርስቲያን ንምስንዳው ዚግበር 'ብሕብረት' ዘርእስቱ መደብ ጸሎተ ዋዜማ ንኽትሳተፉ ዘቕረብኩልኩም ዕድመ ሎሚ ውን እደግሞ አሎኹ" ክብሉ ጻውዒቶም አቕረቡሎም።
ንሲኖዶስ ናብ መንፈስ ቅዱስ ንምውፋይ
አብቲ ቀዳም 30 ጥቅምቲ ካብ ሰዓት 5 ክሳዕ ሰዓት 7 ድሕሪ ቀትሪ ዝካየድ ጸሎተ ዋዜማ ካብ 40 እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ 3,000 ዝዀኑ መንእሰያት ክሳተፉ ምዃኖም ትጽቢት ይግበረሎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ መደብ ጸሎት ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ተወከልቲ እተፈላለያ አብያተ ክርስቲያናንን ክርቲያናዊ ማሕበራትንን ሓቢሮም ክሳተፉ ምኹናኖም ተፈሊጡ። ገለ ኻብዚኣቶም ድማ ፓትርያርክ ቆስጣንጢኖስ ዝኾኑ ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ በርተሎሚው ቀዳማይን ከምኡውን ናይ ውህደት አንግሊካውያን አብያተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ -ጳጳሳት ጃስቲን ዌልቢ ክሳተፉ ኢዮም ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ እዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ እተገብረ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ናይ ሲኖዶስ ምክትል ሓፈሻዊ ዋና ጸሓፊ ዝዀነት እናቴ ናታሊ ቤኵርት አብ ዝሃባኦ መግለጺ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ መደብ ጸሎተ ዋዜማ “ንሲኖዶስ ናብ መንፈስ ቅዱስ ምውፋይ” ከም ምዃኑ ገሊጸን ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ "ኣብዛ ብብዙሕ ምክፍፋል እተበታተነት ዓለም ንሓድነትን ሰላምን ዘሎና ቘራጽነት" ከምኡውን ንሓድነት ኵሎም ክርስትያን "ኣገዳስነት ጸሎት" ከም ዘንጸባርቕ ገለጻ።