ድለ

2023.09.06 locandina Building Bridges 2023.09.06 locandina Building Bridges 

ር. ሊ. ጳ. ምስ ተማሃሮ መናብርተ ጥበብ እስያ "ድልድል ምህናጽ" ዘርእስቱ ርክብ ክገብሩ ኢዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ደቡብ እስያ ንዝመጹ ተማሃሮ መናብርተ ጥበብ ዘአንግድ ሳልሳይ "ድልድል ናይ ምህናጽ" ተበግሶ ብዝብል አርእስቲ አብ መርበብ ኢንተርነት ዝካየድ ዘተ ክሳተፉ ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ "ድልድላት ምህናጽ" ዝብል ተበግሶ ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ኣብ መላእ ደቡብ እስያ ዝርከቡ ተማሃሮ መናብርተ ጥበብ ዝግበር ዘተ ኮይኑ ብመንገድ መርበብ ኢንተርነት ክካየድ ኢዩ ተዳልዩ ዘሎ።

ከምቲ አብ መርሓ ግብር ናይቲ አኼባ ዘሎ እቲ ሳልሳይ መደብ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም ኣብ ኩለን ኣህጉራት ዝርከቡ መንእሰያት ዝገበርዎ ዘተ ብዕለት 26 መስከረም 2023 ድሕሪ ቐትሪ ክካየድ ኢዩ።

እዚ ኣኼባ እዚ "ኣብ መላእ ደቡብ እስያ ድልድላት ምህናጽ" ብዝብል ቴማ ክካየድ ኢዩ ተመዲቡ ዘሎ፣ እዚ ድማ በቲ “ድልድላት ምህናጽ” ብዝብል ብጳጳሳዊ ኮሚሽን ንላቲን ኣመሪካን ከምኡ ውን በቲ ኣብ መንበረ ጥበባት ሎዮላ ቺካጎ ዝርከብ ተቕዋም መጽናዕቲ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾን ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብን እተደገፈ ተበግሶ እዩ።

ሲኖዶሳዊት ቤተ-ክርስትያን ምህናጽ

ቀንዲ ሸቶ ናይቲ ኣኼባ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝያዳ ሲኖዶሳዊ ቤተ-ክርስትያን ንምዃን ብዝብል ንዘቕረብዎ ጻውዒት ምላሽ ንምሃብ ዝግበር ተበግሶ ኢዩ።

እዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቲ ብዕለት 24 ለካቲትን  በዕለት 1 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ተማሃሮ መናብርተ ጥበብ ኣመሪካን ከምኡ ውን ካብ ታሕተዋይ ሰሃራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃን እተሳተፍዎ ኽልተ ኣኼባታት ስዒቡ ዝካየድ ዘሎ ክኸውን ኢዩ።

ኣብዚ ዙርያ እዚ ግን ነቶም ካብ እተፈላለየ ኸባቢታት ደቡብ እስያ ዝመጹ መንእሰያትን ተመሃሮን ንምስታፍ ተራ ዝህብ ክኸውን እዩ። እዚ መደብ እዚ ኣብ ዩቱብ ብሰለስተ ቛንቋታት ማለት ብእንግሊዘይና ብስጳንይና ከምኡውን ብቋንቋ ሂንዲ ክፍኖ እዩ።

ብዛዕባ ዓበይቲ ኣርእስትታት ዜስተንትና ንኣሽቱ ጕጅለታት

ኣብቲ ብመንገዲ መርበብ ኢንተርነት ዚግበር ኣኼባ ዚሳተፉ ተመሃሮ ካብ ፓኪስታን ክሳዕ ህንዲ ከምኡ ውን ኽሳዕ ኔፓል ካብ ዚርከቡ እተፈላለዩ መናብርተ ጥበባትን ተቕዋማትን ዝመጹ ክሳተፍዎ እዮም።

እዞም ተመሃሮ እተፈላለየ ዓይነታት ትምህርታዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ኢዮም፣ ካብ ስነ-ኣእምሮ ዘጽንዑ ካብ ክኢላታት ስነ-ኮምፕዩተር፣ ተመራመርቲ ስነ-ተፈጥሮን ከምኡውን ካብ ስነ- ቍጠባ ዘጽንዑ ተመሃሮ ክኾኑ እዮም።

ኣብ 12 ንኣሽቱ ጕጅለታት ተመዲቦም ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሓባራዊን  ማሕበረሰብአውን ግድላት አመልኪቶም ንዝግበሩ ዘተታት ንምስማዕን ከምኡ ውን መመያ ንምክያድን አብቲ ስሩዕ መደብት ክጽመዱ ኢዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እውን "ናብ ዘይጠቅምን ፍረ ዘይብሉን ዝርርባት ምእንቲ ኸይወርዱ" ከም ስርዓት ሲኖዶሳዊ አካይዳ ዘሎ ሜላታት ተኸቲሎም አብ "ምርኻብን ምስማዕን ሜመያን" ክጽመዱ ጻውዒት አቕሪቦምሎም ይርከቡ ።

ተወከልቲ ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ኣብቲ ሰሉስ 26 መስከረም 2023 ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በመንገዲ መርበብ ኢንተርነት ዝገርዎ ርክብ ኣፈኛታት ናይ ጉጅለታቶም ኰይኖም ከገልግሉ ኢዮም።

ተስፋ ዝማእከላ ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን

ቀንዲ ዕላማ ናይዚ "ድልድላት ምህናጽ" ዚብል ተበግሶ ካብቲ ንእተፈላለዩ ህዝብታትን ባህልታትን ዚፈላልን ዝኸፋፍልን ሃጓፋት ዝጅምር ኮይኑ፣ ዕላማኡ ኸኣ ነዚ ጋግ እዚ ንምስጋር "ድልድል እምነት ምህናጽ" ብዝብል ዝዓለመ እዩ።

በዚ ከምዚ ኸኣ ተመክሮታት ምልውዋጥ ርእይቶታት ምክፋል ከምኡውን ኣብ ከም ኣብ ከባብያዊ ዕቃቤ ቍጠባዊ ፍትሒ ከምኡውን ሰፊሕ ምዕብልና ደቅሰባት ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ንሓባራውን ዓለምለኻውን ሸቶታት ኣበርክቶ ንምግባር አብዚ ሕጂ ዘለውዎ ደረጃ ዀነ አብ ናይ መጻኢ ተልእኾኦም ምትሕብባር ከም ዝገብሩ ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ ።

እዚ ዓይነት ኣኼባ እዚ ኣብ ጂኦግራፍያዊ ርሕቀት ዘለዎም ቦታታት ንዘለዉ ሕብረት ንኺህልዎም ዘኽእል ኮይኑ፣ እዚ ኸኣ ከም ሽቕለት ኣልቦነትን ድኽነትን ዓመጻን ዝኣመሰለ ብድሆታት ዜጋጥሞም እተፈላለዩ እተገለሉ ማሕበረሰባት ከም ዚሓብሩ ውን ዝገብር ኢዩ።

በዚ ኸምዚ ከአ  ነቶም ዝተገለሉ ማሕበረሰባት ድምጾም ዝሰምዑሉ ሓድሽ ባይታ ዝኸፍትን፣ ናጽነት ንኽረኽቡ ከምኡውን ራእያቶምን ተስፋታቶምን ንዓለም ከቕርቡሉ ዝኽእሉ መድረኽ ንኽረኽቡ ዘኽእሎም ክኸውን ኢዩ ።

07 Sep 2023, 12:44