ድለ

2023.09.06 La sfida di Gerusalemme 2023.09.06 La sfida di Gerusalemme 

ር. ሊ. ጳ. ፦ ክርስትያን ንሕውነት ሓንጐፋይ ቢሎም ክቕበሉ ጽዉዓት ኢዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ፈረንሳዊ ጸሓፊ ኤሪክ-ኢማኑወል ሽሚት ዝጸሓፋ "ብድሆ ኢየሩሳሌም - ናብ ቅድስቲ ሃገር ዚግበር ጕዕዞ" (The challenge of Jerusalem - A Journey to the Holy Land,) ዘርእስታ መጽሓፍ መዛዘሚ ጽሑፍ ጽሒፎም፣ ከምኡ ውን ንተኸተልቲ እምነት ናይ እተን ሰለስተ አብርሃማውያን ሃይማኖታት ከአ ከም አሕዋትን አሓትን ክቐባበሉ ጻውዒቶም አቕረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ፈረንሳዊ ጸሓፊ ኤሪክ-ኢማኑወል ሽሚት ዝጸሓፋ "ብድሆ ኢየሩሳሌም  - ናብ ቅድስቲ ሃገር ዚግበር ጕዕዞ" (The challenge of Jerusalem - A Journey to the Holy Land,) ዘርእስታ መጽሓፍ  ብቤት ማሕተም ቫቲካንን ናይ ቫቲካን ቤተ መጻሕፍትን ሕትመትን ከምኡውን ብክፍሊ ሕታም ኢ/ኦ  ንእተሓትመት መዛዘሚ ጽሑፍ ጽሒፎም።

እዚ መዛዘሚ ጽሑፍ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅድሚ ሕትመት እታ መጽሓፍ ኣቨኒረ እተሰምየ ናይ ኢጣልያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽቲ ዕለታዊ ጋዜጣ ወጺእዎ ።

አብ መልእኽቶም ቅዱስ አቦና ንደራሲ እታ መጽሓፍ ዝኾነ ሽሚት ከም ዝበልዎ፣ ነታ መጽሓፉ ምስ አንበብዋ ነቲ ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳሎስ ሻድሻይን ከምኡውን እቶም ናይ ሽዑ ናይ ቁስጥንጥና ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ፓትርያርክ ዝነበሩ አቡነ ኣትናጎራስ እተገብረ ታሪኻዊ ፍጻመ ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ንምዝካር ብ2014 ናብ ቅድስቲ ሃገር ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ከም ዘዘኻኸሮ ይጠቕሱ።

እዚ ፍጻመ እዚ ኣብቲ "ንዘመናት ክርስቲያን አሕዋትን አሓትን  እተኸፋፈሉን እተፈላለዩሉን ናይ ምቅርራብ ጕዕዞ ዝተገብረሉ እሞ ከአ ኣብ ምድሪ ኢየሱስ ብምንባሩ ሓድሽ አንፈት ዘትሕዝ መድረኽ" ከም ዝነበረ ይዝክሩ።

'ካብቲ ዅሉ ዝጀመረሉ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ከም ዝገለጽዎ እቶም አብታ መጽሓፍ ተጠቒሶም ዘለዉን ዝተዘርዘሩ ቦታት ከም ቤት-ልሄም፡ ቅዱስ መቓብር ጐይታና፡ ጌተሴማኔ ዝአመሰሉ ዝበጽሕዎም ቦታታት  “ብግጥማዊ ስነ-ጽሑፍ” ተገሊጾም ብምርካቦም ሓያል ተዘክሮታ ከም ዝገደፉሎም ገለጹ።

ደራሲ እታ መጽሓፍ ነቲ ኢየሱስ ብንእስነቱ ዝጀመረሉን ዝዓበየሉን ቦታታት “ካብቲ ኩሉ ዝጀመረሉ” ቦታታት ክዝክሮ ኸሎ፤ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብናፍቖት ንድሕሪ ምልስ ኢሎም ኩሉ ከም ዝተዘከሮም ስምዒታቶም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብካልእ መዳይ እታ መጽሓፍ "በዳሂት" ከም ምዃና ብምርግጋጽ ፣ እቲ እተዋህባ አርእስቲ ብምስትንታን  ከኣ ሎሚ ውን ንኵላትና ኣብ "ሕውነት ደቅሰባት" ብድሆ ከም ዘጋጥመና ይሒፎምም ይርከቡ።

ነቲ የሩሳሌም ንኣይሁድነት ንክርስትና ከምኡውን ንእስልምና ዘለዋ ዓብዪ ኣገዳስነት ዘኪሮም፣ ኣብቲ ብ2014 ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት አብ ቅድስቲ ሃገር ብኣርጀንቲናዊ ዓእኮም ራባይ ኣብርሃም ስኮርካ ዝስሙን ተወካሊ እስላም ኣርጀንቲናዊ ዝዀነ ኦማር ኣቦድን ኬሰንይዎም ኸም ዝደለዩ ብአጋታሚ ከም ዘይኮነ ድማ ገለጹ።

ኣሕዋት ኪዀኑ እተጸውዑ

"ኣመንቲ ኣሕዋትን ሃነጽቲ ድልድላትን ኪዀኑ ኸም ዚጽውዑ ደአ እምበር ደጊምሲ ጸላእቲ ወይ ሰብ-ውግእ ከም ዘይኰኑ ብዝርአ መንገዲ ክገልጽ ስለ ዝደለኹ ኢዩ" ይብሉ ቅዱስነቶም። ቀጺሎም ድማ ቅዱስ አቦና “ደቂ ሓደ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና ጸዋዕታና አሕዋትን አሓትን ምዃን እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "እቲ የሩሳሌም ክሳዕ ሕጂ ንዓለም ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እተቕርቦ ብድሆ አብቲ ሓደ ዝኾነ ሰብኣዊ ስድራቤትና ነንሓድሕድና ከም አሕዋትን አሓትን ናይ ምርእአይ ባህጊ ንምንቕቓሕ ኢዩ" ብምባል ብልክዕ እዚ ኢዩ እቲ ብድሆ ይብሉ።

ቅዱስነቶም በዚ "ጥንቃቐ" እዝን ከምኡውን በዚ "ምስትውዓል" እዝን ጥራይ ኢዮም ክብሉ ይጽሕፉ እሞ - "ነቲ ናይ ጥፍኣትን ጽልእን ኣጽዋር ስቕ ብምባል ከምኡውን ነቲ ኣምላኽ ደኺመ ኸይበለ ዝህበና ጥዑም ሽታ ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ብምዝርጋሕ መጻኢ ክንሃንጽ ንኽእል።" ክብሉ ከም ዝጸሓፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

07 Sep 2023, 12:49