ር.ሊ.ጳ. ኣብ ብራዚል ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ንዝተጎዱኡ ጸሎትም የረጋግጹ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ብራዚል ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናምን ስዒቡ ብዝተፈጥረ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተሃሰዩ ሰባት ጸሎትምን ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ብራዚል ግዝኣት ሪዮ ግራንዲ ዶ ሱል ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተጎድኡን ግዳያትን ጸሎትምን ቅርበቶምን ኣረጋጊጾም፥ ዕለት 8 መስከረም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ብራዚል ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሳልሳይ ዞባ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ ማሪያም ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ለዮማር ብሩስቶሊን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፥ እቲ ብርቱዕ ዝናም ዘስዓቦ ዕንወት ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ በቲ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ግዳያት ንዝኾኑ ኩሎም ቅርበቶምን ጸሎትም ኣረጋጊጾም፡ “ናይ ሓዘንኩም ተኻፋሊ እየ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “እቲ ብርቱዕ ዝናም ኣሰር ዕንወትን ሞትን” ሓዲጉ ከምዘሎ ድማ ገሊጾም፤ ኣቦኣዊ ምሕጽንታኦም ኣቕሪቦም በቲ ብርቱዕ ውሕጅ ንዝተሃስዩ ቡራኬኦም ኣመሓላሊፎም፡ ንኹሎም ጳጳሳት እቲ ዞባ “ዘለኣለማዊ ዕረፍት ንዝሞቱን” ከምኡ እውን ንኹሎም ቤቶም ንዝዓነዎም “እቲ ዳግመ ሕንጸት ብቕልጡፍን ብውጽኢታውን መገዲ ከሳልጡ ተስፋ ብምግባር” ጸሎቶም ከምዝረጋገጹ ኣፍሊጡ።
በቲ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ክብ ይብል
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 4 መስከረም ኣብ ደቡባዊ ብራዚል ብዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ዝሞት ቁጽሮም ክብ ይብል ምህላዉ ክንገር እንከሎ፡ ሰብ መዚ እታ ግዝኣት 41 ሰባት ከም ዝሞቱን 46 ገና ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበን 223 ድማ ከም ዝቖሰሉ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ጻዕርታት ኣድሕን ህይወት ይቕጽል ከምዘሎን ምዕልቕላቕ ብዙሓት ህንጻታትን ኣባይትን ስዒቡ ብድምር 11 ሺሕ ሰባት ኣባይቶም ሓዲጎም ክወጹ ከም እተገዱ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።