ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓዘን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓዘን  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓዘን

“ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃራቖሽ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ባርዕ ሓዊ ምስ ሰምዑ” ዝተሰምዖን ሓዘን ዓሚቕ ከም ዝኾነን፥ ንኹሎም በቲ መዓት ንዝተሃሰዩ ድማ መንፈሳዊ ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹን” ቅዱስነቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ከተማ ቃራቆሽ ድሕሪ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ባርዕ ሓዊ፥ ናይ ቅርበትን ጸሎትን  መጸናንዕን መግለጺ መልእክቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ልባዊ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ ጽንዓት ይሃብኩም ቢሎም በቲ ኣብ ቃራቖስ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ዘስዓቦ ኣዕናዊ ሳዕቤን ከም ዝሓዘኑ ድማ ገሊጾም፥ በዚ ዘሕዝን ፍጻሜ እዚ ንዝተሃሰዩ ኩሎም ቅርበቶምን መንፈሳዊ ደገፎምን ኣረጋጊጾም፥ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ኣገዳስነት ሓድነትን ርህራሄን ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ብይብጻሕ ኣብ ሞሱል ናብ ናይ ሶርያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዩናን ሃኖ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፕሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃራቖሽ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ባርዕ ሓዊ ምስ ሰምዑ” ዝተሰምዖን ሓዘን ዓሚቕ ከም ዝኾነን፥ ንኹሎም በቲ መዓት ንዝተሃሰዩ ድማ መንፈሳዊ ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹን” ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ኣብቲ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቶም፥ “ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ንፍቕራዊ ምሕረት ኣግዚኣብሔር ሓደራ ንብል ንፈተውቶም ድማ ጽንዓት ይሃብ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዝድነቕ ሕጹጽ ኣገልግሎት ኣድሕን ህይወት

ዕለት 26 መስከረም ኣብ ዒራቕ ዞባ ቃራቖሽ ዝካየድ ኣብ ዝነበረ ጽምብል መርዓ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝሞቱ ክረጋገጽ እንከሎ፡ ቅዱሰንቶም ነዚኦም እናሓሰቡ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፥ ነቶም ንዝቖሰሉ ንምሕጋዝ ንዝተዋፈሩ ኣባላት ህጹጽ ኣግልግሎት ኣድሕን ህይወት፡ ተወፋይነቶም ኣድኒቖም ትብዓቶምን ረብሓ ኩሉ ዝብል ተወፋይነቶም ብምስትውዓል ኣብ ኣገልግሎቶም ኣሳልጦ ተመንዮም፡ ካብቲ ኩሉ ዝኽእል ምጽንናዕን ቅልጡፍ ፈውስን ንኹሎም ዝተገዱኡ ተመንዮ፡ መለኮታዊ በረኸት ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ፥ “ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን እዚ ካቶሊካዊት ቤትተ ክርስቲያን ምስ ህዝቢ ቃራቖሽ፥ ዓሌትን ሃይማኖትን ሰገር ብዝኾነ ናይ ፍቕርን ቡቕባቐን ሓልዮትን ሓድነትን ግዜ ናይ ዘይቅይሮ ክብሪ ኣብነት ትኾና” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእክቲ ተለግራም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

30 Sep 2023, 17:03