ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሰላም ቃላት እምበር ነቲ ናይ ውግእ ቃላት ኣይንልመዶ! ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሰላም ቃላት እምበር ነቲ ናይ ውግእ ቃላት ኣይንልመዶ!  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሰላም ቃላት እምበር ነቲ ናይ ውግእ ቃላት ኣይንልመዶ!

“ኣብዛ ግጭትን ብውጥረት እተበታተነት ዓለም ምስቲ ውግእን ዘይምስምማዕን ዝመልኦ ቃላት ዘይምቅዳው ኣገዳሲ እዩ፥ ብርግጽ ሓደ ሰብ ሎሚ ካብ ቀደም ነዚ ናይ ሞት ቃላት ሳዕቤኑ ኩሉ ካብ ምስትውዓል ዝነቐለ ኣይፋል ናይ ምባል ዓቕሙ ከዕብይ ኣለዎ፡"

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 መስከረም ዝኽበር ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ምኽንያት ናብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህል ጉዳይ ዝከታተል ውድብ ዋና ኣመሓዳሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብዚ ብግርጭታት እትሳቐ ዓለም ተሪር ቃላትን ሕነ ምፍዳይን ምልክታትን ኣይፋል ክበሃል ይዕድሙ። ነቶም ክሳብ ሕጂ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ካብ ብስነ ኣህዛ እተራቐ ባህሊ ዝተገሉ ዝሓቁፍ ከምኡ እውን ስነ ምግባራዊ ኣጠቓቕማ መፍትሒ ግድላት ሸለል ከይበልና ነቲ ውሁድ - ኩልንተናዊ ስነ ምህዳር ኣስተንፍሶ ዝገበረ ቅዲ ዝሰማማዕ ቋንቋታትን ባህርያትን ክንመሃር ከም ዘሎና ይምዕዱ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰላም ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ዓለም ውሁድ - ኩልንተናዊ ምህዳር ዝብሉ ነጥብታት  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክንድዚ ዝእክል ብድሆታት ንምምሃር ዝግበር ጻዕሪ መለለይታት ኮይኖም ከም ዘለዉ ኣብቲ ዕለት 8 መስከረም ተዘኪሩ ናብ ዝውዓለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምፍጥፋእ መሃይማነት ምኽንያት ናብ ኣህጉራዊ ናይ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህል ጉዳይ ዝሓልይ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ዋና ኣመሓዳሪ ኣንድረይ ኣዙላ  ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘኪሮም፥

ዘሰክፍ መሃይምነት ሎሚ እውን

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መልእኽቶም፡ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዛዕባ ዓለም ሓቆፍ መዓልት ምጥፋእ መሃይማነት፥ “ኣብ ምስግጋር ዘላ ዓለም ምድንፋዕ ምንባብን ምጽሓፍን ምህናጽ መሰረታት ዘላቕን ሰላማውን ቁጠባ” ዝኽተሎ መርሕ ቃል ንኢዶም፥ እዚ ዚገብርዎ ትምህርቲ ብስኒት ንምውህሃድ ዝዓለመ ግደ እውን ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን እንከሎ። እዚ እውን ብመንጽር እቲ ሰብ “ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ንጥፉን ኣድማዕን ተሳትፎኡ ኣብ ምዕባለ ሕብረተሰብን” ተራ ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኣብ ዓለም ዘለዉ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ኣፋፍኖት ዘይብሎም ሰባት ኣብዚ እዋን እዚ ኣዚዩ ዘስከፍ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ እዚ እውን “ዘለዎም ዓቕሚ ምሉእ ብምሉእ ንኸይማዕብሉ ዝድርኽ ዕንቅፋት ዝውክል ምዃኑ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መዝገብ መጽሓፍ ሰላም ምፍላጥ

“ኣብዛ ግጭትን ብውጥረት እተበታተነት ዓለም ምስቲ ውግእን ዘይምስምማዕን ዝመልኦ ቃላት ዘይምቅዳው ኣገዳሲ እዩ፥ ብርግጽ ሓደ ሰብ ሎሚ ካብ ቀደም ነዚ ናይ ሞት ቃላት ሳዕቤኑ ኩሉ ካብ ምስትውዓል ዝነቐለ ኣይፋል ናይ ምባል ዓቕሙ ከዕብይ ኣለዎ። እዚ እውን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ተሪር ቃላትን ሕነ ምፍዳን ዝግበር ንጥፈታት ዘህልዎ መጉዳእቲ ብዓንተውኡ ብምስትውዓል ምቁራጽ የድሊ። ነቲ ናይ ሰላም መዝገበ - ቃል ምምሃር” ኣድላዪ ምዃኑ ኣትሪሮም ብምዝኽኻር፥ ከመይሲ ዋጋ ዘተ ህያውነትን ኣኽብረቶን ንኻልኦት ምምላስ ማለት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ቅዱስነቶም ኩላትና ኣሕዋት ዘርእስታ

ዓዋዲት መልእኽቶም ጠቒሶም ከኣ፡ “እዚ ጻዕሪ እዚ ንኣነባብራ ማሕበራዊ ርክባት ከምኡ እውን ናይ ሓሳባት ምግርጫዋትን ዝልውጥ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ቅዱስነቶም ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ስነ ፍልጠት ባህልን ዝያዳ ሃብትናን ዓቕምናን ከነዋፍር ተማሕጺኖም፡ እዚ ኸኣ መጻኢ ተስፋ ንምሃንጽ ክትጥቀመሉ እትኽእል እንኮ ሕጋውን ውጽኢታውን ኣጽዋር እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ባህሊ ዘሎ ጋግ

ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ብስነ ኣህዛ እተራቐ ሓበሬታን ርክብን ዝተሓረሙ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት እናሓሰቡ፥ እዚ ጉዳይ እዚ ሸለል ከይንብል ኣተሓሳሲቦም፡ ከምኡ እውን ኣብቶም ብስነ ኣህዛ እተራቁ መገድታት ዝበሃሉ ብዙሓት ብተነጽሎ ከም ዝጉድኡን ኣብ ልዕል እዚ ንህይወት ወዲ ሰብ ናብ ስነ መጎት ናይቶም ዋግኡ ዝውስኑ መሳርሒታት ኣሕሊፍካ ምሃብ ከቢድ ሓደጋ እዩ -  ሕማቕ ምሕደራ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነን ንሰብ ዝጎድእ ስነ ኣሃዛዊ ፍልጠት ንምክልኻል፡ ነቲ ሰፊሕ ስነ ምግባራዊ ኣስተንትኖ ኣብ ኣጠቓቕማ መፍትሒ ግድላት ሸለል ከይበለ፡ ስነ ኣሃዛዊ ክእለት ምጥራይ ንምትብባዕ ዝዓለመ መምርሕታትን ሕግታትን ከም ዘድሊ ብኣጽንዖት ይገልጹ።

መሃይምነት ምጥፋእ ንዘይንጽል - ኩልንተናዊ ምህዳር

ቅዱሰንቶም ኣብ መልእኽቶም፥ መሃይምነት ምጥፋእ ንዘይንጽል ኩለንተናዊ ምህዳር ምስትውዓል ዘለዎ ዓቢይ ሓገዝ ኣመላኺቶም፥ “ኣብ ክንክን ካልኦትን ፍጥረታትን ቀጥታዊ ጽልዋ ኣብ ርእሲ ምግባሩ ውዕሊ ሓዲሩ ንኹሎም ህዝብታት ምድሪ ዝጠቕም መምርሒ ከምኡ እውን ንቑጠባ ዘነቓቕሕ ዝያዳ ርዝነት ዘለዎን ዝድግፍን ባህርያት ንምምሃር ብትዕግስትን ብጽንዓትን ምትብባዕ” ዝብል እዩ እክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

09 Sep 2023, 15:07