ድለ

Il Papa ai Rogazionisti, continuate a pregare per le vocazioni Il Papa ai Rogazionisti, continuate a pregare per le vocazioni  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ንማሕበር ሰአልያን ቅዱስ ልበ ኢየሱስ፦ 'ፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንግንዘብ ጸልዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኽልተ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ነቶም አባላት ማሕበር መዓልታዊ ምስ ጐይታ ኣብ ዝግበርዎ ዝርርብ አብ ጸሎትን አስተንትኖን ግዜ ከሕልፉን "ቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ወሰንቲ ጉዳያት ማሕበርን፣ አገድስቲ እዋናት ነፍሲ ወከፍ ኣኼባን ነፍሲ ወከፍ ውሳኔን" አቀዲሞም ምስ ጐይታ ክራኸቡ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ማሕበር ደናግል ደቂ መለኮታዊ ቕንኣትን ማሕበር ካህናት ሰአልያን ቅዱስ ልበ ኢየሱስን ብሓደ በዓል ሲቺሊያ ዝኾነ ቅዱስ እተመስረቱ ኽልተ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት እንክኾኑ ንሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበራቶም ንምክያድ አብ ከተማ ሮማ ይርከቡ አለዉ ።

ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ዕለት 18 መስከረም ምስ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ተራኺቦም፣ ቅዱስነቶም ድማ ብዛዕባ ጸሎትን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ክጽልዩን ቀንዲ ኣትኵሮ ናይ ማሕበራቶም ክኸውን ከም ዘለዎ አመልኪቶም ቃለ ማዕዳን አቕረቡሎም ።

ምእንቲ ጓሶት ነፍሳት ምጽላይ

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ሓደ ፍሉይ ክፍሊ ወንጌል" ብምጥቃስ፣ እዚ ድማ ነቲ ሲቺልያዊ ልዑል፡  ቅዱስ ሃኒባል ዘማርያም በዓል ፈረንሳ ሃብቱን ንብረቱን ሓዲጉ ብምምናን ንማሕበር ደናግል ደቂ መለኮታዊ ቕንኣትን ማሕበር ካህናት ሰአልያን ቅዱስ ልበ ኢየሱስን ክምስርት ዘስተንፈሰሉ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ኢዩ፣ ክብሉ ቅዱስነቶም አብቲ ዘስምዕዎ ቃለ ማዕዳን አስተንተኖ ገበሩ ።

እዛ ቅዱስ አቦና ነቶም ተጋባእቲ ብልዑል ድምጺ ዘንበቡሎም ጥቕሲ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ዝተወስደት ኮይና - "እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ እቶም ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም፣ ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ  ዓየይቲ ኺልእኸሉ ለምንዎ።" ዝብል ኢዩ ነይሩ።

እዛ ጥቕሲ እዚኣ ይብሉ ቅዱስነቶም "ንልቢ ቅዱስ ሃኒባል ሓዋርያዊ ብቕንኣት ዘሕደረትሉ" ጥቕሲ ኢያ ነይራ ። እዚ ኢጣልያዊ ካብ ክቡራትን ሃብታማትን ስድራቤት ዝነበበረ፣ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ድኽነት ኣብ ግምት ብምእታው "ከም ኢየሱስ ብዝተሰምዖ ብርቱዕ ድንጋጸን ሰብአውነትን ብኹሉ መነባብርኡን መንፈሱን ድኻ ክኸውን መረጸ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አስዒቦም እቲ ናይ መጀመርታ ምላሽ ናይዚ ቅዱስ ጸሎት ምዃኑ እንክገልጹ - "እወ ኣምላኽ ንህዝቡ ኸም ዘይግደሰሎም ብምቑጻር ዘይኮነስ እኳ ደአ ነቲ ኣባታውን ናይ አደ ፍቕሪ አምልኽ ዝያዳ መታን ከነስተማቕን ከምኡ ውን  አምላኽ ንሕዝቡ ጓሶት ምእንትን ክልእኸሎም ብምጽላዩ፤ ከመይ ጌርና ብጸሎት ናብ አምላክ ብድሌታት ናይ ውሉዱ አቢልና ክንቀርቦ ከም ዘሎና ምሂሩና ኢዩ፣” በልዎም።

ምርሒት ንምርካብ ምጽላይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ አስዒቦም "ጸሎት ኣብ ኩሉ ህይወት ቅዱስ ሃኒባል ተዘርዚሩ እንረኽቦ ቀይሕ ፈትሊ እዩ" ብምባል ገለጹ።

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ "ንርእስኻ የዋህን ትሑታትን ጌርካ ብጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክትቀርብ ከለኻ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ገዛእ ህይወትካ ፍሉይ ዝኾነ ምርዳእ ይወሃበካ እዩ" እዚ ሲቺልያዊ ቅዱስ ከአ ብጸሎት አቢሉ እዩ ነቲ ጸዋዕታኡ እተጸበሎ።

እዚ ዓይነት ህይውት ጸሎት እዚ እቲ ዝበለጸ ተመኵሮ ናይ ቅዱስ ሃኒባል ኢዩ ዝነበረ ። "ይኹን እምበር ንዅሉ ዝምልከት እዩ፦ ብዘይ ጸሎት ናበይ ከም እትኸይድ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ስለዚ ዕለት ዕለት ምስ ጐይታ ነዊሕ ምይይጥ ምግባር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣገዳሲ ኢዩ፣ ብፍላይ ድማ አብ አገደስቲ እዋናትን ቕድሚ ዝኾነ ውሳኔ ምግባርካን ድማ ናብ አምላኽ ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ።"

ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይዘን ኽልተ ማሕበራት "አብዚ ጉባኤኹም ከም ሕይወይ መብጽዓ፡ መለለይ መንነት መንፈሳውያን ውህበታት፡ ሕውነታዊ ሕብረትን ተልእኾን ዝአመስሉ አርእስትታት አልዒልኩም ክትመኽሩሉ ኽኢልኩም ኢኹም" ድሕሪ ቢሎም፤ እዚ ኩሉ ከአ "መሰረታዊ ጉዳያት ናይ ውፉይ ሕይውት ኢዮም፣ ነዞም ጉዳያት ንምዕማቝ ከኣ ናይ ምስማዕን ምስትውዓልን ብጸሎትን ምንፈሳዊ ምክፋልን ዝርከብ ክእለት ዝሓትት ከምኡውን ብዙሕ ትብዓት ዝሓትት ጉዳያት ኢዩ" በልዎም።

አብ መደምደምታ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዘዳልውዎ ነጥብታት ዝሓዘ ጽሑፍ አቐሚጦም ካብ አንደበቶም - "ስለእቲ እትገብርዎ ዘሎኹም ኩሉ አመስግነኩም፣ ስለቲ እትህብዎ ዘሎኹም ምስክርነት ውን አመስግነኩም ። ስለቲ ኣብ ጸሎት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝኹም እትገብርዎ አገልግሎትን ስለ ኣእዳውኩም አመስግነኩም - ከመይ ድሕሪ ጸሎት ውን አእዳውኩም ተጣቢቐን አይተረፋን እኳ ደአ ብድሕሪኡ ናብ ተግባራት አገልግሎት ስለ እትወፍሩ ። ስለዚ በጃኹም ጸዋዕታ ምእንቲ ክርከብ ጸሎትኩም ቀጽሉ ። ስለይ ውን ምጽላይ  ኣይትረስዑ" ብምባል ቃለ ማዕዳሞም ዛዘሙ።

19 Sep 2023, 15:52