ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ንእኖና ድንግል ማርያም ስለቲ አብ ሞንጎልያ ዝገብረዎ ምብጻሕ አመስገንዋ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ ጥንታዊ ስእለ እግዝእትነ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ተባሂሉ ዝስመ በጺሖም፣ ነብቲ አብ ዝሓለፈ 4 መዓልታት ናብ ወጻኢ ሃገር ዝገበርዎ ሓዋርያዊ መገሻ መዛዘሚ ናይ ጸሎት መደብ ኢዩ ዝነበረ ።
ቅድሚ ናብዚ ሓዋርያዊ መገሻ ምብጋሶም ቅዱስነቶም ዕቝባን ረድኤትን እኖና ድንግል ማርያም ንምሕታት ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ከም ዝበጽሑ ዝዝከር ኢዩ፣ ናብ ሮማ ምስ ተመልሱ ኸኣ ቅዱስነቶም ምስጋና ንኸብጽሑ ናብታ ድሕነት ሮማውያ እተሰምየት ስእለ እግዝእትነ ማርያም ዝርከባላ ባዚልካ እንደጋና በጺሖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ናብ ሃገረ ሞንጎልያ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሰኑይ ክዛዝም ከሎ፣ ነዚ ናይ ወትሩ ልምዶም ዝኾነ ቅድምን ድሕርን መገሻታቶም ዝገብርዎ መደብ ናይ ምስጋና ጸሎት አብ ቅድሚ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም አዕሪጎም ።
ብመሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዘውጽኦ መግለጺ ትማሊ ሰኑይ 4 መስከረም ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ሮማ ናብ ቫቲካን ድሕሪ ምምላሶም ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ በጺሖም ።
ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ነዚ አመልኪቱ "ዕለት 4 መስከረም ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ከምቲ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ልሙድ ዝገብርዎ፣ ቅዱስ አቦና ካብ ሃገረ ሞንጎልያ ምስ ተመልሱ ናብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ከይዶም፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ድሕነት ሮማውያን እተሰምየ ስእለ ድንግል ማርያም ጸሎተ ምስጋና ቕሪቦም ናብ ቫቲካን ተመልሱ" ዝብል ጋዜጣዊ መግለጺ አውጺኡ።
ካብ ሞንጎልያ ዝመጸ ፍሉይ ሕቝፊ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኖና ድንግል ማርያም ዘለዎም ፍቕሪን ምስጋናን ንምግላጽ ኣብ ትሕቲ እቲ ጥንታዊ ስእለ እግዝእትነ ማርያም ቁኑን ዕምባባ አብ መንበረ ታቦት አንቢሮም።
ሓንቲ ሞንጎልያዊት መንእሰይ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ መዕርፎ ነፈርቲ ኡላንባታር ስነስርዓት ምፍናው አብ ዝተኻየደሉ ቅዱስነቶም ናብ ነፋሪት ቀቅድሚ ምድያቦም ነዚ ቁኑን ዕንባባ ሃበቶም፣ እዚ ድማ ምእንቲ እቲ ናብ ህዝቢ ሞንጎልያ ዝገበርዎ ምብጻሕ ከም መግለጺ ምስጋና ኢዩ ዝነበረ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ ነዚ ህያብ እዚ ናብ እኖና ቅድስተ ማርያም አወፈይዎ፣ ምእንቲ እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ናብ እስያ ዝገበርዎ ምብጻሕን፣ ምእንቲ ኩሎም አብዚ መገሻኦም ዝረኸብዎም ሰባት ከአ ጸልዮም።