ር.ሊ.ጳ. ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ግዳያት ባርዕ ሓዊ ንዝኾኑ ይጽልዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 መስከረም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ዛዘሙ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ልዕሊ ሓደ ህንጻ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ህይወቶም ንዝሰኣኑን ንኣባይቲ ምዉታትን ቅርበቶም ከምዝገለጹን ከምኡ እውን ነታ ኣዚያ ብኩናት እትሳቐ ዘላ ዩክረይን እውን ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መዛዘሚ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስነቶም ኣብ ማእከል ከተማ ጆሃንስበርግ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብርክት ዝበሉ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 70 ሰባት ከም ዝሞቱ ዘኪሮም፥ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንኣባይቲ ስድራ ምውትታት ምጽንናዕ ተማሕጺኖም ነቶም ዝተጎድኡ ኣብ ምእላዮም ዝከኣሎም ዝገብሩ ንዘለዉን ነቶም ዝተጎድኡን ቤተ ክርስቲያን ሓገዛ ከም ዘቕረበት እውን ገሊጾም፥ ቅድም ክብል ኣብ ዝተፈጸመ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኣስታት 200 ኣባይቲ ስድራ ዝተንከፈ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ
እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠሞ ህንጻ ዝተጠንጠነ ናይታ ከተማ ቤት ምሕደራ ንብረት ምንባሩን ብዘይሕጋዊ መገዲ እውን ዝካረዩ ዝነብሩሉ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕንጻ እውን ኣስታት 200 ኣባይቲ ስድራ ዝቕመጡሉ ከም ዝነበረን እቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕንጻ ዝነበረ መቐመጥ ማካይን እውን ከይተረፈ ብነኣሽቱ ዶኻኹን ናብ መንበሪ ዝተቐየረሉን እቲ ባርዕ ሓዊ ምስ ኣጋጠመ ገሊኣቶም ህይወቶም ንምድሓን ካብ ላዕለዎት ደርብታት ብመስኮት ንታሕቲ ክዘሉ ከም እተራእየ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ክሕብሩ እንከለዉ፡ ሰብ መዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይቲ ባርዕ ሓዊ ሓደጋ መንቀሊ ንምርግጋጽ መርመራ ክካየድ ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
12 ሕጻናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 76 ሰባት ግዳያት
ኣብዚ ሕጂ እዋን ቁጽሪ ግዳያት ብሓፈሻ 76 ክኸውን እንከሎ፡ ካብኣቶም እቶም 12 እውን ሕጻናት ምዃኖም እዩ ዝንገር። ብሰንኪ ባርዕ መንነት ገለ ገለ ሬሳታት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከም ዘሎን ኣስስታት 90 ከም ዝቖሰሉን ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ተዓቍይቦም ከም ዘለዉን፡ ብመሰረት ሰብ መዚ መብዛሕቲኦም በቲ ባርዕ ዝተሃስዩ ካብ ማለዊን ታንዛኒያን ዝመጹ ስደተይናታት እዮም። እተን ዘይመንግስታውያን ትካላት ነቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ገለ ግዚያዊ መንበር ኣዳልየን ክሰርሓ እንከለዋ፡ ኣባላት ዝተፈላለያ መንፍሳዊ ማሕበራት እውን ኣብቲ እቲ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠመሉ ህንጻ ፊት ጸሎት ከም ዘዕረጋ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንዩክረይን ንማርያም ሕድሪ ይብሉ
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነታ ብኩናት እትሳቐ ዘላ ሃገረ ዩክረይን፡ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ብላቲን ስርዓት፥ በዓለ ልደታ ለማርያም ምዃኑ ብዝምዝኽኻር፥ “ስቓይን ጸበባን ናይታ ብኩናት እትሳቐ ዘላ ዩክረይን ሕድሪ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ዝኽሪ ኣዋጅ ቅድስና ስታኒስላው
ነቶም ኣብቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 770 ዓመት ኣዋጅ ቅድስና ቅዱስ ስታኒስላው ሮማ ንዝኣተዉ ፖላንዳውያን መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታኦም ዘቕረቡ ቅዱስነቶም፥ “ቅዱስ ስታኒስላው ተባዕን ጽኑዕን ጓሳ ክራኮቪያ” እንክብሉ ገሊጾም፥ “ኣብ ሓልዮት ህዝቢ ንሕጊ ኣምላኽ እናተኸተለ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ገዛኢ ፖላንድ ሰይፊ ዝተቐትለ - ብዓቢ ትብዓትን ውሽጣዊ ናጽነትን ሰማእት ዝኾነ - ንኽርስቶስ ቅድሚ ኩሉ ዘንበረ፡ ሎሚ ከም ቀደም ኣብነቱ ንወንጌል እሙናት ክትኮኑ ኣብ ስድራ ቤትኩምን ማሕበራዊ ህይወትኩምን ቀዳምነት ክትህብሉ የተባብዓኩም በዚ ድማ ንጹር መሰኻኽር ሓቅን ፍትሕን ሕውነታዊ ፍቕርን ክትኮኑ ትኽእሉ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።