ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ሃገርካ ምስዳድን ኣብ ሃገርካ ምትራፍን ምርጫ መሰረታው ሰብኣዊ መሰል እዩ! ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ሃገርካ ምስዳድን ኣብ ሃገርካ ምትራፍን ምርጫ መሰረታው ሰብኣዊ መሰል እዩ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ሃገርካ ምስዳድን ኣብ ሃገርካ ምትራፍን ምርጫ መሰረታው ሰብኣዊ መሰል እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለማዊ መልክዕ ብመካራን ግጭትን ኣዕናዊ ጽልዋታት ቅልውላው ከባቢ ኣየርን ዝተናወጸ ኮይኑ፡ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ቤቶምን ንብረቶምን ዛሕዚሖም ናብ ካልእ ቦታ ዕቑባ ክደልዩ ይግደዱ ኣለዉ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝትረኽብሉ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር፡ ዕለት 24 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናን ተምዛበልትን ምዃኑ ብምዝካር፥ ኣብ ሃገርካ ምትራፍ ኮነ ካብ ሃገር ምስዳድን ከምኡ እውን ነቲ ዝስደድ ኣብ ዝኣትወለን ሃገራት ናይ ምቕባልን ናጽነት ክህሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 24 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ፍልሰትን ምዃኑ ብምዝካር ንመሰረታዊ ኣገዳስነት መሰል ምምራጽ ንስደት ወይ ኣብ ሃገርካ ምትራፍ ዝብል ምርጫ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ፍልሰት “ንኽትስደድ ወይ ንኽትተርፍ ናጻ ምርጫ እዩ” ብዝብል ቃል ዝምራሕ ምዃኑ ዘኪሮም፥ እዚ እውን ምስዳድ ወይ ስደት ምምራጽ ተስፋ ካብ ምቑራጽ ዝነቅል ኣድላይነት ዘይኮነስ ወለንታውን ኩቡርን ምርጫ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘጉልሕ መርሕ ሓሳብ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምስዳድ ወይ ስደት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ናይ ስደት ወይ ናይ ምስዳድ መሰል ”መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ንብዙሓት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ዝድረኽ ግዴታ ኮይኑ ኣሎ፡” ክብሉ ኣመልኪቶም፡ ክብርን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት እናስተማቐረካ ናይ ምንባር መሰል ክኽበር ኣለዎ እንክብሉ ጸዋዕታ ከም ዘቕረቡን፡ “እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለማዊ መልክዕ ብመካራን ግጭትን ኣዕናዊ ጽልዋታት ቅልውላው ከባቢ ኣየርን ዝተናወጸ ኮይኑ፡ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ቤቶምን ንብረቶምን ዛሕዚሖም ናብ ካልእ ቦታ ዕቑባ ክደልዩ ይግደዱ ኣለዉ” ቢሎም፥ ነዚ ጽንኩር ክውንነት እዚ እፍልጦ ብምሃብ ኩሎም ውልቀ ሰባትን ኣህብዛብን ብሓድነትን ርህራሄን ክጥርነፉ ተላብዮም ነቶም መዕቆብን ምጽንናዕን ደልዮም ማዕጹ ዝኹሕኩሑ ሰባት ንምቕባል ንምድጋፍን ንምስናይን ንምውህሃድን ድሉው ንምዃን ጥራይ ዘይኮነስ ንምቕባልን ንምድጋፍን ንምውህሃድን ዝህንጠዩ ማሕበረሰባት ንምፍጣር ክስራሕ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መቓልሕ ካብ ማርሲሊያ

እዚ ጻውዒት እዚ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ማርሲሊያ ዝተኻየደ “ናይ ማእከላይ ባሕሪ ሃገራት ዋዕላ” መዛዘሚ ተረኺቦም ዕለት 23 መስከረም ምስ ዘስምዕዎ መደረን ኣብ ማርሲሊያ ካብ ዕለት 22 – 23 መሰከረም ምስ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝሰማማዕ ከም ዝኾነን፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዋዕላ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝተሳተፉሉ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ስደት ዘስዕቦ ብድሆታትን ዕድላትን ዘማእከለ ሰፊሕ ዘተን ምይይጥን፥ “ሜዲትራኒያን ታሪኻዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ባህልታትን ስልጣነታትን ዘምክኽ ዘሎ ቁራዕ ኮይኑ” ኣሎ እንክብሉ ከም ዘጉልሑን፥ ኣብዚ “ጽንኩር እዋን እዚ ነቶም ዕቑባ ዝደልዩ ብኽፉት ልብን ኣእምሮን ሓንጎፋይ ኢልና ብሓልዮትን ሓድነትን መንፈስ ንቀበሎም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

25 Sep 2023, 16:17