ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ‘ምእንቲ ሲኖዶስ’

“ብጸሎትን መመያን መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሓዋርያነት እዚኒ ማለት ብቓል ኣምላኽ ምእንቲ ክንዛረብ ብኣእዛን ኣምላኽ እናሰማዕና “ናብ ልቢ ክርስቶስ ንቐርብ” ተልእኾናን ናብኡ ዝስሕበናን ድምጺ ካብኡ እዩ ዝመጽ”

ር.ሊ.ጳ. “ኩሉ ሰብ ብሲኖዶስ ኣቢሉ ምስማዕን ዘተን ሓንጎፋይ ቢሉ ንኽቅበል፥ ንወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሲኖዶስ ክጽለ፥ እንክብሉ ‘ሲኖዶስ` ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ቤተ ክርስቲያን ብመንፈስ ቅዱስ ክትምራሕን ምስማዕን ዘተን ከም መነባብሮ ክትወስዶን ናብ ወሰናስን ምድሪ ከተብል ንጸሊ” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ዕለት 4 – 29 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ዝካየድ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን እንከሎ፥ ወርሓ ጥቅምቲ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ‘ሲኖዶስ’ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ከም ዝወሰኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱሰቶም ኣብቲ ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍው ብዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ዝተፈነወ መልእኽቲ፥ ሲኖዳዊ ጥንፈታት ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ብኸመይ ንቕድሚት ከም ዝስጉም ከም ዘስተንተኑን፥ “ብጸሎትን መመያን መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሓዋርያነት እዚኒ ማለት ብቓል ኣምላኽ ምእንቲ ክንዛረብ ብኣእዛን ኣምላኽ እናሰማዕና “ናብ ልቢ ክርስቶስ ንቐርብ” ተልእኾናን ናብኡ ዝስሕበናን ድምጺ ካብኡ እዩ ዝመጽ” ከምዝ በሉን፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “እዚ ድምጺ ልቢ ተልእኾ እዚ ንኹሉ ሰብ ምብጻሕ ንኹሉ ምድላይ ንኹሉ ምቕባል ንኹሉ ዘሳትፍ፡ ንማንም ዘየግልል ምዃኑ ይገልጸልና” ቢሎም ኩሎም ኣመንቲ ኣብ እዋን እቲ ሲኖዶስ፥ “ምስማዕን ዘተን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ከም ቅዲ ህይወት ክትቕበሎን ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኻ ናብ ወሰን ዓለም ንኽትከይድ መታን ምእንቲ ሲኖዶስ ክጽልዩ” ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት መስርሕ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ኣብ መስከረም 2021 ዓ.ም. ረቡዕ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. እቲ ስሩዕ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ክኽፈት እዩ። ብድሕሪ እዚ ካብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዓለም ዝመጽ ምእመናን ካቶሊካውያን ኣብ ሰበኻታቶም ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዘትዮምን ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዘተ ኣባይቲ ምኽርን ጉባኤታት ጳጳሳት ሃገራት ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያኖም ድምጺ ናብ መኣዲ ሲኖዶስ የምጽእዎ።

እቲ ሰነድ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገረ ስብከት ካብ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ጀሚሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ቤተ ክርስቲያን ከም ሲኖዳዊት ክትዓቢ” ዝድርኽ ናይ ዘበገስዎ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ መሰረት ናይ ዘመሓላለፈኦ ናይ ፍጻሜ ሰነዳት ጠርኒፉ ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ 2023 ከምኡ እውን ኣብ 2024 ዓ.ም. ኣብ ወርሓት ጥቅምቲ ዝካየድ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ንዘካይዶ ምይይጥ መሳርሒ ኮይኑ ዘገልግል እዩ። እዚ እውን ሰነዳት ንምፍራይ ዘይኮነስ ንፍጻመ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተስፋ ኣድማስ ንምኽፋት እዩ።

ኣብዚ ሲኖዶስ ደቂ ኣንስትዮ ሓዊስካ ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ዘለዎ 363 ኣባላት ክሳተፉ እዮም፡ ገሊጽኦም ተሳተፍቲ ናይ ጳጳሳት ጉባኤ ወይ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ዝውክሉ ክኾኑ እኝከለዎ ካልኦት እውን ብግሊ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተዓደሙ ተሳተፍቲ ከም ዝኾኑን እዚኣቶም እውን ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካን መንፍሳዊ ተራዳእያንን ክኢላታትን እማኻርትን ዘጠቓልል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር። 

30 Sep 2023, 17:10