ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ ርእደ መሬት ዘጋጠማ ሃገር ሞሮኮ ጸሎትን ቅርበቶም የረጋግጹ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከላይ ዞባ ሞሮኮ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት ዘሶኣቦ ሞትን መጉዳእትን ዘሕደረሎም ብርቱዕ ሓዘን ገሊጾም ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከም ዘርጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም፡ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ቅርበቶምን ጸሎትም ዘረጋግጹ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ነቲ ዝተጎድአ ህዝቢ ሓገዝ ከይፍለዮ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ጸሎት ዘሰንዮ ሕብረት
ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ኣብ ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ ተለግራም መልእኽቶም፥ እቲ ዓርቢ ምሸት ዕለት 8 መስከረም ኣብ ዞባ ማእከላይ ከተማ ማራከሽ ዘጋጠመ 6.8 ሄክታር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት፡ ልዕሊ 800 ሰባት ግዳያት ከም ዝገበረን ዝተሓበሩ ቅዱስነቶም፥ ንግዳያትን ንስድራ ቤቶምን፥ “ነዚ ባህርያዊ ሓደጋ እዚ ኣብ ዝገጥምሉ ዘለውሉ እዋን ጸሎቶምን ቅርበቶምን ኣረጋጊጾም፥ ንሞሮካውያን “ዓሚቝ ቅርበት” ከምዘለዎም እውን ኣመላኺቶም፡ ብዙሓት ዝሞቱ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ኣብ እግዚኣብሔር ክረኽቡን ንዝቕሰሉ ቅልጡፍ ምሕዋይ ተመንዮም ነቶም ብሞት ፍቑራቶም ኣብ ሓዘን ዘለዉ ኣባይቲ ስድራ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ክረኽቡ ጸሎቶም ከም ዝኾነ ኣረጋጊጾም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቶም ድገፍ ንምሃብ ዝጽዕሩ ዘለዎ ሰበ ስልጣንን ኣገልግሎት ኣድሕን ህይወትን ድማ ኣተባቢዖም፥ “ንኹሎም እቶም እተጐድኡ ምልክት መጸናንዒ ዝኾነ በረኸት ኣምላኽ ከም እተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።