ድለ

2023.09.23 Il papa a santa maria maggiore 2023.09.23 Il papa a santa maria maggiore 

ር. ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንእኖና ደንግል ማርያም ስለቲ ዝገበረትሎም ረድኤት የመስግንዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ማርሴል ዝሓለፈ ቀዳም 23 መስከረም ናብ ሮማ ምስ ተመልሱ ንእኖና ድንግል ማርያም ኣብቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝገበርዎ መበል 44 ሓዋርያዊ ምብጻሕ ስለቲ ዝገበረትሎም ረድኤትን ዑቕባን ንምምስጋን ከም ልምዶም ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ በጺሖም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፊዩሚቺኖ ሮሜ ድሕሪ ምዕላባ፣ ቅዱስነቶም ቀጥታ ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ነታ ዓባይ ከተማ ሮማ አቋሪጾም ድሕሪ ነዊሕ ጕዕዞ ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ በጺሖም።

ብመሰረት እቲ ናይ ቅድስር መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዘውጽኦ መግለጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እግሪ እታ ጥንታዊት ስእለ እግዚእትነ ማርያም እታ ድሕነት ሮማውያን ተባሂላ እትጽዋዕ ሓጺር ጸሎተ ህሊና አዕሪጎም ።

ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብቲ ናብ ማርሴል ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ መንበሮም ቅድሚ ምምላሶም  ስለዝገበረትሎም ረድኤትን ዑቕባን አመስገንዋ ።

ስደት ብውሑስ መንገዲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እዚ ናይ ኽልተ መዓልቲ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ እትርከብ ከተማ ማርሴል ዝገበርዎ ምብጻሕ፣ ኣብቲ መዛዘሚ መደብ ጉባኤ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ ንምስታፍ ከም ዝነብረ ዝፍለጥ ኢዩ ።

ቅዱስ አቦና መብዛሕትኡ ካብቲ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ መገሻታት ብዛዕባ ስደትን ፍልሰትን ንዝምልከት ጕዳያት ዝትንክፍ ከም ምዃኑ ንሰባት እንተላይ ነቶም አብ መንገዲ ድስደት ዝርከቡ ዘለዉ ከይተረፈ ብኣኽብሮት ሓልዮት ክግበረለም ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ ነይሩ ።

ዝሓለፈ ቀዳም ንግሆ ዕለት 23 መስከረም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ ዝገብርዎ ጉባኤ ቅዱስነቶም አብ ዘስምዕዎ መደረ እቶም ጥንታዎት ሮማውያን  ማረ ኖስትሩም  ወይ "ባሕሪና" ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝነበሩ ባሕሪ ብመሰረት እቲ ሓባራዊ  ዝኾነ ሰብአውነትና ቦታ ድሕነትን ርክባትን ንክኸውን ከም ዝኽእል ዘቅርበለና መጸዋዕታ ከም ዘለዎ ገለጹ።

ቅዱስነቶም አብ መግለጺኦም "ኣብ መንጎ እዚ ሎሚ አብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ባሕሪ ግጭታት፣ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ሰላም ቤተ-ምርምር ኮይኑ ምእንቲ ክርከብ ኣበርክቶ ንምግባር ኢና መጺእና" ዘሎና ክብሉ ዕላማ ሓዋርያዊ ዑደቶም እንታይ ምንባሩ ገሊጾም።

25 Sep 2023, 09:31