ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንካቶሊካውያን ቬትናም፥ ዘተን ተስፋን እተድንፍዑ ኩኑ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሔረ እስያ፥ ኣብ መንጎ መግንስቲ ቬትናንምን ቅድስቲ መንበርን ብምኽንያት ምጽዳቕ ስምምዕ ነባሪ ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንብረ ኣብ ቬትናም ኣብ ዘመሓላለፈዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ክሌኣዊ ዝምድናታት ዝርአ ዘሎ ምዕባለ ኣስሚሮም፡ ምእመናን ቬትናም፥ “ሕያዎት ክርስቲያንን ሕያዎት ዜጋታትን” ኮይኖም ክነብሩ ንፍቕሪ እግዚኣብሔር “ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖትን ዓሌትን ባህልን” ክኾኑ ከም ዝተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ቬትናም ዘሎ “ሰናይ ዝምድና” ዘርኢ ሓድሽ ስጒምቲ ንቕድሚት ብሓጎስ ዝብል ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ምልክት ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክልቲአን ሃገራት ዘመዝገበኦ እወታዊ ስጉምትታት፡ ንቨትናማውያን ክርስቲያን መነቓቕሒ እዩ። ኣብ ሕብረተሰቦም ዝያዳ ብርሃን ወንጌል ክኾኑ ዝተጸውዑ ብምዃኖም። ቅዱሰንቶ ንዕድል ወግዓዊ ተግባር ኣብ መንጎ መንግስቲ ቬትናምን ቅድስቲ መንበርን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ናይቲ ኣብታ ሃገር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል መንበር ክህልዎ ይኹንታ ዝህብ ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእ|ኽቲ ንካቶሊካውያን ቬትናም፥ “ቨትናማውያን ኣብ ስርሖም ትብዓትን ኣብ ጸገማት ጽንዓት ናይ ስድራ ቤት ስምዒትን ካልኦት ክርእይዎ ዝኽእሉ ዘለዎም ሰናይ ባህርያት ይፈልጦን የድንቖን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተስፋ ናይ ሃገር ምፍጣር
ቅዱስነቶም ካብቲ ዕለት 27 ሓምለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ቬትናም ርእሰ ብሔር ቮ ቫን ቱኦንግ ዘካየድዎ ርክብ ተበጊሶም፥ ክሌኣውን ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብን ደረጃ ዝምዕብል ዘሎ ዝምድንታት ኣድኒቖም፡ ንመጻኢ ድማ ከምዚ ክቕጽል ትስፍው ምዃኖም ገሊጾም፥ “እቲ ዝምድና ኣለሊኻ ፍልልያት ምኽባር።” እዚ እውን ንካቶሊካውያን ቬትናም ሓላፍነት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ “ከም ሕያዎት ክርስቲያንን ሕያዎት ዜጋታትን መንነቶም ዓቂቦም” ንቤተ ክርስቲያን ህያው ብምግባር ኣብ መዓልታዊ ህይወት ወንጌል ብምስፋሕ ክነብሩ ዝብል ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም፥ ሳላ ምዕባለ “ንኣተገባብራ ሃይማኖታዊ ናጽነት ካቶሊካውያን ምእመናን ቬትናም ዘተ ንምድንፋዕን ንሃገር ተስፋ ምፍጣርን” ክሕግዞም ከም ዝኽእልን እዚ እውን ንምስክርነት ዘተባብዕ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ምስማዕን ጭቡጥ ምግባረ ሰናይን
“እቲ ኣዚዩ ዘድሊ - ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ - ኣብ ገለ ክፍልታት ንበነዲክቶስ መበል 16 ከምኡ እውን ንዮሓንስ መበል 23 ጠቒሶም፥ “ጭቡጥ ግብረ ሰናይ” ምዃኑ ሓቢሮም፥ እዚ መዳይ እዚ ኣብ ቬትናም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ለበዳ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝሰፈሓሉ ኣብ ቀረባ እዋን፥ “ኣብ ሕብረተሰብ ቬትናም መባኹዕቲ ብምዃን ኣብ ምዕባለኡ ከም ዘሰነየትን ሓላፍነታውን ተኣማንነትን ኣበርክቶ ከም ዝገበረትን” ተገንዚቦም፡ ሕጂ ድማ ከምቲ ናይ ቬትናም ጳጳሳት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ለምዘበን ሓዋርያዊ መልእኽቶም፥ “ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ህይወት ብሓድሕዳዊ ፍቕሪ ልባዊ ምስምማዕን ተግባራት ግብረ ሰናይን” ክዋስኡን፡ “ኣብ ህይወትን ኣብ ዝምድናን ምስ በረገሳዊ ስልጣንን ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰብን” ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖትን ዓሌትን ባህልን” ክፍጽምዎ ድማ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።