ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣምላኽ ብዘይ ፍቕድን ስፍርን ኢዩ ይቕረ ዝብለልና

ኣብ ናይ ትመሊ ሰንበት ዕለት 17 መስከረም አብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምቲ ጐይታናን መንሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ደረት ዘይብሉ ምሕረቱ ይቕረ ዝብለልና፣ ንኣምላኽ በቲ ስፍርን ፍቕድን ዘይብሉ ፍቕራዊ ምሕረቱ ብምምሳሉ ንልብና ሰላምን ቅሳነትን ክረክብ ወትሩ ይቕረ በሃልቲ ክንከውን ኣዘኻኸሩና።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክርስትያን ዘበለ ኵሉ ከም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  መሓርቲ ክዀኑን ይቕረ ኽብሉን ጸውዒት አቕረቡ።

ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ አብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም አብ ዘስምዕዎ ቃል አምላኽ፣ አብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ተመርኲሶም ነቲ ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ዝጸሓፎ ብምጥቃስ ብዛዕባ ምሕረትን ሕድገት ሓጢአትን አስተምሃሩ።

ሸውዓተ ግዜ ሰብዓ

ኣብቲ ናይ ዕለቱ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ቅዱስ ጴጥሮስ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ክብል ክሓቶ ንረኽቦ - 'ጐይታይ! ሓወይ እንተ በደለንስ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ክብለሉ? ክሳዕ ሸውዓተ ዶ?' (ማቴ.18፡21)። ቅዱስነቶም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ  እዛ ቍጽሪ ሸውዓተ ምልኣትን ፍጽምናን እተመልክት ምዃና ምስ ገለጹ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ቅዱስ ጴጥሮስ "በቲ ከም ግዝምቱ ዘቕረቦ ሕቶ ሕያዋይን ለጋስን ኢዩ ኔሩ፣" በሉ።

ቅዱስ አቦና ቀጺሎም "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ዝያዳኡ ብምኻድ 'ሸውዓተ ሳዕ ሰብዓ ደአ እምበር ክሳዕ ሾውዓተ ኣይብለካን'" ኢሉ ከም ዝመለሰሉ ጠቒሶም።

"ኢየሱስ ይቕረ ኽትብሉ ኸለኹም ምጽብጻብ ወይ ቁጽርን ፍቕድን አይድልየኩምን ኢዩ፣ ወትሩ ይቕረ ምባል ሰናይ ክንዲ ዝኾነ ንኹሉን አብ ኩሉን ይቕረ በሉ ኢኹም" ኢዩ ዝብሎም ዘሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮአብ ስብከቶም፣ ኣምላኽ ንዓና ኩሉ ግዜ በዚ ኸምዚ ኢዩ ዝምሕረና፣ ስለዚ ብወገኖም ውን እቶም ኣምላኽ ይቕረ ዚብለሎም ደቅ-ሰባት "ኵሉ ሳዕ ይቕረ ኺብሉ" ኸም ዚጽውዑ ገለጹ።

ምሕረት አምልኽ ወሰን ደረት የብሉን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም "እቲ መልእኽቲ ኢየሱስ ንጹር እዩ፣ ኣምላኽ ብዘይ ፍቕድን ስፍርን፡ ወሰን ደረት ብዘይብሉ ምሕረት ይቕረ ይብል እዩ!" በሉ።

ቅዱስ አቦና ከም ዝገለጽዎ "አምላአኽ ካብ ፍቅሩን ርሕራሔኡን ተላዒሉ ኢዩ ዝምሕረና፤ ንሕና ከአ ንሓውና ወይ ንሓውትና ይቕረ ኽንብል ከሎና ደኣ እምበር ስለ ምሕረቱ ክንፈድዮ እንኽእለሉ ኩነት የብልናን ። ስለዚ ይቕረ ምባል ሓደ እንተ ደለየ ዝገብሮ አይደለየን ከአ ዝገድፎ ሰናይ ተግባር ጥራይ አይኮነን፣" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ተግባር እዚ ንክርስትያን "መሰረታዊ ኩነት መንነቱ" ከም ዝዀነ ገለጹ። "ኣምላኽ ምእንታና ህይወቱ በጃ አሕሊፉ ሂቡና እዩ፣ ንሕና ግና ንምሕረቱ ከቶ ኽንክሕስ ኣይንኽእልን ኢና።" ክብሉ አትሪሮም አስተምሃሩ።

ይቕሬታ ከም እነስተንፍሶ አየር ኢዩ

ስለዚ እምበር ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ንኣምላኽ ብምሕረቱን ይቕረ በሃልነቱን ክንመስሎ እንከሎና፣ ማለት ንሓድሕድና ይቕረ ክንብል እከሎና፣ መሰኻኽሩ ንኸውንን ኣብ ከባቢናን ዙርያናን ድማ ሓድሽ ህይወት ክንዘርእ ንርከብ ። ስለዚ "ካብ ሕድገት ሓጢኣት ወጻኢ ተስፋ የልቦን፣ ብዘይ ይቕሬታ ከአ ሰላም የልቦን" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አስዒቦም "ይቕረታ ነቲ ብጽልኢ እተበከለ ኣየር ዘጽሪ ኦክስጅን ኢዩ፣ ንመርዚ ቂም ዘሕዊ ፈውሲ ውን ኢዩ፣ ከምኡ ውን ንቍጥዓ ዘህድእን እቲ ንሕብረተሰብ ዝብክል ብዙሕ ሕማማት ልቢ ዝሓውየሉ መገዲ ኢዩ" ብምባል አስተምሃሩ።

ከነስተንትነሉ ዘሎና ሕቶታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ንምእመናን ከስተንትኑሉ ዘለዎም ገለ ኣገደስቲ ሕቶታት አቕረቡሎም ።

"ካብ ኣምላኽ ዓብዪ ሕድገት ሓጢኣትን ምሕረትን ከም ዝረኸብኩ እኣምን ድየ? አብ ዝወደቕኩሉ እዋናት ዋላ እውን ንገዛእ ርእሰይ ይቕረ ኽብለላ እንተ ዘይከኣልኩ ካልኦት ውን ይቕረ እንተ ዘይበሉኒ አምላኽ ግና ወትሩ ይቕረ ንኽብለለይ ኵሉ ሳዕ ድሉው ምዃኑ ብምፍላጠይ ይሕጐስ ድዩ?"

አስዒቦ ቅዱስነቶም ኣብዚ ኩነት እዚ ንሕናውን ብግዴና "ነቶም ዝጐድኡና ደቅሰባት ይቕረ ንብለሎም ዲና?" ኢልና ንገዛእ ርእስና ክንሓትት ኣሎና።

ንእሽቶ  ዕዮ ገዛ

ቅዱስ አቦና አብ መወዳእታ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው "ንእሽቶ ልምምድ" ክንገብር እደሊ አሎኹ ድሕሪ ቢሎም፦

"እስከ ሕጂ ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ሓደ ዝበደለና ሰብ ንሕሰብ፣ ንኣምላኽ ከአ ይቕረ ክንብለሉ እንኽእል ትብዓትን ሓይልን ክህበና ንለምኖ። ስለታ ንጐይታ ዘላትና ፍቕሪ ክንብል ድማ ይቕረ ንበለሉ" በሉ።

እዚ ምስ በሉ ቅዱስነቶም ነዚ ብምግባርና "ጽቡቕ ክስምዓና ኢዩ፣ ናብ ልብና ከአ ሰላም ኪመልሰልና እዩ" በሉ።

አብ መደምደምታ ቅዱስ አቦና፣ ነታ አደ ምሕረት ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጸጋ ኣምላኽ ንኽንቅበልን ንሓድሕድና ይቕረ ንኽንበሃሃልን ክትሕግዘና ንለምና ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ ።

18 Sep 2023, 15:01