ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ሊቢያ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ዘሕደረሎም ሓዘን ይገልጹ ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ሊቢያ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ዘሕደረሎም ሓዘን ይገልጹ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ሊቢያ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ዘሕደረሎም ሓዘን ይገልጹ

“ህዝቢ ሊቢያ ብብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን ብዙሕ ሞትን ማህሰይትን” ከም ዘጋጠሞ ዘኪሮም፥ ነዞም ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን መንፈሳውን ሰብኣውን ቅርበትና ኣይነጉድለሎም ሓደራ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ሊብያ ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሞትን ዕንወትን ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፡ ንኹሎም ኣብ ስቓይ ንዝርከቡን ዝተጎድኡን ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ “ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ሊቢያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ዘይተኣደነ ክሳራ ህይወትን ንብረትን” ምስ ተሓበሩ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ “ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም፥ ንኹሎም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተጎድኡን ፍቱዋቶም ንዝሰኣኑን ኣብ መሪር ሓዘን ንዝርከቡን ጸሎቶምን ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፥ ኣብቲ ብይብጻሕ ኣብ ሊቢያ ንዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ሳቪዮ ሆን ታኢ ፋይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ኣስዒቦም፥ ነቶም ንዝተጎድኡ ዜጋታት ኣብ ሓገዝ ዝርከቡ ሰራሕተይናታት ኣድሕን ሕይወት እውን ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ” ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መንፈሳዊ ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፥ ነቶም ዝተጎድኡ ጥልቂ መንፈሳዊ ቅርበቶም ገሊጾም፡ ነቶም ብሰንኪ በቲ ዝተኸስተ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ፍቱዋቶም ንዝሰኣኑ ከምኡ እውን ኣብ ሓገዝ ዝተጎድአ ህዝቢ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ንዘለዉ ናይ ኣድሕን ህይወትን ናይ ህጹጽ ረድኤትን ሰራሕተይናታት ቅርበቶምን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ ናይ ምጽንናዕን ሓይልን ጽንዓትን መለኮታዊ ቡራኬ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣዕናዊ ህቦብላ

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፥ እቲ ዳኒኤል እተሰምየ ህቦብላ ነፋስ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሩ ናብ ሊቢያ ብምእታው ዲጋታት ድሕሪ ምዕናዉ ኣስታት ርብዒ ክፋል ምብራቓዊት ከተማ ደርና እታ ሃገር ከም ዘባደመን ኣብ ከተማ ደርና ጥራሕ ድሮ ብውሑዱ ናይ ልዕሊ ክልተ ሺሕ ዝቑጸር ዓስከሬን ከም እተረኽበን ሰበ ስልጣን ሊቢያ፥ ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ክብ ክብል ከም ዝኽእል ይግምቱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቀይሕ መስቀል ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዘጋጠመ ውሕጅ 19 ሺሕ ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 13 መስከረም ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ “ህዝቢ ሊቢያ ብብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን ብዙሕ ሞትን ማህሰይትን” ከም ዘጋጠሞ ዘኪሮም፥ ነዞም ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን መንፈሳውን ሰብኣውን ቅርበትና ኣይነጉድለሎም ሓደራ” ከም ዝበሉን ኣስዒቦም እውን ዕለት 8 መስከረም ብዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት ንዝተጎድአት ሃገረ ሞርኮ ዘኪሮም፥ ህዝቢ ሞሮኮ ካብቲ ዝወረዶ መዓት ክሓውን ህይወቱ ዳግማይ ክጅምርን ንጸሊ ምስ በሉ፥ ነታ ብውግእ እትሳቐ ዘላ ዩክረይን እናሓሰቡ፥ “ኣብ ዓለም ሰላም ምእንቲ ክረጋገጽ ኣብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣይንድከም፥ “ተዓዘብቲ ኮይንና ኣይንትረፍ፡ ኩሉ በቢ ወገኑ ከከም ተክእሎኡን ዓቕሙን ዝያዳ ፍትሓውን ሰላማውን ዓለም ኣብ ምህናጽ ብንጥፈት ይወፈ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Sep 2023, 15:57