ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ማርሴል ንዝገብርዎ ምብጻሕ ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም አወፈይዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብታ ኣብ ሃገር ፈረንሳ እትርከብ ከተማ ማርሴል ንኽልተ መዓልቲ ቕድሚ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሎሚ ሰሉስ ዕለት 19 መስከረም ንግሆ ኣብ እግሪ እመቤትና ንኺጽልዩ ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ በጺሖም።
ብመሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዘውጽኦ መግለጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ናይ ወትሩ ልማዶም ቅድምን ድሕርን ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ዝገብርዎ፣ ኣብ ቅድሚ እታ ጥንታዊት ድሕነት ሮማውያን እትስመ ስእለ እግዚእትነ ማርያም በጺሖም ሓጺር ጸሎት ሕልና አብጺሖም ። አባኡ ድማ ነቲ ናብ ከተማ ማርሴል ዝገብርዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብሕድሪ ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም አወፈይዎ።
ቅዱስነቶም ነቲ ቅድምን ድሕርን ሓዋርያዊ መገሻታቶም ዝገብርዎ ምብጻሕ ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ከም ምልክት ተወፋይነትን አርማ ጠበቓነትን ቅድስቲ ወላዲተ አምላኽ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ።
ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ማርሴል ዝገበርዎ ምብጻሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 22 መስከረም ድሕሪ ቐትሪ ናብ ደቡባዊት ከተማ ፈረንሳ ዝኾነ ማርሴል ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምግባር ቀዳም ዕለት 23 መስከረም ናብ መንበሮም ክምለሱ ምዃኖ አብ መደብ ተሒዙ ከም ዘሎን ዝፍለጥ ኢዩ ።
ኣብቲ ካብ ዕለት 22-23 መስከረም ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ቅዱስነቶም ዓርቢ ኣብ ቤተ-ክርስትያን "ኖተር ዳም ደ ላ ጋርድ" ምስ ቤተክህነት ናይቲ ሰበኻ መደብ ጸሎተ ማርያም ከብጽሑ ኢዮም፣ ብድሕሪኡ ንሓጺር ግዜ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ተራኺቦም ቃሎም ከስምዑ ኢዮም።
ቀዳም ዕለት 23 መስከረም ቅዱስ ኣቦና አብ ናይ ብህታዊ ዕጹው ርክብ ምስ ገለ ቍጠባዊ ጸገም ዘለዎም ሰባት ኺራኸብ እዮም።
ድሕሪኡ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ፈረንሳ ኤማኑወል ማክሮን ቅድሚ ምርኻቦም ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ፕሮግራም "ጉባኤ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ" ክሳተፉ ኢዮም።
አብ መደምደምታ ሓዋርያዊ ዑደቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ቕድሚ ናብ መንበሮም ናብ ከተማ ሮማ ምምላሶም ኣብ ሜዳ ስፖርት ቬሎድሮም ንዝዓርግ መስዋዕተ ቅዱስ ቅዳሴ ክመርሑ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የመላኽት