ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም
ምስቶም ብበዓልቲ ቤቶም ተሰንዮም ሓጺር ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ምስ ዝገበሩሎም ናይ ፈረንሳን ርእሰ ብሔር ማክሮን ሓጺር ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ማርሲያሊያ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ዕለት 23 መስከረም ምሸት ሰዓት 19.28 ደቓይቕ ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮን ድሕሪ ዘቕረብሎም ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ናብ ሮማ ከም ዝነቐሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍራንቸስኮ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ከተማ ማርሲሊያ ንኽልተ መዓልቲ ዝጸንሕ ዑደቶም ዛዚሞም ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰዓት 19.28 ነቒሎም ብናይ ሮማ ኣቆጻጽራ ሰዓት 20.50 ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኣተዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ምስቶም ብበዓልቲ ቤቶም ተሰንዮም ሓጺር ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ምስ ዝገበሩሎም ናይ ፈረንሳን ርእሰ ብሔር ማክሮን ሓጺር ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱን ቅዱስነቶም ኣብታ ናብ ሮማ ንኽምለሱ ኣብ ዝተፈሩላ ነፋሪት ኣብቲ ምብጻሕ ምስ ዘሰነይዎም ናይ ውሽጥን ወጻእን ማዕከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናትት ቃለ መሕትት ከም ዘካየዱ ኣፍሊጡ።
24 Sep 2023, 12:23