ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍራንቸስኮ ናብ ሞንጎሊያ ነቒሎም

ዓቢ ባህሊ ዘለዎ ህዝቢ፥ ነቲ ሰፊሕ መሬትን ዓቢይን ባህሊ ንኽንርዳእ ብጽሞና ከነስተውዕሎ ጽቡቕ ይመስለኒ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ነሓሰ ብሮማ ኣቆጻጽራ ምሸት ሰዓት 18.30 ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝነቐሉን ቅዱስነቶም ኣብታ ናብ ሞንጎሊያ እተብጽሖም ነፋሪት ንዝተረኽቡ ዘሰንይዎም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ጋዜጠይናታት ኣብ ዘቕረብዎ ሰላምታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ናብ ሞንጎሊያ ምኻድ ናብቲ ሰፊሕ መሬት ዝርከብ ብቑጽሪ ውሑድ ዝኾነ ህዝብ ምኻድ ማለት እዩ፥ ሞንጎሊያ ሰፊሕ መሬታ መወዳእታ ዘለዎ ዘይመስል፡ ነበርታ ድማ ውሑዳት፥ ዓቢ ባህሊ ዘለዎ ህዝቢ፥ ነቲ ሰፊሕ መሬትን ዓቢይን ባህሊ ንኽንርዳእ ብጽሞና ከነስተውዕሎ ጽቡቕ ይመስለኒ፡ ብኣእምሮ ዘይኮነስ ብህዋሳት፡ ሞንጎሊያ ብህዋሳትና ክንርድኣ ዝግብኣና ሃገር እያ። እቲ ስፍሓትን ዕብየትን ሞንጎሊያ እንታይ ማለት ምዃኑ ክገልጾ ዝኽእል ናይ ቦሮዲን ሙዚቃ ምስማዕ ጽቡቕ ምኾነ።”

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ጉዕዞ ቅዱስነቶም ናብ ሞንጎሊያ

እዚ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዑደት ቅዱስነቶም፥ ድሕሪ እቲ ናይ ዕለት 31 ነሓሰ ነዊሕ ናይ በረራ ጉዕዞ ቅዱስነቶም በቆጻጽራ ሞንጎሊያ ሰዓት 22.00 ኣብ ናይ ሞንጎሊያ ርእሰ ከተማ ኡላንባታር ኣብ ዝርከብ ቺንጊስ ክሃን ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኣተዉን፥ ነቲ ናይቲ ናይ በረራ ጉዕዞ ንውሓት ርኢኻ ናይ ቅዱስነቶም ወግዓዊ መደባቶም ብዕሊ ቀዳም ዕለት 2 መስከረም ክጅምሩ እዮም።

ከምቲ ናይዚ ጉዕዞ መደባቶም ከም ዝሕብሮ ድማ ዕለት 2 መስከረም ኣብ ናይታ ሃገር ቤተ መንግስቲ ንኽብሪ መንግስትን ህዝብን ሞንጎሊያ ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ርእሰ ብሔር ናይ ግሊ ርክብ ምስ ኣካየዱ፡ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ ሞንጎሊያ ላዕለዎት ናይ መግንስትን በርገሳውያን ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካላት ክራኸቡን ርእሰ ብሔር ሞንጎሊያ ንቕዱስነቶም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ምስ ኣስምዑ ቅዱስነቶም መደረ ከስምዑ እዮም። ኣብ ካቴድራል ቅድሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ክራኸቡን መደረ ከስምዑን እዮም።

ሰንበት ዕለት 3 መስከረም ንግሆ ኣብ ዓውደ ኣኼባ ውስጠ ሃይማኖታት ክሳተፉን መደረ ከስምዑን ድሕሪ ቐትሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ሰኑይ ዕለት 4 መስከረም ኣብታ ሃገር ኣብ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ተዋፊሮም ምስ ዘገልግሉን ወለንተይናታትን ሰራሕተይናታትን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዝእለዩን ክራኸቡ ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

01 Sep 2023, 10:26