ድለ

2023.09.23 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኩነታት ቁጠባዊ ጸገም ምስ ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ተራኺቦም 2023.09.23 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኩነታት ቁጠባዊ ጸገም ምስ ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ተራኺቦም  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኩነታት ቁጠባዊ ጸገም ምስ ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ተራኺቦም

ቅዱስነቶም ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ዘስምዕዎ ሓጺር መደረ፥ “ሕውነት ንምህናጽ ኩሉ ሰብ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ክሰግር” ኣተባቢዖም፥ “ሕውነት የወሃህድ፡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ምንባር ትንቢታዊ ተግበር እዩ። ኪኖ ኩሉ ሃይማኖታዊ ይኹን ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣሕዋት ኢና”

ቅዱስነቶም ምስቶም ኣብ ከቢድ መነባብሮን ጽንኩር ቁጠባዊ ጸገም ምስ ዝርከቡ ሰባትን ምስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ምኽትል ኣቦ መንበር ፈረንሳዊ ማርጋሪትስ ሺናስን ኣብ ናይ ማርሲሊያ መንበረ ጳጳስ ከም እተራኸቡን ምስ ሺናስ ሓጺር ክሌኣዊ ዘተ እውን ከም ዘካየዱን ምስቶም ኣብ ምስጋር ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ንዝርከቡ ስደተይናታት ዘድሕኑ፥ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ኣብ ኣድሕን ህይወት ግብረ ሰናይ ናይ ዝዋፈራ ትካላት ኣባላት ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ምኽትል ኣቦ መንበር ፈረንሳዊ ማርጋሪትስ ሺናስ
ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ምኽትል ኣቦ መንበር ፈረንሳዊ ማርጋሪትስ ሺናስ   (Vatican Media)

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ካብኡ ተሰናቢቶም ናብቲ ኣብ ማርሲሊያ ናብ ዝርከብ ብደናግል ደቂ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዝመሓደር መእለይ ድኻታት ብምኻድ ምስቶም ኣብኡ በተን ደናግል ዝእለዩ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ጸግም ምስ ዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምእ ተራኸቡን፥ ቅዱስነቶም ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ዘስምዕዎ ሓጺር መደረ፥ “ሕውነት ንምህናጽ ኩሉ ሰብ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ክሰግር” ኣተባቢዖም፥ “ሕውነት የወሃህድ፡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ምንባር ትንቢታዊ ተግበር እዩ። ኪኖ ኩሉ ሃይማኖታዊ ይኹን ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣሕዋት ኢና” ከም ዝበሉን እቲ በተን ደናግል ዝእለይ ማእከል ድኻታት፥ ኣብ መዓልቲ ን250 ድኻታት መኣዲ ምሳሕ ዘቕርብ ምዃኑ በዚ ኣጋጥሚ እዚ ክሕበር እንከሎ፥

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣባላት ግብረ ሰናይ ኣድሕን ህይወት ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ
ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣባላት ግብረ ሰናይ ኣድሕን ህይወት ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ   (Vatican Media)

ሰብኣዊ ክብረትን ስደትን

ቅዱስነቶም ነቲ ዘቕረምዎ ምዕዳን፥ ስለ ዝተገብረሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ኣመስጊኖም፥ ሰባት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ክርኢ እንከለኹ ደስ ይብለኒ፥ ምልክት ሕውነት ስለ ዝኾነ ድማ፥ ኣየናይ ናይ የማን ኣየናይ ናይ ጸገም ፖለቲካዊ ወድብ እዩ ዘይብል፡ ኣነ ኣባል ናይቲ እምነት እየ ንስኻ ናይ ካልእ ሃይማኖት ወይ እምነት ሰዓቢ ኢኻ ዘይብሉ፥ ሕውነት ኣብዚ እርእይ ኣለኹ፥ ሕውነት ኪኖ ኩሉ ኢኣይነት ፍልልያት፥ ብዙሕ ግዜ ስልጣነታት ከም ጸላእቲ ወይ ከም ጓኖት ክንረአአ ይድርኹና፥ ሕውነት ግን ትንቢታዊ እዩ፥ እዘን ደናግል ደቂ ማድረ ተረዛ ነዚ ሕውነት እዚ እየን ዝምስክራ ዘለዋ” ቢሎም “ስለ ምስክርነትን ምስክርነትኩምን አመስግን ኣብዚ ምርኻበይ ድማይ ሓጎስ ይፈጥረለይ -  ስለ ምርኻበይ ከተመስግኑኒ ዘይኮነስ ኣብዚ ክርከብ ዕድል ስለ ዝሃብኩምኒ ኣነ እየ ከምስግን ዘሎኒ” እንክብሉ ካብኡ ከም እተሰናበቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጽንኩር ቁጠባዊ ጸገም ምስ ዝርከቡ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ማርሲሊያ
ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጽንኩር ቁጠባዊ ጸገም ምስ ዝርከቡ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ማርሲሊያ   (Vatican Media)
23 Sep 2023, 11:21