ድለ

2023.09.23 ር.ሊ.ጳ. ካብ ማርሲሊያ ኣብ ምምላሶም ምስ ጋዜጠይናታት ዘካየድዎ ቃለ መሕትት 2023.09.23 ር.ሊ.ጳ. ካብ ማርሲሊያ ኣብ ምምላሶም ምስ ጋዜጠይናታት ዘካየድዎ ቃለ መሕትት  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ካብ ማርሲሊያ ኣብ ምምላሶም ምስ ጋዜጠይናታት ዘካየድዎ ቃለ መሕትት

ስፍራ . . . ኣብ ኤውሮጳ ገለ ገለ ንኣሽቱ ከተማታት ውሑዳት ኣረግቶትን ኣረጋውያንን ጥራሕ ዝነብሩለን ኮይነን ኣለዋ፡ ሕስብ ኣብሉ . . .

ቅዱስነቶም ዕለት 23 መስከረም ካብ ማርሲሊያ ናብ ሮማ ኣብ ምምላሶም ምስቶም ዘሰነይዎም ናይ ውሽጥን ወጻእን ማዕከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ነፋሪት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ጉዳይ ጸኣት ስደተይናታትን ሞትን ስነ ሓሳባዊ መግዛእትን ከምኡ እውን ኲናት ይኩረይ ዝመልከቱ ኣርእስታት ከም ዝተንከፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ማርሲሊያ ናይ ክልተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ቀዳም ምሸት ዕለት 23 መስከረም ናብ ሮማ ንኽምለሱ ኣብ ዝተጓዓዙላ ነፋሪት ምስቶም ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣቐዲሞም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ነቲ መደብ ቃለ መሕትት ንቕዱስነቶም ሰላምታ ብምቕራብ ንቓለ መሕትት ፍቓደይና ምዃኖም ምስ ኣመስገኑ ቅዱሰንቶም ኣስዒቦም ንኹሎም ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፥

ብቐዳምነት ብዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት እቲ ደጋጊሞም ናይ ዘይምጋዳስን ሸለል ናይ ምባልን ባህሊ ክውገድ እንክብሉ ዘቕርብዎ ጻውዒትን ዘመሓላልፍዎ መልእኽትን ክሳብ ክንደይ ተቐባልነት ረኺቡ? ንዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ፈሺሉ ኣይምበልኩን ምኽንያት ሎሚ ካብ ቀደም ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ኣፍልጦ ከም ዘሎ እየ ዝኣምን። ኣብ ሓደ እዋን ኣንጀላ መርከል፥ እቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝረአ ጸኣት ስደተይናታት ኣብ ኣፍሪቃ ብምኻድን ኣብ ኣፍሪቃን እዩ ክፍታሕ ዘለዎ ዝበለኦ እዝክር። ስለዚ ኣፍሪቃ ምምዕባል እዩ እቲ መልሲ። . . .  ብዙሓት ስደተይናታት ኣብ መዳጎን ሰፈር ከም ዘለዉ እዩ ዝመስል፡ ኣብቲ ስፍራ ርእሰ ቕትለት ዝፈጸመ ስደተይና እዝክር፡ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ስቅያት ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ። . . . ዘስካሕክሕ ህይወት! ስለዚ ምቕባልን ምእንጋድን ምውህሃድን የድሊ፥ ንስደት ዝዳርጎም ጸገም ካበይን መንን ምዃኑ ምፍላጥ እውን የድሊ፥ “እቲ ደራኺ ምኽንያት ንዓይ ፍሉጥ እዩ ዝመስለኒ!” . . .

ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃልኩም ምስ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮን ተራኺብኩም፥ ኣብዚ እዋን እዚ ፈረንሳ ዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ሕጊ ንምጽዳቕ ትሸባሸብ ኣላ፥ ዘካትዕ ሕጊ እውን እዩ . . . ምስ ርእሰ ብሔር ማክሮን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣይተዛረብኩን፡ ኣብ ቫቲካን ንምብጻሕ መጺኦም ከለዉ ብዛዕባ ስደትን ስደተይናታትን ተዘራሪብና ነይርና፡ ርእይቶይ ድማ ንጹር እዩ። ስለዚህ እቲ ዘገድስ ሕይወት ምድሓን እዩ . . . ጎይታ ዓለም ዘርእስታ መጽሓፍ ብሮበርት ሂዩ በንሶን ኣብ 1907 ዓ.ም. ዝተደረሰት መጽሓፍ ኣላ፥ ከተንብብዋ እዕድም። ኣቡቀለምሲሳዊት መጽሓፍ እያ! ብዛዕባ ህይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞትን ዝብል ናይ ህይወት ባህሊ ዘለዎ ኣገዳስነት ናብ ምስትውዓል ከነብል። . . . ሎሚ ንህይወት ደቂ ሰባት ክቆጻጸር ዝደሊ ኣንጻር ህይወት ካብ ዝኸዱ ስነ ሓሳባዊ መግዛእትታት ክንጥንቀቅ ኣሎና፥ . . . ስለ ዝኣረገ ሎሚ ፋይዳ የብሉን ዝበሃል ኣመለኻኽታ፥ ኣደ ሓጎታትን ኣቦ ሓጎታትን ገና ዘይተወልዱን . . . ከም ውዳቕ ካብ ዝሓስብ ባህል ምጥንቃቕ የድሊ፡ ስለዚ እቲ ዓቢይ ጉዳይ ነቲ ዛዕባ ህይወት ዝምልከት መምዘኒ ምርኣይ የድሊ ኣካይዳ ዓለም ምፍታሕ የድሊ . . .

 ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኲናት ደው ክብል ናይ ሰላም ልኡኽ ጌይርኩም ዝሰመኹምዎም ካርዲናል ጹፒ ኣብ ዩክረይንን ራሻን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ከምኡ እውን ኣብ ቤጂንግ ምብጻሕ ኣካይዶም እዮም . . . ኣብዚ ተልእኾ እዚ ዝኾነ ምዕባለ ኣሎ ዶ? . . . እቲ ውግእ ብመጠኑ ናይ ሩሲያን ዩክረይንን ጸገም ጥራሕ ኣይኮነን። ብንግድ ኣጽዋር ውግእ እዚዩ ይጽለው ኣሎ። ኣብ ዓለም እተን ዓቢ እቶት ዘመዝግባ ዘለዋ ኣምረትቲ ኣጽዋር ኢንዳትሪታት እያተን . . . ኣምረትቲ ሞት ድማ እያተን፡ ህዝቢ ዩክረይን ዝስዋእ ዘሎ ህዝቢ እዩ። ካብ ሩሑቕ ዝመጸ ሰማዕትነት እውን እዩ! ብዙሓት ሃገራት ኣጽዋር ካብ ምልኣኽ የንሳሕባ ኣለዋ እዚ ድማ እቲ ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ካልእ መገዲ ከናድያ ዝደልያ ይመስላ . . . ካብቲ ናብ ማርሲሊያ ዘምጽኣኒ ዕላማ ናብ ካልእ ተብሉኒ ኣለኹም . .  ናብዚ ጉዳይ እዚ ክምለስ እደሊ! ማርሲሊያ ናይ ብዙሕ ህብረ ባህልታትን ህዝብታትን መግለጺ ዝኾነ ስልጣነታት  ቤት እያ፥ ናይ ስደተይናታት ወደብ! . . . ማርሲሊያ ናይ ባህልታት መራኸቢት ስፍራ እያ! ኣይሁድ ክርስቲያን እስላም ብሓባር ዝነብሩላ። ቅንስል ባህልታት ህዝብታት ሃይማኖታትን እያ። ማርሲሊያ ናብ ኤውሮጳ ዝምልከት መልእኽት ተቐቢላ ኣላ። ናይ ማንም ህዝቢ መንነት ከይተሓከ ኩሉ ብምቕብባልን ብምክብባርን ዝነብረላ ስፍራ . . . ኣብ ኤውሮጳ ገለ ገለ ንኣሽቱ ከተማታት ውሑዳት ኣረግቶት ጥራሕ ዝነብሩለን ኮይነን ኣለዋ፡ ሕስብ ኣብሉ . . . በጃኻትኩም እዘን ከተማታት ናይ ምውህሃድ ቦታ ክኾና መታን ብዙሕ ጸዓሩ . . . ጽዓት የድልየና ኣሎ። ኤውሮጳ ጸዓት የድልያ ኣሎ . . . ስደተይናታት ሃብቲ እያቶም፡ ስለዝ ናይ ስደተይናታት ዝምልከት ሕጊ ምስ እዚ ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ . . . ስለ ስራሕኩምን ስለ ሕቶታትኩምን አመስግን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 Sep 2023, 16:12