ር.ሊ.ጳ. ነታ ብሰንኪ ርእደ መሬት ኣብ ስቓይ ንእትርከብ ሞሮኮ ጸሎቶም ይሕድሱ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ ነቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተቐቢሎም ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ነታ ብርእደ መሬት ኣሽሓት ዜጋታታ ንዝሰኣነት ሃገረ ሞርኮ ጸሎቶምን ቅርበቶም ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ድሮ ዕለት 9 መስከረም ድሕሪ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ምስ ተሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ኣብ ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም፡ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ቅርበቶምን ጸሎትምን ኣረጋጊጾም ከም ዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፥
ጳጳሳዊ ሓልዮትን ግዳሰን
ዕለት 10 መስከረም ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖምን ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥ “ንኽቡር ህዝቢ ሞሮኮ” ዘለዎም ቅርበት ኣረጋጊጾም፥ ምእንቲ እቶም ዝተጎድኡን ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን “በሸሓት ዝቑጸሩን ሰባት” ምእንቲ ስድራ ቤት ምዉታትን ጸሎት ኣቕሪቦም፡ “ንሰራሕተይናታት ኣድሕን ሕይወት፥ ስቓይ ናይቲ ብርእደ መሬት ዝተሃስየ ህዝቢ ንምቅላል ስለ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ አመስግን” ቢሎም “ኩሉ ሰብ ነቲ ዝሳቐ ህዝቢ ጭቡጥ ሓገዝ ከቕርብ እምሕጸን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ።
ቁጽሪ ናይቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ክብ ይብል ኣሎ
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት ትሕቲ ፍርስራስ ኣባይቲ ተቐቢሮም ዝተረፉ ብሕይወት ዘለዉን ንምድላይ ብርቱዕ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎን፡ ክሳብ ሰንበት ዕለት 10 መስከረም በቲ ዕለት 9 መስከረም ዘጋጠመ ርእደ መሬት ብውሕዱ ልዕሊ ክልተ ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት 2,059 ከም ዝቖሰሉን፥ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰዓታት ሰራዊት ሞሮኮ ናብቲ ብርእደ መሬት ዝተጎድአ ዞባ ዝወስድ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጽርጊያታት ነገልግሎት ክበቕዕ ብምግባር ኣገዳሲ ሓገዝ ናብቲ ዝተሃስየ ህዝቢ ክበጽሕ ኣኽኢሉ ምህላዉ ክንገር እንከሎ፥ ዓለም ሓቆፍ ቀይሕ መስቀል ነቲ ዝተጎድአ ህዝቢ፡ ሰራሕተይናታት ኣድሕን ህይወት ንዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ንምድጋፍ 1.1 ሚሊዮን ዶላር ቃል ከም ዝኣተወ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ ብሰንኪ ርእደ መሬት ኣብ ማራኸሽ ዝርከባ ጥንታውያን ዓድታት ከም ዝፍረሳን፡ እቲ ዝቕጽል ሰለስተ መዓልታት ነቶም ኣብ ፍርስራስ ተቐቢሮም ዝተረፉ ብሕውት ንምድሓን ወሳኒ ግዜ ምዃኑ ትካልት ረድኤት ከም ዝገለጻ ኣፍሊጡ።