ድለ

2023.09.24 Angelus 2023.09.24 Angelus  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ፍቕሪ ኣምላኽ ደረት የብሉን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ ብዛዕባ ምሳሌ ናይቶም ሰራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይኒ ዝገብርዎ አስተንትኖ ቃል አምላኽ ፍቕሪ ኣምላኽ ካብቲ ደቂሰባት ብዛዕባ ፍትሕን ትርዕን ዘለዎም ኣረኣእያ ልዕል ከም ዝብልን ከምኡ ውን ዅሎም ሰባት ነቲ ደረት ዘይብሉ ምሕረት አምላኽ ከስተማቕርዎ የተባብዑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ብሰንበት ዕለት 24 መስከረም  ንጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ምእመናን አብ ዘቕረብዎ አስተንትኖ ቃል አምላኽ፣ ካብቲ ብዛዕባ ሰራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይኒ ዝገልጽ ምስላ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተበጊሶም ኣብታ ደረት ዘይብላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከነተዅር ይዕድሙና ።

እዚ ምሳልያዊ ዛንታ ብዛዕባ ሓደ ወናኒ ኣታኽልቲ ወይኒ ዚገልጽ  ኮይኑ፣ ብዛዕባ እቲ ዋና ግራት ንሰራሕተይናታቱ ምሉእ መዓልቲ ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት ዘውፍረ እሞ ንኹሎም ብማዕረ ውዕለቶም ከም ዝኸፈሎም ዝነግር ክፍሊ ቅዱስ ወንጌል ኢዩ ። እዚ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዚ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ፍትሒ ኣምላኽ ዝገበርዎ አስተንትኖ መሰረት ኰይንዎም ኢዩ፣ እዚ ድማ ብዛዕባ ፍትሒ ካብቲ ምድራዊ ኣተሓሳስባ ጸብለል ዝብል ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ።

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ "ዘይፍትሓዊ ኺመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ግና ብመንጽር ደሞዝ ኪርአ የብሉን ፣ የግዳስ ነቲ ኣምላኽ ከም ደቁ ገይሩ ዜፍቅረና ደኣ እምበር ንረብሓና ዝጽብጽበሉ መለክዒታት ኣምላኽ ንምግላጽ አይኮነን ቀሪቡ ዘሎ።"

ቅዱስ አቦና ካብዚ ምሳልያዊ ዛንታ ኽልተ መለኮታውያን ስጕምትታት ማለት “አምላኽ ቀጺሉ ዝጽውዓና ከም ምዃኑን እቲ ሚዛን ዘይብሉ ካሕሳኡን” ብምጥቃስ አስተንትኖኦም ቀጸሉ ።

ዘየቋርጽ ጻውዒት ኣምላኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ቅድሚ ኵሉ አብ ነፍስወከፍ ሰዓት ኪጽውዓና ዚወጽእ ኣምላኽ እዩ" ኢሎም አትሪሮም ገለጹ። እዚ ምሳሌ ነቲ እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ሰራሕተይናታት ንምድላይ ምሉእ መዓልቲ ከመይ ቢሉ ብተደጋጋሚ ይወጽእ ከም ዝነበረ ዝገልጾ ኩነት እዩ። ቅዱስነቶም ነዚ ምስቲ ኣምላኽ ደኺመ ኸይበለ ንደቅሰብ ንምድላይን ንምጽዋዕን ዝገበሮ ጻዕሪ ከመሳስልዎ ይርከቡ። ከምዚ ድማ በሉ "ኣምላኽ ንኽረኽበና ንሕና እንገብሮ ጻዕሪ ኣይጽበን እዩ፣ ከምኡ ውን ቅድሚ ምድላይናን ምርካብናን ገለ ዝገብርናዮ እንተሎ ኢሉ ኣይምርምርን እዩ" በሉ ። ቅዱስ አቦና ቀጺሎም "ምላሽ ንምሃብ እንተ ደንጐናዮ እኳ ኣይሕለልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ ቀዳማይ ተበግሶ ባዕሉ ብምውሳድ፣ ብኢየሱስ ክርቶስ ኣቢሉ ናባና ብምምጻእ ፍቕሩ ገሊጹልና እዩ ። ንሱስ ነቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ እተፈላለየ ደረጃታትን ወቕትታትን ክሳዕ እርጋን እውን ከይተረፈ ብምምሳል መዓልታዊ አብ ነፍስወከፍ ሰዓት ይደልየናን ይጽውዓናን ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ደረት ዘይብሉ ፍቕርን ነቕዘይብል ቈራጽነትን ንምግላጽ - "ልቢ አምላኽ ሓንቲ ሰዓት እኳ አሕሊፉ አይፈልጥን ኢዩ፣ ይደልየናን ኵሉ ሳዕ ይጽበየናን እዩ" በሉ።

ፍትሓዊ ውዕለታ ኣምላኽ

አስዒቦም ድማ ቅዱስ አቦና ነቲ ቐንዲ መልእኽቲ ናይቲ ምስላ ብንጹር ቃልት ጌሮም ከምዚ ክብሉ ገለጽዎ፦ "እቶም ድሕሪ ቀትሪ እተቆጽሩ ሰራሕተኛታት ማዕረ እቶም ካብ ንግሆ ጀሚሮም ክሰርሑ ዝወዓሉ ኢዮም ደሞዝ ዝኽፈሉ፣ ከመይሲ ፍትሒ ኣምላኽ ብሓቂ ዝለዓለን መዳርግቲ ዘይብሉን ኢዩ" በሉ። እቲ ሰብኣዊ ዝኾነ ፍትሒ 'ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ዚግብኦ ኽንህቦ' ክእዝዘና ኸሎ ፍትሒ ኣምላኽ ግን ንፍቕሪ ብዋጋን ክብርን ናይቲ ዝፈጸምናዮ ተግባራትን፡ ዝገበርናዮም ነገራት ወይ ፍሽለታትናን ኣይትልክዖን እያ። ቅዱስነቶም ቀጺሎም - "ንሕና ብዘይ ቅድመ ዅነት ብኸምኡ ደቁ ስለ ዝኾና ጥራይ ኢዩ ዝርፍቅረና!” በሉ።

ካብ ዝተሓስበን ዝተለክዕእን ፍትሒ ናጻ ኹኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ አስተንትኖኦም ንምእመናን ሓደ በዳሂ ዝኾነ ሓሳብ አቕረቡሎም ። ምስ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ አብ ልግሲ ጸጋኡ እተመርኮሰ ርክብ ብአንጻሩ ኣብ ክእለትና ስራሕናን እንምርኰሰ "ንግዳዊ" ዝኾነ ምውርራድ ውዕለታና ዘለዎ ርክብ ከይንምስርቶ ኣጠንቀቑ። ኣምላኽ ንዅሎም ካልኦት ሰባት ከምቲ ንሱ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ገይሩ ኸም ዜፍቅሮም፣ ነዚ ብምዝካር ቤተ-ክርስትያን ከአ ገዛእ ርእሳ ካብ ካልኦት ጸብለል ከም ዝበለት ገይራ ክትርኢ  ዘይኰነስ ንዅሎም ኣእዳዋ እትዝርግሕ ክትከውን ተማሕጸንዋ። ኣብ ርእሲ እዚውን ቅዱስነቶም ውልቀ-ሰባት ካብቲ ድሩት ዝኾነ አብ ርክቦቶም ዘሎ እተሓስበን እተቐመረን ፍትሒ ሓራ ኽወጹን ከምኡውን ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ዝመሃሮ ልግስን ምርዳእን ይቕረ ምባልን ከርእዩ ኣተባብዕዎም።

ቅዱስ አቦና አብ መወዳእታ ንአስተንትኖኦም ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምጽላይ እንክዛዝሙ “እታ ቅድስተ ቅዱሳን ዝኾነት እኖና ናብቲ ደረትን መልክዒን ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽንቅየር ትሕግዘና" ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ።

25 Sep 2023, 10:59