ድለ

2022.11.30 Marsiglia 2022.11.30 Marsiglia 

ር. ሊ. ጳ. ናብ ማርሴል ንምብጻሕ ጸሎት ኪግበረሎም ይሓቱ፣ ምእንቲ ዩክረይን ፍሉይ ጻውዒት የቕርቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ እቶም 'በጃ' ዝኾኑ ዘለዉ ህዝቢ ዩክረይን ምእንቲ ሰላም ጸሎት ክግበረሎም ኣትሪሮም ይምሕጸኑ፣ ከምኡ ውን ኣብ መደምደምታ ናይቲ "ጉባኤ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ" ንኽበጽሑ ንኽልተ መዓልቲ ናብ ማርሴል ምእንቲ ዝገብረዎ ሓዋርትያዊ ምብጻሕ ጸሎት ክግበረሎም ምሕጽንታኦም አቕረቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዚመጽእ ዓርቢ ዕለት 22 መስከረም ናብ ማርሴል ፈረንሳ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምዝካርን ምእንቲ እቶም ብውግእ ብዙሕ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ዩክረይንን ከምኡውን መእንቲ ኵሎም እቶም ብውግእ ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ፍሉይ ጸሎትን ምህለላን ክግበር ምሕጽንታኦም አቕረቡ።

እዚ ቅዱስነቶም ኣብቲ ሰንበት ዕለት 17 መስከረም ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዘስምዕዎ ቃል ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝነበሩ ምእመናን ዘቕረቡሎም ምሕጽንታ ኢዩ ነይሩ ።

ጉባኤ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ ንምስታፍ ናብ ማርሴል ዝገብርዎ ምብጻሕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ካብ 17-24 መስከረም 2023 ካብ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ ዝኾኑ ኣቡናትን መንእሰያትን ዝሳተፍዎ ዘለዉ "ጉባኤ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ" ንምስታፍን ንምዝዛምን ዝመጽእ ዘሎ ዓርብን ቀዳምን ካብ ዕለት 22-23 መስከረም ናብታ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ እትርከብ ከተማ ማርሴል ንኽልተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ኢዮም

ቅዱስ ኣቦና ነቲ አብዚ ሰሙን እዚ ዝኻይድ ዘሎ ጉባኤ ንምስታፍ ንዝገብርዎ ምብጻሕ ምኽንያት ብምግባር አብ መንጐ እቶም ወከልቲ ካብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ዝኾና ሃገራት ዝሳተፍዎ ጉባኤ ሕውነትን ፍቕርን ንምድንፋዕ ዝገብርዎ ምብጻሕ ከም ምዃኑ ገሊጾም።

እዚ ካብ ዕለት 22-23 መስከረም ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መበል 44 ሓዋርያዊ ጕዕዞ ቅዱስነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ክኸውን እንከሎ፣ ድሕሪ እቲ  ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ እዚ ናብ ሞንጎልያ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ይስዕብ ምህላዉ ዝፍለጥ ኢዩ።

ሰላምን ምትሕብባርን ስምምዕን ንምድንፋዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር አብ ዘስምዕዎ ቃል ነቲ ጉባኤ "ጽቡቕ ተበግሶ" ኢሎም ድሕሪ ምጽዋዕ፣ እዚ ድማ "ኣብተን ኣገደስቲ ኸተማታት ናይዚ ዞባ እና ተዘዋወረ ይካየድ ብምህላዉ ኣብ ዙርያ እቲ ናይ ማእከላይ ባሕሪ መንገድታት ሰላምን ምትሕብባርን ስምምዕን ንምድንፋዕ ንመራሕቲ ቤተክርስቲያንን ንሲቪላውያን ሰበ-ስልጣንን አብ ሓደ ብምምጻእ ፍሉይ አቃልቦ አብቲ ኩነት ስደትን ፍልሰትን ብምግባር ንሰላም ዝጽዕር ዘሎ ተበግሶ ኢዩ።" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና አብ ዘስምዕዎ ቃል "ከምቲ ኣብዚ ግዜና ኣብ መዓልታዊ ዜናታት እንሰምዖ ዘሎና ግን ከኣ ብሓባር ክንገጥሞ ዘሎና ቀሊል ዘይኰነ ብድሆ ኢዩ ዘመልክት" ክብሉ ገለጹ።

እዚ ኸኣ "ንሓባራዊ መጻኢና አገዳሲ ኢዩ!" ብምባል አትሪሮም ድሕሪ ምዝራብ "ንሰብኣዊ ኽብርን ጭቡጥ ብዝኾኑ ነገራትን ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ስኡናትን ድኹማንትን ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ሕውነት እተሓንጸ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ ንዕቤትን ብልጽግናን ክኸውን ዝኽእል ። " በሉ።

ር. ሊ. ጳ. አብ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር
ር. ሊ. ጳ. አብ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ዝሳቐዩ ዘለዉ ዩክረይንን ሃገራት ውግእን

አስዒቦም ቅዱስ አቦና ነቶም "ብውግእ በጃ" ዝኾኑ ዘለዉ ህዝቢ ዩክረይን ዘከሮም ኣብታ ሃገር ዳግም ሰላም ንኽነግስ ከምኡውን አብተን ብውግእ ዝቘሰላ ዅለን ሃገራት ሰላም ክግበር ጻውዒቶም ኣቕረቡ።

"ምእንቲ እቶም በጃ ዝዀኑ ዘለዉ ህዝቢ ዩክረይን ከምኡውን ምእንቲ ሰላም ኣብ ኵለን ብውግእ ዝሳቐያ ዘልዋ ሃገራት ብቐጻሊ ንጽሊ ።" ክብሉ ተማሕጸኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ይገብር አብ መንጐ እዘን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ሩስያን ዩክረይንን ውግእ ካብ ዝባራዕ አትሒዞም፣ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ብቐጻሊ ሰላም ክግበር ብምሕታትን እተፈላለዩ ጥርዓናትን ልመናታትን የቕርቡ ምህላዎም ዝፍለጥ ኢዩ ።

ከምኡ ውን ቅዱስነቶም ነቲ ክግበር ዘለዎ መስርሕ ሰላም ንምድንፋዕ ልኡኻትን ዘድሊ ሓገዛትን በብግዚኡ ልኢኾም ኢዩም፣  ንብጹዕ ካርዲናል ማትዮ ጹፒ እውን ሓዊስካ ልኡኽ ሰላም ብምስያም ዝተፈላለዩ ናይ ሰላም ምንቅስቃሳት የካይዱ አለዉ ።

ኣብ መጀመርታ ናይዛ ሒዝናያ ዘሎና ወርሒ ውን ቅዱስ ኣቦና ምስ ኣባላት ሲኖዶስ መራሕቲ ቤተክርስትያን ግሪኽ-ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዮክረይን ተራኺቦም፣ ኩሎም ክርስቲያን ኣብ ዩክረይን ሰላምን ዕርቅን ንኽርከብ ምሉእ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ጸሎት ወርሒ ቢሎም ክውፈዩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ውን ዝዝከር ኢዩ።

18 Sep 2023, 15:05