ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ እምነት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

“እቲ ናይ ሓባር ውሳኔ፥ ፍልልያት፡ እዚ እውን እንተሎ ኣብ ሓደ ቁርባን ብሓባር ክንነብር ዝከኣል ስለ ዝኾነ ክፈላልየና የብሉን፡ ብፍላይ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክርድኦም ብዘኽእል መገድን ኣገላልጻን ክርስቶስ ክንእውጅ እንኮለና”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማላንካራ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ናይ ማላካራ ሜጥሮፖሊታ ቅዱስነቶም ባሲሊዮስ ማርቶማ ማተዎስ ሳልሳይ ኣብ ሃገር ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱሰንቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሓድነት ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም፥ “ኣብ ክርስቶስ ብዘሎ ሓባራዊ እምነት ንፍልላያት ምፍዋስ የድሊ” እንክብሉ ናብ ሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጉዕዞ ክበራታዕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 መስከረም 2023 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ቅድስነቶም ናይ መላእ ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ማላንካራዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርትያን ኩላውን ናይ ማላንካራ ሜጥሮፖሊታ ቅዱስነቶም ባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቲ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣትሒዙ እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ማእስር ዝምስገን ምዃኑ ገሊጾም፥ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ቅድሚ ባሲሊዮስ ማቴዎስ ሳልሳይ ዝነበሩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ምብጻሕ ዘኪሮም፥ እዚ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ርክብ “ብፍቕርን ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝተገብረሉ ምዃኑን፥ ከም ሓው መጠን ኣብ ቤትኩም ከም ዘለኹም ድማ ይሰማዓኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ር.ሊ.ጳ. ንባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ እምነት እንቋን ብደሓን መጻእኩም!
ር.ሊ.ጳ. ንባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ እምነት እንቋን ብደሓን መጻእኩም!   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

እቲ ጥንታዊ እምነት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጥንታዊ እምነት ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ዘማላንካራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣፍልጦ ብምሃብ፡ መበገሲኣ ካብ ሓዋርያ ቶማስ ዝንገር ኮይኑ፡ ኣብ መበል 1700 ዓመት ጉባኤ ኒቅያ ንምጽምባል ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን ኣብ ኢየሱስ ከም ጎይታን ኣምላኽን ናይ ሓባር እምነት ኣስሚሮም፥ ናይ ቅዱስ ቶማስ እምነት ካብቲ ናይ ክርስቶስ ኣቑሳል ተመክሮ ዘይፍለ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ታሪኽ ኣብ መንጎና ክርስቲያን ዘጋጠመ ምፍልላይ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ኣካለ ክርስቶስ ዝወረደ መሪር ቁስሊ እዩ። ንሕና ባዕልና ሳዕቤናቱ ኣብ ምምስካር ንርከብ ኣሎና።”

ኣብ መንጎ ክርስቲያን ዘጋጠመ ታሪኻዊ ምፍልላይ ዘስዓቦ ቁስሊ ብሓባር ምሕዋዩ ከም ዘድሊ ኣስተውዒሎም፡ ጸሎትን ፍቕርን ዘተን ዘቀራርብ መጋበርያ ክኽውን ድማ ኣተባቢዖም “ክሳብ ሽዑ ክቡር ሓው፥ ኣብቲ ዘንጽሓና ጸሎት ኣብቲ ዝራኽበና ፍቕሪ ኣብቲ ኣብ ሓደ ዘቀራርበና ዘተ ሓቢርና ንሰጉም” ብምባል እዚ እውን “ንሓድሕዳዊ ምቅርራብ” ዝድርኽ ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ንባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ እምነት እንቋን ብደሓን መጻእኩም!
ር.ሊ.ጳ. ንባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ እምነት እንቋን ብደሓን መጻእኩም!   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ታሪኻዊ ስምምዕ

ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና፥ ንክርስቶስ ኣብ እንእውጀሉ እዋን ናይ ኣገላልጻ ፍልልያትና ክገማምዓና ከም ዘይብሉ ብኣጽንዖት ብምዝኽካር፡ ናይ ሓባራዊ ዓለም ለኸ ሽማግለን ታሪኻዊ ኣብ ስነ ክርስቶስ ዘበጽሐ ስምምዓትን ጠቒሶም “እቲ ናይ ሓባር ውሳኔ፥  ፍልልያት፡ እዚ እውን እንተሎ ኣብ ሓደ ቁርባን ብሓባር ክንነብር ዝከኣል ስለ ዝኾነ ክፈላልየና የብሉን፡ ብፍላይ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክርድኦም ብዘኽእል መገድን ኣገላልጻን ክርስቶስ ክንእውጅ እንኮለና” ቢሎም ከም ዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ር.ሊ.ጳ. ንባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ እምነት እንቋን ብደሓን መጻእኩም!
ር.ሊ.ጳ. ንባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ እምነት እንቋን ብደሓን መጻእኩም!   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ኣበርክቶ ንሲኖዳውነት

ቅዱስነቶም ኣብ መስርሕ ሲኖዳውነት ኣበርክቶ ናይ ማላንካራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጉሊሖም፥ “ካብዚ ዘመናት ዝጸንሐ ናይ ቤተ ክርስቲያንኩም ተመክሮ ሲኖዳውነት ብዙሕ ክንመሃር ከም እንኽእል ርግጸይና እየ፡” ብምባል፥ ር.ሊ.ጳ. “ብዝተወሰነ መልክዑ እቲ ኩላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ሲኖዳውነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ - ቢሎም - ምስርሕ ሲኖዳውነት ብግዲኡ ኣብቲ ንሓድነት ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣበርክቶ ክግበር ከም ዝኽእል ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፥

ር.ሊ.ጳ. ንባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ እምነት እንቋን ብደሓን መጻእኩም!
ር.ሊ.ጳ. ንባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ እምነት እንቋን ብደሓን መጻእኩም!   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ቅዱስነቶም ብቅዱስ ቶማስ ሓዋርያ ኣማላድነት  ሓድነትን ምስክርነትን ተማሕጺኖም፡ ቅዱስ ቶማስ ቁስሊ ኢየሱስ ምስ ርኣየ ካብ ዘይምእማን ናብ እምነት ምስግጋሩ ብምትእስሳር፥ “ጐይታ ቁስሉ ምስ ኣርኣዮ ቅዱስ ቶማስ ካብ ዘይምእማን ናብ እምነት በቲ ዝረኣዮ ተሳገረ” ቢሎም፥ እቲ ኣብ ዝተሰቕለን ዝተንስኤን ጐይታ ዘሎና ናይ ሓባር ኣስተንትኖና ናብ ምሉእ ምሕዋይ ናይቲ ዝሓልፈ ቁስልና ይምርሓና፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንኩሉ ርሕቀትን ዘይምርድዳእን ሰገር ‘ጐይታናን ኣምላኽናን’ ክርአ ኣብ ሓደ መሰውኢ ቅዱስ ቁርባን ከነለልዮ ከነምልኾን (ዮሓ. 20,28) መታን” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Sep 2023, 13:09