ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ ክሊንተን መዋሊ ማሕበር፥ ህጻናትን መሓድሮን ምሕላው!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለም ሓቆፍ ተበግሶታት መዋሊ ማሕበር ክሊንተን ናብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ብክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ መደረ ከም ዘስምዑን፥ ቅዱስነቶም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ናይ ሓባር ረብሓ ክደልዩ ዓዲሞም፥ ብፍላይ ክብርን ሰናይን ናይቶም ተቓላዕቲ ህጽናት ኩሉ ግዜ ኣብ ጽንኩር እዋን እውን እንተኾነ ክሕብሐቡ ኣለዎም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 18 መስከረም ሰኑይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለም ሓቆፍ መዋሊ ማሕበር ህጻናትን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ማእከል ገይሮም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ክሊንተን መዋሊ ማሕበር ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዳይ ኣብ ዘካይዶ ተበግሶታት ንቕድሚት ክብልን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ኣበርክቶ ምግባርን ንሓደ’ኳ ድሕሪ ዘይምሕዳግን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፥ ናይ ሎሚ ዓለም ብድሆታቱ ንምፍታሕ ናይ ሓባር ሓላፍነት ኣገዳስነቱ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፥ ናይ ምርኻብን ዘተን ባህሊ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ እዚ ድማ ነቶም ኣዚዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣባላት ሕብረተሰብ ብፍላይ ንህጻንት እናሓሰቡ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ንሓደ`ኳ ድሕሪት ዘይምሕዳግ
ቅዱስነቶም ዝኾነ ይኹን ሰብ ድሕሪት ከይሕደግ ብፍላይ ድማ ተቓላዕቲ ሕጻናት ቢሎም፥ ወዲ ሰብ ካብዞም ብድሆታት ብሓባር ወይ ሓይሉ ከወጽእ ወይ ከኣ ዓለም ሓቆፋዊ ዘይምግዳስ እዩ ዝህልው ምስ በሉ፥ ቀጺሎም ነበር ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቢል ክሊንተን፥ ከም ለውጢ ከባቢ ኣየር ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ስግኣት ኲናትን ዝኣመሰሉ ተኣፋፍያን ጉዳያት ኣፍልጦ ብምሃብን ነዚ ኩሉ ጸገም ኣብ ምስጋር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣበርክቶኡ ንኢዶም ንኩሉ ሰብ ናብ ውልቃዊ ምላውጥን ኩላትና ተሟራኾስቲ ምዃንና ንምርዳእ ክንጽዕር ዓዲሞም፡ ዝኾነ ብድሆ በይንና ክንስግሮ ዝከኣል ኣይኮነን “በይኑ ዝኾነ ሰብ የሎም” እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።
ኣይፋል ንወግእ
ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣብ ግምት ብምእታው፥ ብስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብን ብዘተን ብምጉስጓስ ኩሉ ሰብ ኩናት ክነጽግ ኣተሓሳሲቦም፥ “መገዲ ሰላም፡ ንሕውነት ዝኸውን ለውጢ ክነዕወት እዋኑ እዩ። ኣጽዋር ደው ክብል ናብ ዘተ ንኸነብል ናብ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ክንምለስ ግዚኡ እዩ።” . . . ደጋጊሞም ኣይፋል ንውግእ! ዝብል ቃል ብምስማዕ፥ ”ገና ግዜ እንኮለና” ነቲ ምህዳራዊ ዕንወት ደው ንምባል ብሓባር ክንሰርሕ ዝተጸዋዕና ኢና” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍሉይ ቤት ሕክምና
ብድሕሪ እዚ ቅዱስነቶም ኣብ ከባቢ ቫቲካን ዝርከብ ዓቢይ ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ዘሕጻነ ኢየሱስ ዝህቦ ኣገልግሎት ኣጉሊሖም እቲ ትካል ዝድነቕ ዘካይዶ ስነ ፍልጠታዊ ስነ ሕክምናዊ ምርምርን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት መድሃኒት ብዘይተረኽቦ ሕማም ንዝተጠቕዑ እናምጸአ ዝህቦ ኣገልግሎት ሕክምናን ተወፋይነቱን ኣስሚሮም፥ ንድኻታት ሃገራት ኣብ ክንክን ጥዕናን ብፍላይ ኣብ ክንክን ጥዕና ህጻናት ዝህቦ ኣበርክቶ እውን ኣድኒቖም፥ ስነ ፍልጠታዊ ምርምርን ኣጋይሽ ምቕባልን ኣብ ከምዚ ዝበለ ልዑል ደረጃ ብሓባር ነዚ ክብርታት ኣጣሚሩ ዘሳልጦ ሰናይ ተግባር ኣስተብሂሎም፥ እቲ ቤት ሕክምና ዋላ’ኳ ንዅሎም ሕጻናት ክፍውስ እንተዘይከኣለ ብዝተኻእለ መጠን ንብዙሓት ህጻናት ንምሕብሓብ ብዘካይዶ ጻዕሪ ዝልለ እዩ፥ ሕውነትን ሓልዮትን ፍቕርን ንዝብሉ ክብርታት ክረጋገጹን ዘለዎም ብርቱዕ ድላይ ድማ ገሊጾም፡ ኩሉ ሰብ መገዲ ሰላምን ለውጥን ሕውነትን ክስዕብ ዓዲሞም፥ ህጻናትን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ክሕሎን ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።