ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ማርሲሊይ ነቒሎም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፈረንሳ ከተማ ማርሲሊያ ዕለት 22 መስከረም ሰዓት 14.45 ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ነቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ንዘሰንይዎም ናይ ዝተፈላለያ ናይ ውሽጥን ወጻእን ማዕከናት ዜና ልኡካን ሰላምታን ምስጋንን ኣቕሪቦም፥ “ክብሎም ከቕርቦን ዝደሊ ሓሳብ ናይ ምቕራቡ ትብዓት ክህልወኒ ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ነቶም ኣብዚ መበል 44 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ማርሲሊያ ንዘስንይዎም ኣብታ ዝጓዓዙላ ነፋሪት ንዝሓበሩ ልኡካን ጋዜጠይናታት ሰላምታ ኣቕሪቦም፥ ናይዚ ጉዕዞ ምኽንያት ድማ ኣብ መዛዘሚ “ዋዕላ ማእከላይ ባሕሪ” መደረ ንኸስምዑን ህዝብን ሃገራትን ኣብ ሕውነትን ምቅብባልን ምትሕልላይን ምትብባዕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ናይ ክልተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደት
ቅዱስነቶም ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ነቶም ጋዜጠይናታት “ኣብ እተካይድዎ ዕዮ ኣሳልጦን ከምኡ እውን ሰናይ ሓበሬታን እተቕርቡ ክትኮኑ ተስፋ እገብር - ቢሎም - እቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ሓጺር ናይ ክልተ መዓልቲ ጉዕዞ እውን እንተኾነ ኣብታ ንመዲትራኒያን ማዕጾን መስኮትን ዝኾነት ከተማ ዝካየድ ብምዃኑ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡” እንክብሉ ኣመልኪቶም፥ “ኣብዛ ከተማ እዚኣ ድማ ኩሉ ክብሎ ዝደሊ ከመሓላፎ ትብዓት ክህልወኒ ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሕውነት ምድንፋዕ
ፍራንቸስኮ ነዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ዘካይድዎ ዘለዉ ካብ መላእ ማእከላይ ባሕሪ ዝመጹ ጳጳሳትን መንእሰያትን ከንቲባታትን ካብ ዕለት 17 – 24 መስከረም 2023 ዓ.ም. ኣብ ዘካይድዎ ዓውደ ኣኼባ መዛዘሚ ክርከቡን መደረ ከምስዑን ከምኡ እውን ንኹሎም ዘሳተፈ መሳዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ከም ዝኾኑን፥ ሕውነት ንምድንፋዕ ዕድል እውን ምዃኑ ቅድም ክብል ገሊጾምን ምስጋና ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩን የዘኻኽር።