ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ኲናት ደው ንምባል ካብ ዝሕንጸጽ ሜላ ንላዕሊ ትብዓት ሰላም የድሊ ፍራንቸስኮ፥ ኲናት ደው ንምባል ካብ ዝሕንጸጽ ሜላ ንላዕሊ ትብዓት ሰላም የድሊ 

ፍራንቸስኮ፥ ኲናት ደው ንምባል ካብ ዝሕንጸጽ ሜላ ንላዕሊ ትብዓት ሰላም የድሊ

እቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ክሳብ ዩክሬይንን ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕክሕ መዕለቢ ዘይብሉ ኲናት ሞትን መጉዳእትን ቃንዛን ስደትን ዕንወትን የስዕብ

ናብቲ ኣብ በርሊን ዝዛዘም ብቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ዝተሰናደወ ኣህጉራዊ ጉባኤ ጸሎት ምእንቲ ሰላም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሰላም ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ዋላ ከቢድ እንተኾነ ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን። ዕጫ ዓለም ኣብ ኢዶም ዝሓሱ ሰባት፡ ስቓይን ትርጉም ኣልቦ ግርጭታትን “ማእዝኑ ክቕይሩ” ትብዓት ክህልዎም ይግባእ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብዛ ኩሉ ነገራት ብህጹጽ ንቕድሚት ኣብ ዝስጉመላ ዓለም፥ ውግእ ደው ንምባል ዝግበር ጻዕሪ ጥራሕ እዩ ዝሕቱል ኮይኑ ዝርከብ” እዚ ብሓቂ ስግንጢር እዩ። ናይ ታሪኽ ስግንጢር እውን እዩ። ምፍራስ መንደቕ በርሊን፡ “ኣክንዲ ፈላላይ መናድቕ ናብ ምፍራስ ዘሰንይ፡ ብካልኦት ዝሕነጹ ፈላላይ መናድቕ ይትካእ ኣሎ፡” ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ውግእ “ናይ ሓባር ተስፋ” ምሕናጽ “ኣብ ፍሉይ ረብሓታትን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘይምትእምማንን” ንምትኳር ተመርጸ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፥ ንህልዉን ሕሉፍን ብድሆታት ንምፍታሕ “ዘይከኣል ኣብ ዝመስል ሕውነት ምእማንን ብትብዓት ምእንቲ ሰላም ንስራሕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካ ይሕብር።

ብዙሕ ውግእ ዝረኣየላ ዓለም

ቅዱስነቶም ናብቲ ዕለት 12 መስከረም ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ናብ ዝተዛዘመ ብማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዝተበገሰ ኣህጉራዊ ጉባኤ ጸሎት ምእንቲ ሰላም፥ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብዛዕባ እቲ ወዲ ሰብ ካብ ዕለት 9 ሕዳር 1989 ዓ.ም. ጀሚሩ ምስ ምፍራስ መንደቕ በርሊን እቲ መንደቕ ንኤውሮጳ “ንሓድሽ ኣረኣእያን” ናጽነትን ሰላምን ማዕጾ ዘርሃወ ይመስል ከም ዝነበረ ገሊጾም፥ እቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ክሳብ ዩክሬይንን ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕክሕ መዕለቢ ዘይብሉ ኲናት ሞትን መጉዳእትን ቃንዛን ስደትን ዕንወትን የስዕብ” ኣሎ።

ናይ ትብዓት እዋን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ዝጀመረሉ በሪ ብራንደቡርጎ ብተምሳል ተኣኪቦም ንዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ዓለም እናሓሰቡ “ንዘስካሕክሕ ኩነታት ኢድና ክንህብ ኣይግባእን” ቢሎም፥ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ብማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ ተዳልዩ ዝተኻየደ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መራሕቲ ጉባኤ ጸሎት መእንቲ ሰላም ምልስ ቢሎም ብምዝካር፥ ነፍሲ ወከፍ ግጭት ኣዴታትን ስደተይናታትን ኣብ ውግእ ዝሞቱን ዝጭድርዎ ኣውያት ሰላም ንምስማዕ ዝጽውዕ ምዃኑ፥ እዚ ኣውያት ሰላም እዚ ክስማዕ ዘለዎ “ቅዱስ መሰል ኩሉ” እዩ። ክውንነት እኹል ኣይኮነ ፖለቲካዊ ቆላሕታ እኹል ኣይኮነን፡ ክሳብ ሕጂ ዝተገብሩ ሜላታት እኹል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኲናት ክቕጽል ይርአ ስለ ዘሎ።  ምእንቲ እዚ ናይ ሰላም ትብዓት የድልየና . . . ዋላ’ኳ ዕንቅፋታትን ዕላማዊ ጸገማትን እንተሃለወ ከመይ ጌርና ለውጢ ከም እነምጽእ ክንፈልጥ ትብዓት የድልየና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኪኖ እቲ ዘይከኣል ዝመስል መንደቕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካቶሊካውያን ምእመናን ምስቶም ናይ ዝተፈላለያ ካልኦት ሃይማኖታት ኣሕዋቶም ኣሓቶምን ብምትሕብባር ለመንቲ ሰላም ምዃን ከየሕርፎምን ከየፍርሖምን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ከምኡ እውን ፖለቲከይናታትን ናይ ስነ ሜላዊ ክርባት ኣካላት ኩሎም “ኪኖ እቲ ዘይሕከኽ ዝመስል ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ኣቑሳልን ቃንዛን ዝተሃንጹ ዘይከኣል ዝመስል መንደቕ ከብሉ” ተማሕጺኖም ኩሉ መናድቕ ንስገሮ ቃንዛ ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ንስማዕ፡ ኣብቲ “ኲናት ከብቕዕ ዝካየድ ጉባኤ ጸሎት፡ ምሳኹም እሓብር ምእንቲ ሰላም ስለ ኣተካይድዎ ሰናይ መደባት ድማ ብልቢ አመስግን እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Sep 2023, 15:53