ድለ

ር.ሊ.ጳ. ወርሓ ጥቅምቲ ንምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ዝጽለየሉ ክኸውን ጻውዒት የቕርቡ ር.ሊ.ጳ. ወርሓ ጥቅምቲ ንምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ዝጽለየሉ ክኸውን ጻውዒት የቕርቡ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ወርሓ ጥቅምቲ ንምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ዝጽለየሉ ክኸውን ጻውዒት የቕርቡ

“ኣብ ግዜ ስቅያት ኣብነት ኢየሱስ፥ ግዳይ ጸርፍን ወርደትን መከራን ሞትን ኮይኑ ከም ዘይተረፈ ግን ከኣ ሓቂ ንምዝራብ ንህዝቢ ናብኡ ንምቕራብ ዝነበሮ ትብዓት ብምዝካር ተስፋ ከይቆርጹ”

ዕለት 6 መስከረም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ኣብ ሮማ ተኣኪቦም ምስ ዘለዉ ኣብ ዩክረይን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስልቲያን ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዩክረይን ንምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ዝጽለየሉ ወርሒ ክኸውን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዩክሬይን “ዝያዳ ጸሎትን ምልዋጥን ምቁራጽ ግጭትን ከም ዘድሊ” እቶም ኣብ ሮማ ንዓመታዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝተኣከቡ ጳጳሳት ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 6 መስከረም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ንዘቕረብዎ ሓሳብ መሰረት ዝገበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ወርሒ ጥቅምቲ ብፍላይ ኣብ ኩለን መካነ ንግደት ማርያም፡ ኣብ ዩክረይን ንምእንቲ ሰላምን ዕርቅን መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎትን ክዓርግ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ስለዚ ወርሓ ጥቅምቲ ነዚ ሓሳብ እዚ ክውፈ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅርበትን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ንኡክሬይን ሰማእት ሃገር እንክብሉ ገሊጾም፥ እቲ ዘጋጥም ዘሎን ዝርአ ዘሎን መዓት ቃላት ዘይገልጾ ምዃኑን ዘሕድረሎም ዘሎ መሪር ሓዘን ገሊጾም፥ . . . ሓሳባቶም ብፍላይ ናብ ሕጻናት ዩክሬይን ገይሮም፥ ውግእን ግጭትን ካብ ወጅህታቶም ፍሽታ ዝሓክኽ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ህይወቶም ዘይበርስ ስምብራት ሓድጉ ዝሓልፍ “ናይቲ ኩሉ ከጥፍእ ዝደሊ ዲያብሎስ” እከይ ተግባር እዩ ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

መገዲ ኢየሱስ ምስዓብ

ኣብ መደምደምታ እቲ ካብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለጺ፥ “ኣብ ግዜ ስቅያት ኣብነት ኢየሱስ፥ ግዳይ ጸርፍን ወርደትን መከራን ሞትን ኮይኑ ከም ዘይተረፈ ግን ከኣ ሓቂ ንምዝራብ ንህዝቢ ናብኡ ንምቕራብ ዝነበሮ ትብዓት ብምዝካር ተስፋ ከይቆርጹ” ቅዱሰንቶም ተላብዮም፡ “እዚ ቀሊል ኣይኮነን” እንተኾነ ግን እዚ ቅድስና እዩ፡ ህዝቢ ድማ በዚ ኢየሱስ ዝመሃረና መገዲ ቅዱሳንን መምሃራንን ክንከውን ይደልየና እዩ” ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፥ ቅዱስነቶም፥ መዓልታዊ ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ኣብ ዘቕረብው ጸሎት፥ ዩክረይን ዝክርቲ ምዃና ከም ዘረጋገጹሎም ይሕብር።

07 Sep 2023, 16:07