ር. ሊ. ጳ.፡- ቅዱስ ዳኔል ኮምቦኒ ብቅንአት ተልእኾ ስብከተ ወንጌል አፍሪቃ ዝመልአ ሓዋርያ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ክቡራትን ክቡራንን ተኸታተልትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ አስተምህሮ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ ነቕርበልኩም።
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ሓዲርኩም!
አብዚ ብዛዕባ ቅንአት ስብከተ ወንጌል እንገብሮ ዘሎና ጕዕዞ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ሎሚ እምበአር ኣብ ምስክርነት ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒ ከነስተንትን ኢና ። አብ ኣፍሪቃ ወንጌል ንምስባኽ ብሓዋርያዊ ብቕንኣት እተመልአ እዩ ዝነበረ ። ብዛዕባ ሕዝቢ አፍሪቃ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ - "ነቲ ምእንትአቶም ንብሕቶምን ዚነብር ልበይ ብዅለንትናኡ ወሪሶምዎ እዮም።" (ጽሑፋት 941)። "ክሳብ መወዳእታ ትንፋሰይ ምስ ኣፍሪቃ ክመውት እየ" (ጽሑፋት 1441)። ናብ ሕዝቢ አፍሪቃ አብ ዝጽሓፎ ድማ "ካብ መዓልትታተይሲ እቲ ዘሓጉሰኒ ዕለት ህይወተይ ምእንታኹም አሕሊፈ ክህብ ከሎኹ ኢዩ" ክብል ድማ ጸሓፈሎም። (ጽሑፋት 3159)። እዚ መግለጺ እዚ ናይቲ ንኣምላኽን ነቶም ኣብ ተልእኾኡ ዘገልግሎም ዝነበረ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘፍቅር ሰብ ኢዩ፣ ከምኡ ውን እቲ ነዞም ኣሕዋት እዚኣቶም "ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ምእንታኦም ተሰቅዩን ሞይቱን" ከም ምዃኑ ካብ ምዝኽኻሮም ፈጺሙ ዘይደክም ዝነበረ ዝበሎን ዝጸሓፎን ኢዩ። (ጽሑፋት 2499 ፣ 4801) ።
ንሱ ነዚ ነገራት እዚ ኣብቲ ራዕዲ ባርነት ሰፊኑሉ ዝነበረ ቦታን ኩነታትን ኮይኑ ዝመስከሮ ። ባርነት ዋጋ ክብርን ወድሰብ ናብ “ሓደ ግዑዝ” ዝኾነ ነገር ብምውራድ ንጥቅሚ ሓደ ሰብ ወይ ንሓደ ነገር ከም ዝውዕል ዝገብር ኢዩ ። እንተዀነ ግን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሰብ ዝኾነ አምላኽ ንኽብሪ ነፍስወከፍ ወድሰብ ክብ ኣበሎ፣ ባርነት ሓሶት ከም ምዃኑ ድማ ኣቃልዖ። ብብርሃን ክርስቶስ ተመሪሑ ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒ ብዛዕባ ክፍአት ባርነት ንቅሓት ነበሮ ። ኣብ ርእሲ እዚውን ማሕበራዊ ባርነት ኣብቲ ጐይታ ካባኡ ሓራ ዝገበረና ከቢድ ዝኾነ ባርነት ማለት አብቲ ናይ ልቢ ባርነት ዝኾነ አብ ሓጢኣት እተመስረተ ምዃኑ ተረዲእዎ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ክርስትያን ከም ምዃንና መጠን አንጻር ኵሉ ዓይነታት ባርነት ክንቃለስ ኢና ተጸዊዕና ። እቲ ዜሕዝን ግን ባርነት ልክዕ ከም መግዛእቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ኢልና እንሓልፎ ኩነት አይኮነን። ኣብታ ኮምቦኒ ኣዝዩ ዝፍቅራ ዝነበረ ኣፍሪቃ ባርነት ሎሚ ውን እንተኾነ ብብዙሕ ግጭታት አስፋሕፊሑ ይርከብ አሎ "ፖለቲካዊ ምዝመዛ ናብቲ ንሰባት ባሮት ዝገብር "ቝጠባዊ መግዛእቲ" አእትይዎም ይርከብ አሎ። (...) እተን ብቝጠባዊ መዳይ ዝዓበያን ዝሰልጠናን ዓለማት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣዒንታን ኣእዛናን ኣፋኣን እትዓጽወሉ ዘሕዝን ፍጻመ ኢዩ።" ስለዚ ሎሚውን ነቲ "ኣፍሪቃ ክትማመዝ ዘለዋ ማዕከት ማዕድናት አይኮነትን ወይ ውን ኪዝመት ዘለዎ መሬት ኣይኰነትን፣ ንኣፍሪቃ አይትዓምጽዋ" ዚብል ምሕጽንታይ የሓድሶ ኣለኹ። (ምስ ሰበ-ስልጣን ኪንሸሳ 31 ጥሪ 2023 ምርኻብ)
ናብ ህይወት ቅዱስ ዳንኤል እስከ ንመለስ። ኣብ መጀመርያ አብ ኣፍሪቃ ንገለ ግዜ ድሕሪ ምጽንሑ ብምኽንያት ጥዕና ኻብቲ ስፍራ ተልእኾኡ ኺወጽእ ተገዲዱ ። ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ዅነታት እኹል አፍልጦ ስለ ዘይነበሮም ብሰኪ ሕማም ዓሶ ሞይቶም ኢዩም። ስለዚ ገለ ካብአቶም ንኣፍሪቃ ጠንጢኖምዋ እኳ እንተ ኸዱ ኮምቦኒ ግን ከምኡ ኣይገበረትን ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን መመያ ምስ ገበረ ጐይታ ብሓድሽ መገዲ ንስብከተ ወንጌል ከም ዘነቓቕሖ ዘሎ ኰይኑ ምስ ተሰምዖ "ንኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ምድሓን" (ጽሑፋት 2741s) ብዝብል ቃላት ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጽዎ። እዚ ድማ ነቲ ወንጌላዊ ተልእኾኡ ንምሕዳስን ዳግም ንምሕናጽን ሓያል ግልጸት ኮይንዎ ኢዩ፣ እቶም ወንጌል ዝስበኸሎም ዘሎ ሰባት "ተገልገልቲ" ጥራይ ዘይኰኑስ "አገልግልቲ" አካላት ናይቲ ስብከተ ወንጌል እዮም ኢዮም ኢሉ ስለ ዝኣመነ። ቅዱስ ዳንኤል ንዅሎም ክርስትያ ኣብ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ከም ዝሳተፉ ክገብሮም ደለየ ። በዚ መንፈስ እዚ ኸኣ ንሓሳባቱን ተግባራቱን ብምውህሃድ ነቶም ደቀባት ካህናት ብምስታፍን ካብ ምእመናን ከም መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ ብምትእትታውን ነቲ ኣገልግሎት ከደንፍዖ ክኢሉ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ሰብ ሞያ ስነ-ጥበባውያን ብምዅስኳስ፡ ተራ ስድራቤት ብምድንፋዕን ግደ ደቂ አንስትዮ ብሕያልን ኣብ ባህልን ሕብረተሰብን ለውጢ ንምግባር ክሰርሕ ጀመረ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ ደጋዊ ጓና ዝኾነ ሞደል ኣብ ክንዲ ምትካል ወይ ውን ኣብ ሓደ መኻንነት ዝኾነ ውሕስነት ኣብ ክንዲ ዝድረት፣ ንእምነትን ንዕቤት ሰብኣዊ ስልጣነን ንምዕያይ ኣብ ቦታታት ስብከተ ወንጌል ከምዚ ዝመስለ ምምሕያሽ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!
ይኹን እምበር እቲ ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒ ዝነበሮ ዓብዪ ሓዋርያዊ ቅንአት ብቐዳምነት ፍረ ናይ ጻዕርታት ወድሰብ አይኮነን ዝነበረ። ብትብዓቱ ወይ ከአ ብኸም ሓርነትን ፍትሕን ሰላምን ዝኣመሰለ ኣገዳስቲ ማሕበረሰብአዊ ስርዓታት ተደሪኹ ዝገብሮ ዝነበረ ውን አይኮነን ። እዚ ሓዋርያዊ ቅንኣቱ ኻብቲ ዝነበበሮ ሓጐስ ወንጌል እዩ መጺኡ፣ እዚ ኸኣ ካብ ፍቐሪ ክርስቶስ ዝመጸ እንክኸውን ናብ ፍቕሪ ክርስቶስ ውን ዝመርሕ ኢዩ! ቅዱስ ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ - "ከምዚ ዝኣመሰለ ኣድካምን ጻዕሪ ዝበዝሖን ተልእኾና በቶም ንጥዕናኦምን ንድሕነት ነፍሳትን ዘይግደሱ፣ ብርእሰ ፍትወት ዝማህመኑ ሰብ ቄናን ክሳድ ማለት በቶም ርእሰኦም ዘይመነኑ ሰባት ክንበርን ክዕየን ዘይከአል ኢዩ።" ወሲኹ ድማ "በቲ ካብ ኣምላኽን ካብ ፍቕሪ ክርስቶስን ዝምንጩ ፍቕሪን ልግስን ከተቀጻጽሎም ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይ ሓደ ሰብ ንክርስቶስ ብሓቂ ምስ ዘፍቅር ስቓይን መከራን ሰማእትነትን ጥዑም ጥዑም ኢዩ ዝጥዕሞ" (ጽሑፋት 6656) ትጉሃትን ሕጉሳትን ውፉያትን ልኡኻትን ልኡካንን ወንጌል ክርኢ ይምነ ስለዝነበረ ከምዚ ክብል ጸሓፈ "ቅዱሳትን ክኢላታትን (...) ቅድሚ ኩሉ ከአ ቅዱሳን ማለት ካብ ሓጢኣትን ንኣምላኽ ካብ ምብዳልን ናጻ ዝኾኑን ትሑታትን፣ እዚ ግን እኹል ኣይኰነን - ነቶም ልኡኻትና ክኢላታትን ሰብ ሞያን ዝገብሮም ፍጹም ፍቕሪ ውን ገዳሲ ኢዩ ።" ስለዚ ንቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒ ምንጪ ናይ ሚስዮናዊ ሓይሊ ፍቕሪ ኢዩ ዝነበረ፣ ብፍላይ ከኣ ነቲ ናይ ኻልኦት ስቓይ ናቱ ብምግባር አብ ኣካላቱ ክሳብ ዝስምዖ ዝገበሮን፣ ከምኡውን ብኸመይ ከም ዘጸናንኦም ብምፍላጥ ከም ሕያዋይ ሳምራዊ ዝዓየሉ ሓይሊ ኢዩ ዝነበረ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ንወንጌላውነት ዝነበሮ ቅንአት ብተነጻል ንበይኑ ንኽሰርሕ አይገበሮን፣ የግዳስ ወትሩ ብሕብረት ኣብ ቤተክርስትያን ምስ ቤተክርስትያንን ኢዩ ዝገበሮ ዝነበረ። "ምእንቲ ድሕነት እዘን ነፍሳት እዚኣተን ሓንቲ ህይወት ጥራይ እያ ዘላትኒ - ነዚ ዕላማ እዚ ዘወፍዩ ሽሕ ሕይወት እንተ ዝህልወኒ።" (ጽሑፋት 2271) ሓደ ህይወት ወይ ሽሕ ህይወት - ብምልእታ ቤተ-ክርስትያን ተልእኾና ንገብር እንተ ደአ ዘይኴንና ኣብዛ ሓጻር ህይወትና ንሕና በይንና እንታዎት ኢና? ዳኒኤል ኮምቦኒ ይሓተና አሎ ሎሚ እቲ አብ ተልእኾና ዘሎና ቅንአት እንታይ ኢዩ? ዘይቤተክርስትያናዊ ከይከውን?
ኣሕዋትን ኣሓትን ቅዱስ ዳንኤል ነቲ ዝጠፍአ ደልዩ ህይወቱ ምእንቲ መጓሰ ዝህቡ ዘወፈዊ፣ ሕያዋይ ጓሳ ዘለዎ ፍቕሪ መስከረ ። ቅንኣቱ አንጻር እዚ አብ ዘመና ዘሎ ንዓይ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ስምዒትን፣ አንጻር አይምልከተንን ኢዩ ዝብል ባህርያትን ዝሰብኽ ነቢያዊ ሓይሊ ኢዩ ። ኣብ መልእኽትታቱ ነታ ንነዊሕ እዋን ንኣፍሪቃ ዝረስዐት ፍቕርቲ ቤተ-ክርስትያኑ ብዕቱብ ጻውዒቱ አቕረበ። ሕልሚ ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒ ቤተክርስትያን ምስቶም ብታሪኽ እተሳቐዩን እተሰቕሉን ደቅሰባት ብምስቓያ፣ ምስኣቶም ድማ አብ ትንሳኤ ክትሳተፍ ትኽእል ኢያ ዝብል ኢዩ ነይሩ። ምስክርነት ቅዱስ ዳኒኤል ኮምኮኒ ንዅላትና ማለት ንሰብኡትን ኣንስትን ቤተ-ክርስትያን ሎሚ ውን ደጋጊሙ ዝብለና ዘሎ እዚ ኢዩ "ንድኻታት አይትረስዕዎም - አፍቅርዎም፣ ከመይ እቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ኣብአቶም ስለዘሎ፣ ዳግም ክትንስእ ውን ኣብአቶም ኮይኑ ይጽበ አሎ።"