ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ 'ኣብ ማእከል ክፍለ ዓለም እስያ በጺሐ፣ ሰናይ ውን ኮይኑለይ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም አብቲ ጉባኤ ንዝተረኽቡ ምእመናን ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሞንጎልያ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት እንከዘንትዉ 'ናብ ልቢ ክፍለ ዓለም እስያ ገይሸ ነይረ፣ ኩሉ ውን ሠናይ ኮይኖለይ' ክብሉ መስከሩ፣ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎን ዚብህግዎን 'ተራ ልቢ' ዘለዎም ብኸመይ ከም ዚደልዮም ድማ አስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ
“ኣብ ማእከል ልቢ እስያ እየ ነይረ ኩሉ ውን ሰናይ ኮይኑለይ" ቢሎም ምስ መስከሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ አብዚ ቀረባ እዋን ናብ ሞንጎልያ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዚ ዝስዕብ ሓጺር ጸብጻብ አቕሪቦም፣ እዚ ኸአ ነቲ አብ ወጻኢ ሃገር ዝገበርዎ መበል 43 ሓዋርያዊ መገሻኦም፣ ናብታ ካብ ዝበጽሕወን ሃገራት መበል 61 ሃገር ዝኾነት ሃገረ መንጎልያ፣ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንመጀመርያ ግዜ ትብጻሕ ዘላ ሃገር ዘመላኽት ኢዩ ነይሩ። ነዚ ድማ ነቶም ነቲ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንምስታፍ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦም ዝነብሩ ምእመናን አካፈልዎም።

ቅዱስ ኣቦና ናብታ ምስ ቻንይናን ሩስያን እትዳወብ ሓንቲ ካብ ሃገራት ክፍለ ዓለም እስያ ዝኾነት አስታት 1,500 ዝዀኑ ካቶሊካውያን ምእመናን ዘለውዋ ሃገረ መንጎልያ በጺሖም። እዚ ድማ ናብአቶም ዘለዎም ቅርበት ንምግላጽን፣ ንኸተባብዕዎምን ኣባታዊ ፍቕሮም ንምግላጽን ኢዩ ዝነበረ።

ር. ሊ. ጳ. አብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ር. ሊ. ጳ. አብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ   (REUTERS)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ቅዱስነቶም ነቶም ኩሎም ብጸሎቶም ዘሰነይዎም ምስጋና አቕረቡሎም፣ ከምኡ ውን ነቶም ሓንጐፋይ ኢሎም ዝተቐበልዎም ኩሎምን ብፍላይ ከኣ ነቶም "ከምዚ ዝኣመሰለ ለውሃትን ፍቕርን" ዘርኣይዎም "ክቡራትን ጥበበኛታትን" ህዝቢ ሞንጎልያ ምስግናን ሞሳን አቕረብሉሎም።

ቅዱስ አቦና ንመደርኦም ገለ ሰባት ከምዚ ቢሎም ይሓቱ ይኾኖ ክብሉ ይጅምሩ፣ “ስለምንታይ ኢዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንገለ ሒደት ዝኾኑ መጓሰ ምእመናን ክበጽሑ ክንድዚ ዚአክል ርሕቀት ተጓዒዞም ምብጻሕ ዝገብሩ? ይብሉ ይኾኑ። እዚ ከአ “መብዛሕትኡ ግዜ ምልክት ህላዌ አምላኽ፣ ማለት ናይቲ ንደጋዊ ትርኢት ዘይኮነስ ንልቢ ዝርኢ አምላኽ ብልክዕ አባኡ ስለ እንረኽቦ ኢዩ” ብምባል መልሲ ክህቡሉ ተርኽቡ።

ጐይታ ተራ ልቢ ኢዩ ይደሊ
ቅዱስ አቦና ቀጺሎም “ጐይታ ላዕለዋይ መድረኽ አይኮነን ዝደሊ፣ የግዳስ ተራ ልቢ ናይቶም ረአዩለይ ስምዑለይ ከይበሉ ዘፍቅርዎን ዝደልይዎን፣ አብ ልዕሊ ካልኦት ድማ ጸብለል ክብሉ ዘይደልዩ ኢዩ ዝደሊ” ክብሉ አነጸርዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ አብ ሞንጎልያ ዝረኸብዎ ዓቢይ ጸጋ ከም ብሓጐሶም እንክገልጹ፣ ምስ ሓንቲ “ትሕትን ሕጕስትን ቤተ ክርስትያን አብ ልቢ አምላኽ” ንምርኻብ “ንገለ ሒደት መዓልታት አብ ማእከል ቤተክርስቲያን ብምዃኖም ንዝስምዖም ሓጐስ ክምስክር አኽኢሉኒ፣” ክብሉ መስከሩ።

ቅዱስንቶም በዚ ከምዚ ናብታ ናይታ ሃገር ቤተ-ክርስትያን "ልቢ ዝትንክፍ ታሪኽ" አተኵሮም ምደረኦም ቀጸሉ።
"ብጸጋ ኣምላኽ ካብቲ ኣብዚ እዋን እዚ እነስተንትነሉ ዘሎና ሓዋርያዊ ቅንኣት ዝብል ኢዩ ነዚ ክገብር አለዓዒሉኒ ። ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ውን ወንጌል ንምስባኽ ትብዓት ዘለዎም በዚ ሓዋርያዊ ቅንአት ተለዓዒሎም አስታት ሰላሳ ዓመታት ይገብር ብዛዕባ እታ ሃገር ምንም አፍልጦ ዘይብሎም ከይዶም፣ ቋንቋ እታ ሃገር ተማሂሮም ወላ እኳ ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ እኳ እንተዀኑ ብሓቂ ሓድነትን ዘለዋ ሓንቲ ካቶሊካዊት ማሕበር አቒሞም ኢዮም" ክብሉ መስከሩ ።

ር. ሊ. ጳ. አብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ር. ሊ. ጳ. አብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዛ ማሕበር ብካቶሊካውነታ እትገልጽ ማሕበር ጌይሮም ብግላጽ ነኣድዋ፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ጽባቐ ናይቲ ዝነብረሉ ቦታ ዝርድኡን ነቶም መናብርቶም ዝኾኑ ሕዝቢ ብምግልጋል ዝልለዩ፣ ንካቶሊካውነት ስጋ ዘልበሱ ማሕበር አድማሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም" ክብሉ ጸውዕዎም።

ፍቕሪ ኢየሱስ ብሕያውነት ምምስካር
አስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - "ቤተ-ክርስትያን ንፍቕሪ ኢየሱስ ብሕያውንትን ትሕትናን፣ ብቃላት ዘይኮነስ ብሕጉስ ህይወት ምስ ኵሉ ህያባቱ ብምንባር ማለት ንጐይታን ኣሕዋታን ኣሓታን ብምግልጋል እያ እትምስከር፣" ክብሉ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓንቲ ሓዳስ ውልዶ ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ከም እትምስረት እንክገልጹ፣ ብንቅሓተ ግብረ-ሰናይ ኢዩ ድሕሪ ምባል፣ እዚ ድማ እቲ ዝበለጸ ምስክርነት እምነት ኢዩ በሉ። ቅዱስነቶም ነታ 'ቤት ምሕረት' እተሰምየት ናይ አገልግሎት ግብረ ሰናይ ማእከል ዝኾነት ቤት ብምብራኾምን ብምምራቖምን ዝተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም ። እዚ ናይ መጀመርታ ናይ ግብረ-ሰናይ ቤተ-ዕዮ ኣብ ሞንጎልያ ዝተመስረተ ከም መግለጺ ዅሉ አስተዋጽኦታት ናይታ አብቲ ቦታ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ኰይኑ ይርከብ አሎ በሉ።

እዛ ቤት እዚኣ "ንነፍሲ ወከፍ አባል ማሕበረሰብና ቤት ምሕረት ማለት ጸበባ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዘይ ሕፍረት ምስቲ ዜልዕሎን ዜሕውዮን ምሕረት ኣምላኽ ኪራኸብ ዝኽእለሉ ግልጽን ባህ ዜብልን ቦታ" ኽትከውን ከም እትጸውዐት ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነታ ብወንጌላዊ ተልእኾአ እትልለ ቤተ-ክርስትያን ሞንጎልያ ድሕሪ ምንአዶም፣ ነቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለተ 3 መስከረም ኣብ ርእሲ ከተማ ሞንጎልያ ኡላንባታር ኣብ ዝርከብ ሃን ዝስመ ናይ ምርኢት አዳራጽ እተገብረ ተወከልቲ ናይ ዝተፈላለዪ አብያተክርስቲያናትን፣ ናይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን እተሰሳተፍዎ ኣኼባ ድማ ዘኪሮም።

ር. ሊ. ጳ. አብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ር. ሊ. ጳ. አብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ   (Vatican Media)

ትርጕም ዘለዎ ምብጻሕ ናብ ሞንጎልያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብ ማእከል እስያ እየ ነይረ ፣ ኩሉ ውን ሰናይ ኮይኑለይ" ምስ በሉ ። "ምስቶም መበቈሎምን ልምድታቶምን ኣኽቢሮም ዝነብሩ፣ ንሽማግለታት ዜኽብሩ ከምኡውን ምስ ኣከባቢያዊ ተፈጥሮ ተሰማሚዖም ዚነብሩ ህዝቢ ሞንጎልያ ምርኻበይ ብሓቂ ጽብቕ እዩ ነይሩ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ናብ ሰማይ ዚጥምቱን ናይ ተፈጥሮ ባህርይን እስትንፋስን ዝርድኦም ህዝቢ እዮም።" ክብሉ መስከሩሎም።

አብ መደምደታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ሞንጎልያ ዘሎ ደረት ዘይብሉን ጸጥታ ዝሰፈኖን ሰፊሕ ቦታ ብምዝካር፣ ንኹሎም እቶም ተጋባእቲ ምሳኦም ሓቢሮም "ደረት ጠመተና ንምስፋሕ ኣብ ካልኦት ጽቡቕ ነገር ንምርኣይ ከምኡውን ኣረኣእያና ንምስፋሕ" ክዓዩ ጻውዒቶም አቕረቡሎም።

ር. ሊ. ጳ. አብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ር. ሊ. ጳ. አብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ   (REUTERS)
06 Sep 2023, 13:29