ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ንሆሴ ግሬጎርዮ ሄርናንደዝ 'ናይ ድኻታት ሓኪም' ክብሉ ይንእድዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሳዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቬንዝዌላ ዘይርሳዕ ውርሻ ንዝገደፈ ብጹእ ሆሴ ግሬጎርዮ ሄርናንደዝ፣ ናይቲ 'ሓኪም ድኻታት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ህይወት ቅድስናኡ ብምድናቕ፣ “ሓዋርያዊ ቅንአት” ብዝብል ብተኸታታሊ አርእስቲ ዝገብርዎ ዘለዉ አስተምህሮታት፣ አብ ናይ ሎሚ ሮቡዕ ዕልት 13 መስከረም 2023 አብ ዝገበርዎ አስተምህሮ ከም ዝቀጸልዎ ዜና ቫቲካን አመልኪቱ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ 'ሓኪም ድኻታት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ብጹእ ሆሴ ግሬጎርዮ ሄርናንደዝ ሲስነሮስ በቲ ቕዱስን አብነታውን ህይወቱ ገይሩ ሎሚ ውን ንሓዋርያዊ ቅንአት ከነቓቕሓና ይርከብ አሎ ይብሉ ቅዱስነቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 13 መስከረም 2023 ንግሆ፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እተገብረ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሳዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ታሪኽ ህይወት እዚ ቨነዝወላዊ ብጹዕ ብምስትንታን ናይቶም አባላት ቤተርስትያን ዝኾኑ ሓዋርያዊ ቅንአት ዘንጸባረቑ ቅዱሳን ሰባት ዝገልጽ ተኸታታሊ ምድቡ አስተምህሮኦም ክቕጽሉ ተረኽቡ።

ቅዱስነቶም ብ2021 ብጽዕና ሄርናንደዝ ዝአወጁ ባዕሎም እንክኾኑ፣ አብ አስተምህሮኦም ናይቲ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክብል ጥቕሚ ገዛእ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ አሕሊፉ ዝሃበ ቨነዝወላዊ ሓኪም ተራ ምእመን ይዝክሩ ። አብ አዋጅ ቅድስና ንኽበጽሕ ካልእ ተኣምር ዜድሊ እኳ እንተ ዀነ፣ ቨነዝወላውያን አባኡ ዘልዎም ብርቱዕ መንፈሳውነት ብፍላይ ከአ ምእንቲ ፈውስን ህውየትን ዘለዎም ዓሚቝ መንፈሳውንት ክዓግቶ አይከአለን ።

'ዶክተር ድኻታት'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ አስተምህሮኦም፣ እዚ ብጹዕ እዚ ብ1864 ከም እተወልደ ድሕሪ ምዝካር፣ ልዕሊ ኹሉ ንእምነት ካብ አዲኡ ከም ዝተማህራ፣ 'ኣደይ ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዛ ውርዝናን ሰናይ ተግባራትን ምሂራትኒ እያ፣ ኣብ ፍልጠት ኣምላኽ ከም ዝዓቢ ገይራትኒ፣ ንፍቕርን ግብረ ሰናይን ከኣ ከም መምርሒ ህይወት ገይራ ሂባትኒ እያ' ብምባል ከም ዝመስከረ ዘከሩ።

ቅዱስነቶም አስዒቦም፣ ኣዴታት ወትሩ በቲ ለዋህ ላህጃአን እምነትን ፍቕርን ክርስቶስ ንደቀን ብኸመይ ከም ዜመሓላልፋ ገለጹ ።

ግብረ - ሰናይ ንመንነት ናይዚ ብጹዕ ሆሴ ግሬጎርዮ ዝመስከረ "ኰዀብ ጽባሕ" ምዃኑ እንክገልጹ፣ ንፉዕን ዝተመስከረሉን ሕጉስን ሰብ ከም ዝነበረን፣ ከምኡ ከአ ሓኪምን ናይ መንበረ ጥበብ መምህርን ተመራማሪ ስነ - ፍልጠትን ከም ዝነበረ መስከሩሉ ።

“ልዕሊ ዅሉ ግና ምስ ድኹማትን መሳኪንን ቅርበት ዝነብሮ ሓኪም ስለ ዝነበረ ኣብ ዓዱ 'ሓኪም ድኻታት' ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ።"

ብዛዕባ ገንዘባዊ ሃብቲ ተገዳስነት ስለ ዘይነበሮ፣ ናብቲ ሃብቲ ወንጌል አቢል ወትሩ የቋምት ከም ዝነበረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መስከሩሉ ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ሆሴ ግሬጎርዮ  ኣብ ድኻታትን ሕሙማትን ስደተኛታትን ከምኡ ውን አብቶም ዝሳቐዩ ወትሩ ንኢየሱስ ይርኢ ነበረ። ስለዚ ድማ ነቲ ካብ ዓለም ፈጺሙ ክረኽቦ ዘይደለየ ኣሳልጦን ክብርን ኸኣ ካብቶም 'ናይ ህዝቢ ቅዱስ' ፡ 'ናይ ፍቕሪ ሓዋርያ' 'ናይ ተስፋ ልኡኽ' ኢሎም ዝጽውዕዎ ሰባት ተቐቢልዎ ኢዩ ሕጂውን ይቕበሎ ኣሎ።"

ንንድፊ አምላኽ ቅሩብ ምዃን 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሆሴ ግሬጎርዮ  ትሑትን ሕያዋይን ሓጋዚ ጽጉማት ዝነበረ ሰብኣይ ኢዩ፣ "ንኣምላኽን ንጐረባብትን ንምግልጋል ብርቱዕ ባህጊ ዝነበሮ ብውሽጣዊ ሓዊ እተቃጸለ" ነበረ ይብሉ።

በዚ ውዕዉዕ ስምዒት እዚ ተደሪኹ ናብ ውፉይ ህይወት ክአቱን ካህን ክኸውን ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ጸዓረ፣ ብምኽንያት እተፈላለየ ናይ ጥዕና ጸገማት ግን ክኾነሉ አይከአለን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓልዮት አምላኽ ጽኑዕ እምነት ከም ዝነበሮ ብምግላጽ "እቲ ኣካላዊ ድኽመቱ ግን ናብ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ክዕጾ ኣይመርሖንም፣ የግዳስ ንኻልኦት አብ ዘድልዮም ኩሉ ንምምላእን ብዝያዳ የዋህ ሓኪም ከም ዝኸውን ገበሮ" ክብሉ አስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ሓዋርያዊ ቅንአት ማለት "ንትምኒትን ሓሳብትን ገዛዕ ርእስኻ ምስዓብ ዘይኰነስ ንመደብን ፍቓድን ኣምላኽ ስምዱው ምዃን" ኢዩ በሉ።

ቅዱስነቶ እንክምስክሩ፣ ንሰባት አብ ስቓያቶም ብምግልጋል ነቲ ዝነበሮ ሃረርታ ክህነት ክነብሮ ክኢሉ ይብሉ።

ምስ ኣምላኽ ጥቡቕ ርክብ ምህላው

ቅዱስነቶም አስዒቦም ሆሴ ግሬጎርዮ እዚ ዅሉ ውዕዉዕ ስምዒትን ቅንኣትን ካበይ ረኸቦ ክብሉ ይሓቱ፣ እዚ ድማ ካብቲ   አብ “ጸጋ አማልኽ” ዝነበሮ ምትእምማንን ከምኡውን ካብቲ "ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ጥቡቕ ብሕታዊ ርክብን" ዝረኸቦ ብርታዐ ከም ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ንሱ ናይ ጸሎት ሰብ ኢዩ ነይሩ!" ይብሉ ። "ዕለት ዕለት ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ይሳተፍ ጸሎተ መቍጸርያ ይደግምን ነበረ። ኣብ እዋን መስዋዕተ ቅዳሴ ንዅሉ እቲ ዚነብረሉ ዝነበረ ኩነታትን ሃዋህውን ምስ መስዋዕቲ ክርስቶስ የሕብሮ ነበረ፣ ንኹሉ ማለት ንዝሕክሞም ሕሙማትን፣ ንዝሕግዞም ንድኻታትን፣ ንተመሃሮኡን፣ ነቶም ዘካይዶም ዝነበረ ምርምራትን፣ ንጸገማቱን ግድላቱን፣ ከምኡውን ንኹሉ አብ ልቡ ዝሓስቦ ዘበለ ናብ መንበረ ታቦት የቕርቦ ነበረ።"

'ናይ ሰላም ሓዋርያ'

ቅዱስ ኣቦና  ቀጺሎም እዚ ብጹዕ እዚ ህይወቱ ምእንቲ ሰላም ከወፊ ከም ዝተጸውዐ ይሓስብ ነበረ ክብሉ ይምስክሩ ።

እዚ ብጹዕ እዚ  ንክርስቶስ ካብ ዘለዎ እምነትን ፍቕርን ተላዒሉ አብቲ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበረሉ እዋን፣ ዋላ እውን አብቲ ንሱ ዝነበረሉ ኣህጉር እኳ እንተ ዘይኰነ፣ ኣብ ኣውሮጳ ሰላም ንምርካብ ገዛእ ርእሱ መስዋዕቲ ኽገብር 'ሃዋርያ ሰላም' ክኸውን ይደሊ ነበር።

ብ29 ሰነ 1919 ሓደ ዓርኩ ንሄርናንደዝ ክበጽሖ ምስ ከደ እቲ ውግእ ዘብቅዓሉ ውዕል ከም ዝተፈራረሙ ምስ አበሰሮ ተሓጐሰ ። ቅዱስነቶም ከም ዝመስከርዎ፣ እዚ ምዕባለ እዚ ምስ ሰምዐ ይብሉ "እቲ ምድራዊ ዕዮኡ ከም እተዛዘመ ዀይኑ ተሰምዖ" በሉ።

ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ብጹዕ ሆሴ ግሬጎርዮ ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስታፉ፣ ንሓደ ዝሓመመ ሰብ መድሃኒት ከብጽሓሉ ናብ ጐደና ወጸ ። ጽርጊያ ክሳገል እንከሎ ብማኪና ተገጭዩ፣ ናብ ሆስፒታል ተወስደ ስም እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እናጸውዐ ድማ ብሞተ ናብ ዘልዓለማዊ ህይወት ተሳገረ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም "ምድራዊ ጕዕዞኡ በዚ ኸምዚ ይዛዘም ኣብ መገዲ ናይ ምሕረት ዕዮ እናዓየየ ከሎ ከምኡውን ኣብ ሆስፒታል አብቲ ዕዮ አምላኽ ዝፍጽመሉ ዝነብረ ቦትኡ ህይወቱ ዛዛእመ" ክብሉ አድነቕዎ።

ገዛዕ ርእስና ንመርምር

ቅዱስ አቦና ነቶም አብቲ ጉባኤ እተረኽቡ ምእመናን፣ ወትሩ ኣብ ቅድሚ እቶም አብ ጐድኖም ዘለዉ ድኻታት ኰይኖም ንኢየሱስ እንታይ ምላሽ ከም ዝህቡሉ ንገዛእ ርእሶም ክሓቱ ኣተባብዕዎም፣ ብጹእ ሆሴ ግሬጎርዮ እውን አብ ቅድሚ እዚ ሎሚ ዘሎ ዓበይቲ ማሕበረሰብአውን ቍጠባውን ፖለቲካውን ጕዳያት ገዛእ ርእስና እንታይ ምላሽ ከም እንህብ ንኽንሓስብ  ዘነቓቕሓና ከም ምዃኑ ገለጹ ።

ቅዱስ ኣቦና ንብጹዕ ሆሴ ግሬጎርዮ፣ ክርስትያን ምእመናን እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም አብነት ዝኸውን ኢዩ እንክብሉ ብምንአድ፣ ናብቶ ሽጉራት አቢሎም ክቐርቡን ሰላም ንምስፍሕፋሕ ክጽእሩን ብምጽዋዕ አስተምህሮኦም ዛዘሙ።

13 Sep 2023, 11:57