ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሞንጎሊያ ኣትዮም
ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሞንጎሊያ ሓዋርያዊ ዑደት መርሕ ቃል፥ "ብሓባር ንምትስፋው" ዝብል እዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞንጎሊያ ርእሰ ከተማ ኡላንባታር ብናይ ሞንጎሊያ ኣቆጻጽራ ሰዓት 10.00 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብምእታዊ ነቲ ዕለት 4 መስከረም ዝዛዘም መበል 43 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ብወግዒ ጀሚሮም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኡላንባታር ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቺንጊስ ካን ምስ ኣተዉ ናይ ሞንጎሊያ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ባትሙንክ ባትሰጸግን ኣብ መንጎሊያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፈርናንዶ ዱኣርተ ባሮስ ራይስን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ረፓብሊካዊት ሞንጎሊያ ልኡከ መንግስቲ ዳቫሱረን ገረልማን ብናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ኣቀባብላ ተገይሩሎም።
ኣብቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተኻየደ ሓጺር ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ ስርዓት፡ ባህላዊ ክዳን ብዝለበሳ ክልተ መንእሰያት ሞንጎሊያ ብናይታ ሃገር ክቡር ዘበዐይና ንኽብሮም ብዘቕረቦ ናይ ክብሪ ሰላምታ ናብቲ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ናብ ዝዓርፍሉ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ህንጻ ከም ዝኸዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
01 Sep 2023, 10:33