ድለ

መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፈረንሳ ከተማ ማርሲሊያ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፈረንሳ ከተማ ማርሲሊያ 

መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፈረንሳ ከተማ ማርሲሊያ

ቅዱስ ኣቦና ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ልዕሊ 50 ሺሕ ምእመናን ክሳተፉ ትጽቢት እውን ይግብር

ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳዊት ከተማ ማርሲሊያ ናይ ክልተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ከም ዝኾኑን ቅዱስነቶም ዓርብን ቀዳምን ኣብ መዛዘሙ ዓውደ ኣኼባ ኣቢያተ ክርስቲያን ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ ክሳተፉን መደረ ከስምዑ ከም ዝኾኑን እዚ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ በቢ ዓመቱ ዝእንገድ ብቤተ ክርስቲያን ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ዝዳለው ኮይኑ፡ እቲ ናይ ለምዘበን ኣብ ማርሲያሊያ ክካየድ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ናይ ለምዘበን ኣብ ማርሲሊያ ዝካየድ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ሃገራት ዓውደ ኣኼባ ካብ 20 – 35 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያትን 70 ካብ ሃገራት ናይ ማእከላይ ባሕሪ ዝተዋጽኡ ካቶሊካውያን ጳጳሳትን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት መራሕቲ ሃይማኖት ዘሳትፍ እዩ።

ናይ ቅዱስነቶም ኣብኡ ምብጻሕ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሕውነት ንምድንፋዕ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ነቶን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰብኣዊ ፍጥረት ንምግልጋል ኣብ ዘለዎም ባህጊ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይ መገዲ ንኽስዕቡ ዘተባብዕ እውም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ማርሲሊያ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ዣን ማርክ ሓደ ካብቲ ፍሉይ ተርእዮ ናይቲ ናይ ቅዱስነቶም መደብ እቲ ኣብ ስታዲዮም ማርሲያሊያ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝኾነ ገሊጾም፡ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ልዕሊ 50 ሺሕ ምእመናን ክሳተፉ ትጽቢት እውን ይግብር ቢሎም፥ ብዙሕነት ዘራኽብ እውን ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ኣብቲ ቅዱስነቶም ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን እውን ክሳተፉ ምዃኖም ክሕበር እንከሎ፡ ንመወዳእታ ግዜ ናብ ማርሲሊያ ኣብ 1533 ዓ.ም. ዝበጽሑ ር.ሊ.ጳ. ቀለመንጦስ ሻብዓይ ከም ዝኾኑን ድሕሪ ሓሙሽተ ዘመናት ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ ከተማ ዝበጽሑ ካልኣይ ር.ሊ.ጳ. ክኾኑ እዮም።

22 Sep 2023, 14:41