ድለ

ካርዲናል ማረንጎ ፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ሞንጎልያ ዝገበርዎ ምብጻሕ ዘርኢ ስኒት ይዘርእ

ኣብ መደምደምታ ሓዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ሞንጎልያ ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅዮ ማረንጎ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ን4 መዓልቲ "ኣብ ማእከል እስያ" ዝገበርዎ ምብጻሕ ዝነበሮም ጦብላሕታ ገለጹ፣ ሓድሽ ዕርክነት ኣብ ምህናጽ ከም እተዓወቱ ድማ አመልከቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምዝዛም ሓዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ሞንጎልያ  ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅዮ ማረንጎ ሓዋርያዊ መስተናብርት ኡላንባታር ዝኾኑ ብምኽኒያት ቅዱስነቶም ናብታ ሃገር ዝገበርዎ ምብጻሕ "ኣብ ማእከል እስያ" ዘስፋሕፍሐ ምኽንያት ዓብዪ ሓጐስ ከም ዝኾኑ መግለጺ ሂቦም።

ካርዲናል ማረንጎ ድሕሪ ምፍናው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሒደት ሰዓታት ጸኒሖም፣ ብሊንዳ ቦርዶኒ ኣብ መንበሪ ገዛ ኣቡን ምስ ዜና ቫቲካን አብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ፣ እቲ ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ህዝቢ ሞንጎልያን ብፍላይ ከኣ ምስ ንእሽቶ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ብምልእታ እታ ሃገር እውን "ሓድሽ ዕርክነት" ንምህናጽ እተገብረ ጕዕዞ "ዜደንቕ ኣበርክቶ"ከም ዝገበረ ዀይኑ ኸም እተሰምዖ ገለጹ ።

ሕቶ - ብጹዕ ካርዲናል ማረንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ናብ ሞንጎልያ ዝገበርዎ ምብጻሕ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እያ ። ብዛዕባ እቲ ጕዕዞ  ዘሎኩም ጦብላሕታን ስምዒትን ከምኡውን ሓሳባትኩም እንተ ተካፍሉና፣ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ እዚ ዑደት ቅዱስ አቦና ዝህቦ ዘሎ ውርሻ ኣሕጽር ኣቢልኩም ክትገልጾልና ዶ ምደለኹም?

ካርዲናል ማረንጎ ፦ እዚ ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት ኵላትና ዝረኸብናዮ ዓብዪ ጸጋ እዩ ። ሓደ ኻብቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልትታት ኣጸቢቕና ኸነስተንትነሉን፣ ናብቲ ዘሕለፍናዮ ዘስተማቐርናዮን ኽንምለስን ዘሎና ዓቢይ ሓጐስ ኢዩ፣ ንሱ ድማ ሓጐስ ወንጌል ኢዩ፣ ቅዱስ ኣቦና አብ ዘስምዕዎ ቃል አምላኽ ምስ እዛ ንኣሽቶይ መጓሰናን ምስ መላእ ህዝቢ ሞንጎልያን ቀረባና ከም ዝኾኑ ኢዩ ተሰሚዑና ።

ቅዱስነቶም ኣብዚ አብ መንጐና ብምርካቦም ዝገበርዎ ከም ተካኢ ንቕዱስ ጴጥሮስ ድማ ኣብ መንጎ እዛ ዓባይ ሃገርን ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ከም ቀድማይ ግንባር እንክኸውን፣ ግን ከኣ ምስ ኵሎም ዝተረፉ ኽፋልታት እታ ሃገርን ምስቶም ካልኦት ኽፋላት እታ ሃገርን ንዝግበር ሓድሽ ዕርክነት ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ ኽብል እኽእል ኢየ ።

ሕቶ - እዞም ህዝቢ ንቅዱስ ኣቦና አብ መንጎእኦም ብምርካቦም ኣዝዮም እተሓጐሱ ኢዮም ዝመስሉ ነይሮም ።

እወ፣ እወ ብሓቂ እኳ ደአ ካብ ሰዓት ናብ ሰዓት እናዓበየ ዚኸይድ ዝነበረ ነገር እዩ ነይሩ ። ቅዱስ አቦና ብመገድታት ኡላንባታር ኪሓልፉ ከለው እቶም ህዝቢ ኣእዳዎም ኬወዛውዙ ኸለዉ ምርኣየይ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት ኣብ መደረኦም ብተደጋጋሚ ዝጠቐስዎ ናይ ሰላምን ሓጐስን ዕርክነትን ዘለዎ መልእኽቲ ሂዞም ከም ዘምጹ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።

ሕቶ. እዛ ሃገር እዚኣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ሕብረትን ምይይጥን ሰላምን ዘለዋ ሃገር ስለ ዝዀነት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ጽቡቕ ተቐባልነት ዝረኸበ ይመስለኒ። ከመይ ዝበለ ዘርኢ ተዘሪኡ ይኸውን ኢልኩም ተስፋ ትገብሩ ?

አብ መንጐና ምርካቦም ከምቲ ዝበልክዎ ህላወ ቅዱስ ኣቦና ንዅላትና ወከልቲ እተፈላለያ ሃይማኖታዊ ባህልታ ዝኾና ምትሕብባር ውህደትን ዘለዎ ኣገዳስነት፣ መንፈሳዊ ስነ-ምግባርን ስርዓታትን ዝርከቦ ሕብረተሰብ ምህናጽ ከምኡውን አብ መንፈስ ምትሕግጋዝ ንምብጻሕ ቅልጡፍ ምርምር ምግባር አገዳሲ ምዃኑን፣ ደቅሰብ ሚዛኑ ዝሓለወ አከያይዳ ክህልዎም ዘዘኻኽረና ኢዩ ዝመስለኒ።

እዚ ድማ ኣብዘን መዓልትታትን ሰዓትን ዝበቘለ ኢዩ ዝመስለኒ፣ ክዕቀብ ኣድላዪ ዝዀነ ዘርኢ ወን ኢዩ ፣ ብዙሕ ፍረ ኽፈሪ ድማ ተስፋ ንገብር ።

ሕቶ - ኣብ መወዳእታ ሓደ ኻብቲ ጦብላሕታ ዝገደፈልኩም ተዘክሮታትኩም ከተካፍሉና ዶ ትደልዩ ?

ኣብ ኣደባባይ ሱኽባታር ምስ ርእሰ ብሄት እዛ ሃገር ኣእዳዎም ተተሓሒዞም ሰላምታ ክለዋወጡ አብ ዝረአኹሉ እዋን ብሓቂ ንዓይ ሽዑ ዝተሰምዓኒ ሓጐስ ክገልጾ አይክእልን ኢየ ።

ብዛዕባ እዚ ንዘመናት ዝጸንሐ ዕርክነትን ምትሕስሳብን ይኹን እምበር ንዘመናት እኳ እንተ ጸንሐ ሕጂ ጥራይ እዩ ክግለጽን ብአካል ክርአን ዝተኻእለ።

ንቅዱስ ኣቦና ነዛ ሃገር እዚኣ ኽበጽሑ ዝመጸሉ ስለ እዚ  ዓብዪ አጋጣሚ ኣዝየ ከመስግኖም እፈቱ ። እኳ ደአ ካልእ ብዙሕ አጋጣሚታት አሎ ኩነት ሓጐስን ደስታን ኮይኑ ዘሕለፍናዮ እብል ።

06 Sep 2023, 08:39