ድለ

2023.09.28 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፖርቱጋል መራሔ መግንስቲ ሳንቶስ ዳል ኮስታ 2023.09.28 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፖርቱጋል መራሔ መግንስቲ ሳንቶስ ዳል ኮስታ  (Vatican Media)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፖርቱጋል መራሔ መግንስቲ ሳንቶስ ዳል ኮስታ

ናይ ረፓብሊካዊት ፖርቱጋል መራሔ መግንስቲ ኣንቶኒዮ ልዊስ ሳንቶስ ዳ ኮስታ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍርናቸስኮ ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ “ኣብ ኣወዳድባ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝተገብረ ኣድማዒ ምትሕብባርን ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ኣብ ፖርቱጋል ዘካየድዎ ምብጻሕ ዝረኸቦ ኣድናቖትን”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 መስከረም 2023 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ፖርቱጋል መራሔ መንግስቲ ኣንቶኒዮ ልዊስ ሳንቶስ ዳ ኮስታ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 መስከረም ንናይ ረፓብሊካዊት ፖርቱጋል መራሔ መንግስቲ ኣንቶንዮ ልዊስ ሳንቶስ ዳ ኮስታ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ወጻኢ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፖርቱጋል መራሔ መግንስቲ ሳንቶስ ዳል ኮስታ
ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፖርቱጋል መራሔ መግንስቲ ሳንቶስ ዳል ኮስታ   (Vatican Media)

መራሔ መንግስቲ ፖርቱጋል ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር

ናይ ረፓብሊካዊት ፖርቱጋል መራሔ መግንስቲ ኣንቶኒዮ ልዊስ ሳንቶስ ዳ ኮስታ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍርናቸስኮ ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ “ኣብ ኣወዳድባ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝተገብረ ኣድማዒ ምትሕብባርን ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ኣብ ፖርቱጋል ዘካየድዎ ምብጻሕ ዝረኸቦ ኣድናቖትን” ከምኡ እውን ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ሕብረተሰብ ፖርቱጋል ኣብዚ እዋን እዚ ማሕበረ ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣብ ገለ ናይ ሓባር ረብሓታትን ርእሰ ጉዳይ ከም እተመያየጡን ኣመላኺቱ፥

ዓለም ሓቆፍን ኣህጉራውን ሃገራውን ጉዳያት

ኣብ ዓለም ኣብ ዝተፍለለዩ ከባቢታት ዝካየዱ ዘለዎ ግጭት ኣብ ኤውሮጳ እቲ ናይ ኡክሬይን ውግእን ኲናት ዝፈጥሮ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታትን ድኽነትን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡን ስዒቡ፥

ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት

ኣብቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተኻየደ ርክብ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከም እተኻየደን፥ ቅዱስነቶም ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ እዋን ተፈናተትን ተወሸብን ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ካብ ለብዒ ኮቪድ - 19 ንኸናግፈና ዘዕረገዎ ጸሎት ብስእሊ ዘርኢ ሰነድ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎምን መራሔ መንግስቲ ፖርቱጋል እውን ብወገኖም ቅዱስነቶም ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝተረኽብሉ እዋን ዘርኢ ክልተ ዓበይቲ ኣሳእል ህያብ ከም ዘቕረብሎም ኣፍሊጡ።

29 Sep 2023, 15:51