ድለ

2018.12.13 Foto di famiglia di Jorge Mario Bergoglio da giovane 2018.12.13 Foto di famiglia di Jorge Mario Bergoglio da giovane 

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፦ መበል 70 ዓመት ዝኽሪ ዕለተ ክህነት ቅዱስ አቦና

ሰብዓ ዓመት ይገብር ብ21 መስከረም 1953 እዞም ሕጂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኰይኖም ዘለዉ ጆርጅ ማሪዮ በርጐልዮ ዝስሙ መንእሰይ ምስ የዕሩኽቱ ቅድሚ ናብ ሓደ መደብ ትልሂት ምኻዱ ምስ ተናዘዘ ፣ ምሕረት አምላኽ ብምስትምቓሩ ኣብ ህይወቱ ወሳኒ ህሞት ኮኖ፤ በዚ ኸምዚ ድማ ናብ ጸዋዕታ ክህነት አምርሖ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክህነታዊ ጸዋዕታ ቅድሚ 70 ዓመት ይገብር ብ21 መስከረም 1953 ዝተረኽበ ጸጋ ኢዩ። እዚ ድማ ጆርጅ ማሪዮ በርጐልዮ ዳርጋ ወዲ 17 ዓመት አብ ዝነበረሉ እዩ ነይሩ ።

ብ11 መጋቢት 1958 አብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ህይወት ተመኵሮ ጀመረ ። ብ13 ታሕሳስ 1969 ቀቀድሚ መበል ሰላሳን ሳልስተን ዓመት ዕለተ ልደቱ ምኽባሩ መንእሰይ ጆርጅ ማሪዮ በርጐልዮ መዓርገ ክህነት ተቐበለ።

ኣብ ኣርጀንቲና ብዕለት 21 መስከረም ክብረ አብ በዓለ ናይቲ ረድኢ ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ፣ ማለት አብ ክብረ በዓል ናይቲ ተቐባል ቀርጽን ሓጥእን ዝነበረ ብኢየሱስ ተጸዊዑ ሓዋርያ ዝኾነ  ቅዱስ ማቴዎስ ዝኸብረሉ ዕለት ኢዩ ነይሩ። ቅዱስነቶም ባዕሎም ብ2013 አብዛ ፍልይት ዕለት እዚኣ ብ1953 እንታይ ከም ዘጋጠሞም ኣዘንተዉ።

"ናብ መደብ ትልሂት ቕድሚ ምኻደይ ንእግረ መንገደይ ብሓደ ቍምስና አቢለ ሓለፍኩ፣ ሓደ ዘይፈልጦም ዝነበርኩ ካህን ረኸብኩ እሞ ከናዝዙኒ ሓተትክዎም ። እዚ ኩነት እዚ እቲ ምስ ጐይታ ዝተራኸብኩሉ ተመኵሮይ ኢዩ ዝነበረ፣ ሓደ ሰብ ይጽበየኒ ከም ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ ነይሩ ። ይኹን እምበር እንታይ ይኸውን ከም ዘሎኹ ይርድአኒ አይነበረን፣ ሕጂ ውን ክዝክሮ አይክእልን ኢየ፣ እቶም ዘይፈልጦም ካህን ውን  ስለምንታይ ኣብኡ ከም ዝነበሩ አይፈልጥን ነይረ፣ እንታይ ክናዘዝ ከም ዝረበጸኒ ውን አይርድኣንን ነይሩ፣ ከም ሓቁ ግን ሓደ ሰብ ይጽበየኒ ነይሩ ኢዩ። ንሱ ንነዊሕ እዋን ዝተጸበየኒ ኢዩ ። ሓጢኣተይ ምስ ተናዘዝኩ ካባይ ገለ ነገር እተቐየረ ዀይኑ ተሰምዓኒ ። ኣነ እውን ከም ቀደመይ ኣይነበርኩን ። ሓደ ድምጺ ሰማዕኩ፣ ከም ዝጽውዓኒ ዘሎ ኮይኑ ድማ ተሰምዓኒ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ካህን ክኸውን ጸዋዕታ ከም ዘሎኒ ምሉእ ብምሉእ ተአማመንኩ ። እዚ ብእምነት ዝሓለፍክዎ ተመክሮ ኣገዳሲ ኩነት ይህወትይ እዩ ነይቱ ። ንኣምላኽ ክንደልዮ ይቕረታ ክንሓቶ ናብኡ ኽንከይድ ከሎና ንሱ ግን ቀዲሙና አባኡ ኢዩ ዝጸንሕን ዝጽበየናን፣ ንሱ ወትርቱ ቀዳማይ ኢዩ!  ... ንስኻ ሓጥእ ኮይንካ ትኸዶ ፣ ንሱ ግና ይቕረ ኺብለልካ ይጽበ ኣሎ ። (ብ18 ግንቦት 2013 አብ ዋዜማ ጰራቅሊጦስ)" ክብሉ መስከሩ።

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ጸዋዕታ ክህነት ካብ ተመክሮ ምሕረት ኣምላኽ ኢዩ ተረኺቡ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ጭርሖኦም ካብ ስብከት ቅዱስ በደ ጻድቕ እተወስደ "ብምሕረት ጠመቶን ጸውዖን" (ስብከት. 21፣ ንዝብል ዝመረጹ፣  ነቲ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ብዛዕባ ጸዋዕታ ቅዱስ ማቴዎስ ዝገልጽን እንክትትንትን ቅዱስ በደ ከምዚ ክብል ይጽሕፍ  "ኢየሱስ ነቲ ተቐባሊ ቀረጽ በዒንቲ ምሕረት ስለ ዝጠመቶ መረጾሞ ንዓ ስዓበኒ በሎ" ኢሉ ጸሓፈ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ነታ ኣብ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ሉዊጂ ዘፈረንሳ እትርከብ ብ ካራቫጂዮ እተሳዕለት፣ ጸዋዕታ ቅዱስ ማቴዎስ ሓዋርያ እተዘንቱ ስእሊ ብተደጋጋሚ ክገልጽዋ ይርከቡ።

"ኢየሱስ ንሓደ ልሙስ ክፍውስ ጸኒሑ ክምለስ ከሎ ንሓደ ካልእ ማቴዎስ ዝተባህለ ሰብአይ ረኸቦ ። አብ ወንጌል ከምዚ ይብል "ማቴዎስ ዚብሃል ሰብኣይ ረኣየ"። እዚ ሰብኣይ እዚኸ ኣበይ ዝነበረ ኢዩ ? ኣብ ጠረጴዛ ቀረጽ ዝተቐመጠ ኢዩ ዝነበረ። ሓደ ኻብቶም ንህዝቢ እስራኤል ግብሪ ዚኸፍሉ እሞ ንሮማውያን ዝህብ ዝነበረ ከም ምዃኑ ንሃገሩ ዝኸሓደ ከዳዕ ኢዩ ዝነበረ። እዞም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ንዑቓት እዮም ነይሮም ብእስራኤላውያን ። ኢየሱስ ነዚ ሰብኣይ ትሕት ኢሉ ረኣዮ ። ኢይሱስ ከአ ንዓ ስዓበኒ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዓቦ። እንታይ ኩነቱ ኢዩ ግን ዘጋጠሞ ? እዚ እቲ ናይ ኢየሱስ ሓይሊ ቆላሕታኡ ዝገብሮ ኢዩ። ብብዙሕ ፍቕርን ምሕረትን ከም ዝጠመቶ ኣየጠራጥርን ኢዩ፣ እዚ ድማ ናይቲ መሓሪ ዝኾነ ኢየሱስ 'ንዓ ስዓበኒ' ዝብል ጠመተ ኢዩ ዝነበረ። ማቴዎስ ግና ከምቲ ካራቫጂዮ ጌሩ ዝሰአሎ በቲ ሓደ ዓይኑ ናብ አምላኽ በቲ ካልአይ ድማ ናብ ገንዘብ ጠቢቑ ይጥምት ነበረ ። ኢየሱስ ከኣ ፈቃርን መሓርን ዝለዝኾነ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብ ዝነበሮ ሰብኣይ ባርያ ገንዘብ እኳ እንተ ነበረ ነቲ ጠመተ ኢየሱስ ክቃወሞ አይከአለን። "ተንሲኡ ኸኣ ሰዓቦ።" እዚ ከአ ኣብ መንጎ ምሕረትን ሓጢኣትን ዚግበር ቃልሲ እዩ ። ፍቕሪ ኢየሱስ ብኸመይ ኢዩ ግን ኣብ ልቢ እዚ ሰብኣይ ክአቱ ዝኸአለ? በየናይ አፍደገ ኢዩ አትዩ? ምኽንያቱ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ክትድሕን እትኽእል ብመጀመርያ ደረጃ አብ ሓደጋ ከም ዘለኻ ትፈልጥ እንተ ኾንካ ኢዩ ፣ እቲ ቐዳማይ ክፍወስ ዝኽእል ሕሙም ምዃኑ ዝፈልጥ ኢዩ። ሓጥእ ከም ዝዀንካ ትፈልት እንተ ደአ ኮይንካ እቲ ናይ ምሕረት ጠመተ ኢየሱስ ክረኽበኻ ዕድል አለካ ማለት ኢዩ ። ሓደ ሰብ 'ኣቦይ ክብል ይኽእል ይኸውን፣ ግን ከአ ሓጥእ ከም ዝዀንካ ዝስምዓካ ምዃን ጸጋ ድዩ?' እወ ምኽንያቱ እቲ ዘለኻዮ ሓቀኛ ኩነት ይስምዓካ ስለዘሎ። ግናኸ ብጭቡጥ መገዲ ሓጥእ ምዃንካ ማለት ኢዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ እትብሎ ሓጢአት አሎካ ማለት ኢዩ። ጭቡጥ ሓጢኣት፡ ዝጽብጸብ ሓጢኣት! ኵላትና ድማ ብዙሕ ሓጢአት ዝገብርና ኢና! ናብኡ ንኺድ እሞ ኢየሱስ ብፍቕርን ምሕረትን ዝመልኦ ጠመተኡ ክጥምተና ነፍቅደሉ ።... (ስብከት አብ ቅድስቲ ማርታ 21 መስከረም 2017)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ቅዱስ ማቴዎስ ዝመሳሰል ታሪኽ ከም ዘለዎም ብተደጋጋሚ ኢዮም ዝምስክሩ ።

"እቲ ኢየሱስ አብ ማቴዎስ ዝነበሮ ጠመተ። ኣነ እውን ከምኡ እየ ። ከምኡ ዝኾንኩ ኮይኑ እዩ ድማ ዝስምዓኒ ። ከም ማቴዎስ ንገንዘቡ ሒዙ 'ኣይፋልን ንዓይሲ አይትበለኒ! ኣይፋሉን እዚ ገንዘብ እዚ ናተይ እዩ!" ዝብል ከም ዝመስል፣ እንሆ ኣነ ውን ጐይታ ኣዒንቱ ዝዘርግሓለይ ሓጥእ እየ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይነ ምስ ተመረጽኩ እንክሓቱኒ ከምዚ ክብል ኢየ መሊሰሎም ። (ብ19 ነሓሰ 2013 ምስ አባ ኣንቶንዮ ስፓዳሮ ኢየሱሳዊ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት)"

22 Sep 2023, 16:16