ፍራንቸስኮ፥ ‘ቀጻሊ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሴኡል፡ ደቡብ ኮርያ’
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 37 ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ መበል 37 ዓለምለኸ ቅነ መናሰያት - እዚ ብጸጋ ዝተመልአ ፍጻመ ክከኣል ንዝገበሩ ኩሎም ዓሚቝ ምስጋናኦም ብምግላጽ እቲ ኣብ 2027 ዓ.ም. ዝካየድ ቀጻሊ መበል 38 ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ኣብ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ከተማ ሴኡል ክካየድ እዩ እንክብሉ ከምዘበሰሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍራንቸስኮ ካብ ምዕራባዊ ጫፍ ኤውሮጳ ናብ ርሑቕ ምስራቕ ከነብል ኢና - ዝቕጽል ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሴኡል ደቡብ ኮርያ ክካየድ ምዃኑ ገሊጾም፡ ንኹሎም እቶም ኣብ ሊዝበን ን2023 ዓ.ም. ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ክውን ንዝገበሩ አመስግን ቢሎም፥ ኣብዚ ቅንያት እዚ ብተደጋጋሚ ዝሰማዕናዮ መግለጺ ኣሎ፥ ንሱ ድማ “የቐንየለይ” ወይ ብዝያዳ “ኦብሪጋዶ” ዝብል ቃል ምዃኑ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ገሊጾም፥
ስለ ዝተገበረልካ ሞሳ
ቅዱስ ኣቦና “ኦብሪጋዶ ዝብል ቃል ስለ እቲ ዝረኸብናዮ እነቕርቦ ናይ ምስጋና ቃል ዘስምዕ ጥራይ ዘይኮነስ ሞሳ ናይ ምቕራብ ወይ ናይ ምሃብ ድላይ እውን ዘመሓላልፍ እዩ” ቢሎም ነፍሲ ወከፍ ነጋዳይ “ኣብዚ ብጸጋ ዝተመልአ ፍጻመ” ክሳብ ክንደይ ከም ዝተቐበለ/ዝተጸገወን ኣጉሊሖም-
ሕጂ ናብ ዝመጻናሉ ዓድና ክንምለስ ኰለና ጎይታ ብግዴና ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልብና ዘፍሰሶ ሰናይ ብሓጎስን ብሃንቀውታን ክንምስክሮ ከነካፍሎን ክንህብን ከም ዘድልየና ክስምዓና ይገብር!
‘ኦብሪጋዶ’ - የቐንየለይ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንካርዲናል ክሌመንተ ፓትሪያርክ ሊዝበን ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ሕዝቢ ፖርቱጋልን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ “ኦብሪጋዶ ንርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ፖርቱጋል፡ ኣብዚ መዓልታት ኣብ ዝተኻየዱ ፍጻሜታት ዘሰነየና ንሃገራውን ከባብያውን ትካላት ንዝገበርዎ ደገፍን ሓገዝን” ንከተማ ሊዝበን እውን ሓዊሶም የቐንየለይ ቢሎም፡ “እዞም መንእሰያት ወትሩ ከም ‘ሕውነታዊ ቤትን ከተማ ሕልምን ዝዝክራዋ፡ ንብጹዕ ካርዲናል ፋረልን ከምኡ እውን ነዚ ዓለምለኸ ቕነ መንእሰያት ዘዳለዉን ኦብሪጋዶ - የቐንየለይ።” ንኹሎም ወለንተይናታትን “ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ካብ ላዕሊ ሰማይ ንዝከታተሉ ዝነበሩ ንሓለውቲ ቅዱሳን ናይቲ ፍጻመ ብፍላይ ድማ ነዘን መዓልታት መንእሰያት ህያው ዝገበሩ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ” ኦብሪጋዶ!
ንኹልኹም ድማ ‘ኦብሪጋዶ’ ክቡራት መንእሰያት! ኣምላኽ ክሳብ ክንደይ ንፉዓት ምዃንኩም ይርእዮ እዩ። ኣብ ልብኹም ዝዘርኦ ንሱ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ። በጃኹም ኣኽቢርኩም ርኣይዎ ክብለኩም እደሊ፡ ንዝኽሪ እዘን መዓልታት እዚኣተን ንዝበለጸ ህሞታት እናዘከርኩም ኣጽኒዕኩም ሒዝኩም።
ብሓቂ መን ምዃንኩም ፈጺምኩም ኣይትረስዑ
ቅዱስነቶም ንመንእሰያት ነጋዶ “ተመክሮታትን ጸጋታትን ናይዘን መዓልታት እዚኣተን ዳግማይ ክትነርቡ” ኣብ “ዝተርፍ ግዜ ድኻምን ተስፋን ምቝራጽን ንርእስኹም ክትሓድጉ ወይ ክትዓጽዉ ዝድርኽ ፈተና ዝያዳ ክሕይል ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡
ሕልሚ ሰላም
ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብሃገረ ስብከታትን ጉባኤታት ጳጳሳትን ዝተዳለወ ከባቢያዊ መደባት ከም “ትሕተ ሰሃራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን” ዝበሉ ኣብ ከባቢኦም ዝተሳተፉ ኣብ ታንጂየር ንዝተኣከቡ ዓለምለኸ መንእሰያት ሊዝበን ክሳተፉ ዘይክኣሉ ኩሎም መንእሰያት እናሓሰቡ፡ ነቶም ብሰኪ ዕጥቃዊ ውግኣት ምሳና ክኾኑ ዘይከኣሉ ብርግጽ ኣብ ዓለምና ብዙሓት እዮም፡ “ብሓሳብን ብጸሎትን ከነሰንዮም፡” ሓደራ፡ ብዛዕባ እዘን ሃገራት ክሓስብ ከለኹ ነታ ኣዝያ ትሳቐ ዘላ ፍቕርቲ ዩክረይ ዓቢ ሓዘን ይስምዓኒ!
ክቡራት ኣዕሩኽ ብዕድመ ዝደፋእኩ ሰብ ከምምዃነይ መጠን ኣብ ውሽጠይ ተሰኪመዮ ዘለኹ ሕልሚ ከካፍለኩም ፍቐዱለይ፡ ንሱ ድማ ሕልሚ ሰላም፡ ሕልሚ መንእሰያት ንሰላም ክጽልዩ፡ ብሰላም ክነብሩን ሰላማዊ መጻኢ ክሃንጹን ዝብል እዩ!
ር.ሊ.ጳ. ካልኦ ኦብሪጋዶ ድማ “ንዝኽርታትን ሱርናን ንዝኾኑ፥ ነቶም እምነት ዘመሓላለፉልና ኣድማስ ናይ ሓደ ሕይወት ዘመሓላለፉልና ኣቦሓጎታትናን ኣደሓጎታትና።”
ንቕድሚት
ር.ሊ.ጳ. ንመጻኢ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ኢድ “ማርያም ንግስተ ሰላም’ አማዕቍይቦም ነቶም መንእሰያት ንጋዶ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ከለዉ “ምእንቲ ሰላም ምጽላይ ክቕጽሉ” ተማሕጺኖም፡
ካብዚ ሓሊፉ ንዓለም ምልክት ሰላም ኢኹም! ብዝተፈላለዩ ብሄራት ቋንቋታትን ታሪኻትን ኣብ ክንዲ ምብትታን ከመይ ጌሮም ምጥርናፍ ከምዝከኣል ተርእዩ፡ ተስፋ ናይ ካልእ ተኻኣሊ ዓለም ኢኹም! ስለዚ ድማ የቐንየለይ፡ ንቕድሚት ሰጒሙ!
ዝቕጽል ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ኣብ ደቡብ ኮርያ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መደረኦም ቅድሚ ምዝዛሞም ኣብ ሮማ፥ ንመላእ ዓለም መንእሰያት ኣብ 2025 ዓ.ም. ቅዱስ ኢዮቤል ዓመት ዓዲሞም፡ ደቡብ ኮርያ - ሴኡል ቀጻሊ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ከተእንግድ እያ እንክሉ መበል 38 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 2027 ዓ.ም. ኣብ ሴኡል ክካየድ ምዃኑ ኣበሲሮም፡ ብተወሳኺ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ መንእሰያት ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. “ናይ መንእሰያት እዮቤል” እንክብሉ ገሊጾም ናብ ሮማ ክነግዱ ከምዝዓደሙን፡ እቲ ናይ መወዳእታን ዝዓበየን ‘ኦብሪጋዶ’ ንጐይታና ኢየሱስን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴናን እዩ፥ “ኣብዚ ምሳና ሓቢሮም እዮም” ቢሎም “ንህይወትና ዘይርስዑን ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ዘፍቅሩናን እያቶም!” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ጸሎተ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር መሪሖምን ደጊሞን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።