ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መናእሰይ ‘ጎበለል ሕውነት’ ክኾኑ ይላበዉ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መናእሰይ ‘ጎበለል ሕውነት’ ክኾኑ ይላበዉ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መናእሰይ ‘ጎበለል ሕውነት’ ክኾኑ ይላበዉ!

“ክቡራት መንእሰያት ዓብዪ ሕልሚ ክትሓልሙን ሂወት ብምልኣት ክትነብሩን ትብዓትኩም ፈጺምኩም ኣይተጥፍኡ! ጐብለል ሕውነት ኩኑ። ንርእስኹም ብኣምላኽን ብሕያዎት መካርያንን መካርያትን ክትምርሑ ብምፋቃድ ንብድሆታት ህይወት ግጠሙ!”

ዕለት 12 ነሓሰ ኣብ ዓለም ለኸ መዓልቲ መንእሰያት ሕቡራት ሃገራት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ዕለት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፥ መንእሰያት ዓበይቲ ነገራት ክሓልሙን “ጎብለል ሕውነት” ብምዃን ናይ ሓልዮት ባህሊ ከስፍሑ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 12 ነሓሰ ኣህጉራዊ መዓልቲ መንእሰያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኸበረሉ ዕለት ር.ሊ.ጳ. ፍርናቸስኮ ኣብቲ ቀደም ብትዊተር ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ሕጂ X (ኤክስ) ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ንመንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዘተባብዕ መልእኽቲ፥ መንእሰያት ዓቢይ ሕልሚ ክሓልሙ፡ ባህሊ ሓልዮት ከስፍሑን ጎብለል ሕውነት ክኾኑን ዓዲሞም፡ ስለዚህ ምልኣት ዘለዎ ህይወት ንኽነብሩ ድማ ብእግዚኣብሔር ክምርሑ ምፍቃድን ምኽሪ ሕያዎት መካርያንን መካርያትን ክቕበሉን በዚ ድማ ብድሆታት ህይወት ክገጥሙ ከምዝሓተቱን ነዚ ሓሳብ እዚ እውን፥ “ክቡራት መንእሰያት ዓብዪ ሕልሚ ክትሓልሙን ሂወት ብምልኣት ክትነብሩን ትብዓትኩም ፈጺምኩም ኣይተጥፍኡ! ጐብለል ሕውነት ኩኑ። ንርእስኹም ብኣምላኽን ብሕያዎት መካርያንን መካርያትን ክትምርሑ ብምፋቃድ ንብድሆታት ህይወት ግጠሙ!” ብዝብል መልእኽቲ ከምዘብርህዎን፡ እዚ መልእኽቲ እዚ እውን እቲ ካብ ዕለት 3 – 6 ሕዳር 2022 ዓ.ም. ኣብ ባሕሬይን ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንመንእሰያት ዘስምዕዎ መደረ ዘዘኻኽር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝተኻየደ ኣስታት 1 ሚሊዮንን 500 ሺሕ መንእሰያት ዘተኣኻኸበ መበል 37 ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ኣብዒሎም እዮም።

ሓምላይ ብልሓትን መንእሰያትን

ኣብ 2023 ዓ.ም. ሕታም ኣህጉራዊ መዓልቲ መንእሰያት ሕቡራት ሃገራት መርሕ ቃል፥ “ሓምላይ ብልሓት ንመንእሰያት ናብ ዘላቒ ዓለም” ዝብል ክኸውን እንከሎ፥ ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት እቲ መርሕ ቃል ቁጠባ ዓለም “ብሓምላይ ምስግጋር” ክሕቆፍን ናብ “ንከባቢ ዘላቕን ንኹነታት ከባቢ ኣያር ዝምችእን ዓለም” ክሰጋገር ዝጽውዕ እዩ። እቲ ምስግጋር እቲ ብዝበለጸ ክፍጸም ዝኽእል ኩሉ ሰብ ኣብ ከባቢ ብኣሉታ ዘይጸሉ ናይ ህይወትን ስራሕን ውሳኔታት ክወስድ ኣብ ዝደልየሉ እዋን ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት የተሓሳስብ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ መግለጺ፥ “ሓምላይ ብልሒ ንኹሉ ሰብ ዝምልከት እኳ እንተኾነ ንመንእሰያት ግን ኣገዳስነቱ ዓቢይ እዩ። እዚ እውን ንነዊሕ እዋን ኣብ ሓምላይ ምስግጋር ኣበርክቶ ክገብሩ ስለ ዝኽእሉ እዩ።

እወታዊ ጽልዋን ዓበይቲ ሕልምታትን

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣንቶኒዮ ጉተረሽ ቅድሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ መንእሰያት ኣብዚ እዋን እዚ ንዓለም ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት “ተባዕን ቅልጡፍን ስጉምቲ” ክውሰድ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻውዒት ኣተባቢዑ፥ መንእሰያት መብዛሕቲኡ ግዜ “ማሕበራዊ ቈጠባዊ ከባብያዊ ኣየር ፍትሒ ከምኡ እውን ንኹሉ ሰላምን ምዕባለን” ዘረጋግጽ ፍታሕ ኣብ ዝሰርሑሉ እዋን፡ ምስቶም ኣዚዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ብሓባር ደው ክብሉ ከም ዝደልዩ ኣመልኪቱ፥ ብተወሳኺ መንእሰያት ኣብ ቁጠባኦምን ኣብ ከባቢኦምን ኣብ ዘሎ ዓለምን እወታዊ ጽልዋ ንምፍጣር ዘኽእሎም ብልሓትን ክእልነት ንኽረኽቡ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ወለዶታት ክድግፎም እተባቢዖም።

ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ዕለቱ መልእኽቲ፥ ንመንእሰያት “ዓብይ ክሓልሙን ንህይወት ብምልኣት ክነብሩን ትብዓት ከየጥፍኡ” ሓደራ ከምዝበልዎ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

14 Aug 2023, 15:05