ድለ

2023.05.22 Storia Laudato si' Ecuador, progetto Otonga 2023.05.22 Storia Laudato si' Ecuador, progetto Otonga  

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካልኣይ ክፋል “ስብሓት ሎቱ” ይጽሕፉ አለዉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ዘስምዕዎ ቃል - "እዚ ንኡስ ወለዶ ጽብቕትን ንኽትነብራ ብምቹእትን ዝኾነት ዓለም ካባና ናይ ምቕባል መሰል ከም ዘለዎም ክንርስዕ የብልናን፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኻብ ኢድ እቲ ለጋስ ዝኾነ ኣምላኽ እተቐበልናዮ ፍጥረት ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘሎና ዘመልክት ኢዩ።" "ስለቲ ተወፋይነትኩምን አበርክቶኹምን የመስግነኩም፣" በልዎም።

ዋና አመሓዳሪ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እታ ትማሊ ሰኑይ 21 ነሓሰ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝጠቐስዋ ካልአይቲ ክፋል ናይታ “ስብሓት ሎቶ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ይጽሕፉ ምህላዎምን፣ አብዚ ህልው ኩነታት ብዛዕባ ዘጋጥም ዘሎ ልውጥታት ኩነታት አየር ዘተኮረት ከም እትኸውን ገሊጾም።  

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰኑይ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሃገራት ኣውሮጳ ንዝመጹ ተወከልቲ ጠበቓታት ረኪቦም አብ ዘዘራረቡሉ ቅዱስ አቦና ካልአይ ክፋል “ስብሓት ሎቱ” ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቶም ምስ ህልው ኩነታት ብምምሕያሽ ይጽሕፉ ምሕላዎም ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ዝረኸብዎም ጠበቓታት ንኩነታት አየር አከባቢ ንምዕቃብ ዝዓለመ መሰረታዊ ሕጋዊ ዓናቕጽ  ንኼማዕብሉ ዝገበርዎ ተወፋይነት አመልኪቶም አመስገንዎም። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ዘስምዕዎ ቃል - "እዚ ንኡስ ወለዶ ጽብቕትን ንኽትነብራ ብምቹእትን ዝኾነት ዓለም ካባና ናይ ምቕባል መሰል ከም ዘለዎም ክንርስዕ የብልናን፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኻብ ኢድ እቲ ለጋስ ዝኾነ ኣምላኽ እተቐበልናዮ ፍጥረት ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘሎና ዘመልክት ኢዩ።" "ስለቲ ተወፋይነትኩምን አበርክቶኹምን የመስግነኩም፣" በልዎም። 

ዋና አመሓዳሪ  ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕመትን ቅድስቲ መንበር - ማትዮ ብሩኒ ትማሊ ዕለት 21 ነሓሰ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ሓድሽ እተመሓየሸ ሕታም “ስብሓት ሎቱ” ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓሙሽተ ኽፍልታት ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ዝጸሉ ሕማቕ ኵነታት ኣየርን ዕንወትን ዘተኵረ ከም ምዃኑ ገሊጹ ። 

“ስብሓት ሎቱ” ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካልአይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም ኮይና፣ ብ18 ሰነ 2015 እያ ተሓቲማ፣ ኣብታ ዓመት እቲኣ ብዕለት 24 ግንቦት ማለት አብ በዓለ ጰንጠቈስጠ ከአ ብዕሊ ተዘርጊሓ። 

እዛ ብዛዕባ "ምክንኻን ሓባራዊት ቤትና" እትዛረብ ጳጳሳዊት ሰነድ አርእስታ ካብ ሊጣንያዊ ጸሎት ብዛዕባ ፍጥረታት ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ እተወስደ ኮይኑ በዘን ቃላት እዚኣተን እያ እትጅምር - 

"‘ስብሓት ሎቱ፣ እግዚእየ’ – 'ጐይታይ ውዳሰ ይኹንካ።' ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ብዓል ኣሲዚ ኸም ዝገልጾ እዛ ሓባራዊት ቤትና ልክዕ ከም ሓንቲ ህይወትና እነካፍላ ሓውትን ከም ሓንቲ ንኽትሓቝፈና የእዳዋ እትዝርግሕ መልክዐኛ ኣደን ጌሩ ኢዩ ዘቕርቦ ። ኦ ጐይታይ በታ እትድግፈናን እተሳስየናን እተፈላለየ ፍረታት ከኣ ብሕብራዊ ዕምባባታትን ኣሕምልትን እተፍሪ ሓብትናን ኣዴናን ዝኾነት ምድሪ ውዳሰ ይኹነልካ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ድሕሪ ምሕታማ ነዊሕ ከይጸንሑ ንትርጕም እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ እዚአ ኣብቲ ብ21 ሓምለ 2015 "ዘመናዊ ባርነትን፣ ለውጢ ክሊማን፣ ውዕል ከተማታት" ዘርእስቱ ዓውደ መጽናዕቲ ንእተሳተፉ ተጋባእቲ  ከነጽርዎ ተረኽቡ፣ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ድማ "እዚ ንኣከባቢ ናይ ምክንኻን ባህሊ 'ቐጠልያ'ምግባር ጥራይ ኣይኰነን ፣ የግዳስ ናይ ሓቂ ትርጕም እዛ ቓል ማለት 'ቐጠልያ'ዝኾነ ኣረኣእያን ዝንበለን ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ እዩ። ንኣከባቢ ምክንኻን ኪበሃል ከሎ ብዛዕባ ስነ ምሕዳር (ኤኮሎጂ) ናይ ደቂ ሰብ ኣረኣእያ ምሓዝ ማለት እዩ ። ብኻልእ ኣበሃህላ ደቂ ሰባትን ፍጥረት ብምሉን ማለት ኣከባቢን ከም ሓደ በበይኑ ዘሎ ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና ። ስነ-ምሕዳር ምሉእ ብምሉእ ብዓንዲ ርእሱ ሰብአውነት ኢዩ ዘስምዕ። ኣብዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ር. ሊ. ጳ. “ስብሓት ሎቱ” ሰብ ካብቲ ካልእ ፍጥረት ተፈልዩ ክረአ ኣይከአልን እዩ፣ እቲ ደቂ ሰባት ዝነብሩሉ ዘለዉ ኣከባቢን  ደቂ ሰባትን ሕድሕዳዊ ዝኾነ ጽልዋ አለዎም ፣ እቲ ሰብ ዜሕድሮ ጽልዋ ኸኣ ንኣከባቢ ዘዕኑ ክኸውን ከሎ እቲ ውጽኢቱ ናብ ደቅሰብት እዩ ዚምለስ ። በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኸአ  'ኣይፋልን ቀጠልያ' ዓዋዲት መልእኽቲ ዘይኰነ ማሕበረ ሰብአዊ ትምህርቲ ሓዘል ዓዋዲት መልኽቲ ኢያ' ክብል ነቲ ዝተሓተትክዎ ሕቶ መልሲ ክህበሉ ዝኸአልኩ። ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ናይ ደቅሰብ ንኣከባቢ ምክንኻን ክንርስዕ የብልናን ። ብዘይካዚ ንኣከባቢ ምክንኻን ማሕበራዊ ኣረኣእያ ክህልወና ዝገብር እዩ ፣ እዚ ኣረኣእያ እዚ ብእተፈላለየ መገዲ ማሕበራዊ ርክባት ከም ዚህልወና ውን ዚገብር እዩ ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝደለዮ ትርጕም ክህቦ ይኽእል ይኸውን ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ብዛዕባ ኣከባቢ ማለት ብዛዕባ ስነ ፍጥረት ኪዛረቡ ኸለዉ ፍጥረት ኩሉ ኸም ውህበት እተዋህበና ኢዩ ዝብል ናይ ጣልያን ብሂል ጽቡቕ ትርጉም ዘለዎ ከም ምኹኑ ይፍተወኒ እዩ ። "

አብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ቅዱስ አቦና፣ ነቲ አብ ዕለተ ሲመቶም ፍራንቸስኮስ ዝብል ስም ምምራጾም ከም መምርሕን ዘነቃቕሖም ጌሮም ከም ዝመረጽዎ እንክገልጹ - "ቅዱስ ፍራንሲስ ነቶም ተነቀፍቲ ብምክንኻን ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ከም ዝዀነን፣ ዘይንጸል ስነ ምሕደራ ብሓጐስን ብሓቅን ከም ዝነብርን እኣምን ኢየ። ናይ ዅሎም እቶም ኣብ ስነአከባቢ ዘጽንዑን ዝሰርሑን ሰባት ጠበቓ ዝኾነ ቅዱስ ኢዩ፣ ክርስትያን ዘይኰኑ ሰባት እውን ከይተረፉ ኣጸቢቖም ኢዮም ዘፍቅርዎ። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ብፍላይ ብዛዕባ ፍጥረት ኣምላኽን ብዛዕባ ድኻታትን ብጣዕሚ ይግደስ ነበረ ። የፍቅሮም ስለ ዝነበረ ተሓጒሱ ብልግሲ ንርእሱ ብምውፋይ ከምኡውን ብኽፉት ልቢ ኣጸቢቑ ይቐርቦም ነበረ። ምስ ኣምላኽን ምስ ካልኦትን ምስ ተፈጥሮን ምስ ገዛእ ርእሱን ብቐሊልን ብዜደንቕ መገዲን ዚነብር ዝነበረ ቅዱስ ኢዩ። ኣብ ተፈጥሮ ፍትሒ ንድኻታት ፍትሒ ንማሕበረሰብ ዘሎና ቘራጽነትን ከምኡውን ኣብ መንጎ ውሽጣዊ ሰላምን ዘሎ ሓድነት ክሳዕ ክንደይ ዘይፈላለ ምዃኑ ኣርእዩና ኢዩ።"

ብዘይካዚ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ሓባራዊ ቤትና ንምሕላው ህጹጽ ጻውዒት ኬቕረብ ተረኽበ ፣ ከምዚ ድማ በለ ፦ "እምበኣር ንመጻኢ ፕላኔትና ብኸመይ ከም እንሓንጾን እንዕቅቦን ዚገልጽ ሓድሽ አገባብ ምይይጥ ብህጹጽ ክግበር ምሕጽንታኡ አቕረበ ። እቲ ዜጋጥመና ዘሎ ኣከባብያዊ ብድሆታት ኸምኡውን መበቈሉ ሰብኣዊ ስለ ዝዀነ ንዅላትና ዜተሓሳስበናን ዚጸልወናን ዝርርብ የድልየና አሎ። ዓለምለኻዊ ስነ አከባቢያዊ ምንቅስቓስ ድሮ ብዙሕ ለውጢ ገይሩ ኢዩ፣ ብዛዕባ እዚ ብድሆታት እዚ ዝያዳ ፍልጠት ከም ዝህልወካ ንምግባር ድማ ተወፋይነት ዘለዎም ሓያሎ ማሕበራት ናብ ምምስራት አምርሐ። እቲ ዜሕዝን ግና ንኣከባብያዊ ቕልውላው ዚኸውን ጭቡጥ ፍታሕ ንምርካብ እተገብረ ሓያሎ ጻዕርታት ውጽኢታዊ ዀይኑ ኣይተረኽበን ፣ እዚ ኸኣ ብሰንኪ ሓያል ተጻቦ ጥራይ ዘይኰነስ ብሰንኪ ሓፈሻዊ ተገዳስነት እውን ዘይምህላዉ ውጽኢታዊ ክኸውን አይተረኽበን ። ምእመናን እውን ከይተረፉ ነቲ ጸገም ካብ ምኽሓድ ኣትሒዝካ ኽሳዕ ዘይምግዳስ ገዛዕ ርእስኻ ካብ ተወፋይነት ምግላል  ወይ ኣብ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ ብዓይኒ እምነት ውን ትንተኾነ ዘይምግንዛቡ ኢዩ ። ስለዚ አብዚ ግዜ እዚ ሓድሽን ኣድማሳውን ዝኾነ ሓድነት የድልየና አሎ ። ከምቲ ኣቡናት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝበልዎ “ንፍጥረት ኣምላኽ ብዘይግቡእ ምጥቃም ዘምጽኦ ጕድኣት ንምእራም ኵሉ ሰብ ክእለትን ተሳትፎን የድልዮ ኢዩ።' ነፍሲ ወከፍና ከከም ባህሉን ተመክሮን ተውህቦኡን ክሳተፍ ከም መሳርሕቲ አምላኽ መጠን ድማ  ንፍጥረት ንምክንኻን ክንተሓባበር ግዴታና ኢዩ።"

22 Aug 2023, 15:54