ድለ

ቅዱስ አቦና ምስ ተማሃሮ ዘርአ ክህነት ሰበኻ ሮም እናተዘራረቡ ቅዱስ አቦና ምስ ተማሃሮ ዘርአ ክህነት ሰበኻ ሮም እናተዘራረቡ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ናብ ካህናት ሮማ፦ ምሳኻትኩም እጐዓዝ ኣለኹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እዚ ኢዩ መንፈስ ክህነት፣" ምስ በሉ "ኣገልገልቲ ህዝቢ ኣምላኽ ክንከውን ደአ እምብነር ጐይቶት ከይንኽውን፣ ኣእጋር ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንሓጽብ ደአ እምበር ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና አእቲና ክንጭፍልቖም የብልናን፣"

“ስለቲ ተፈላጥነት ዘይረኸበ አገልግሎትኩ አመስግነኩም፣ አነ ወትሩ አብ ሓጐስኩምን ስቓያትኩም አብ ጐድንኹም አሎኹ” ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናብ ካህናት ሰበኻኦም ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ካብቲ መንፈስ ዓለማውነት ዝኾነ ባህሪ ክርሕቑ እንከጠንቅቕዎም "ካብቲ ንቤተ-ክርስትያን ዘሎና እምነትን ፍቕርን ዝኽውል፣ ብአንጻሩ እኳ ደአ አብ ክንዲ ክብሪ ኣምላኽ ምድላይ ውዳሴ ከንቱን ርእሰ ፍትወትን ዝዓዘዞ፣" መንፈሳውነት ክርሕቑ ኣጠንቀቕዎም።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ዅሉ ስለቲ ኽቡርን መብዛሕትኡ ግዜ ሕቡእን ወይ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይብሉን ኣገልግሎቶም ምስጋናኦም አቕረቡሎም፣ ቀጺሎም ከአ ኣብ መንጐቲ "ሓጐስን ስቓይን" እተፈራረቖ ሕይወት በይኖም ከም ዘይኮኑ አተባብዕዎም፣ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ፈተናታ ሕይወት ብዝምልከት ቅዱስነቶም ካብ መጀመርያ ዕለተ ሲመቶም አትሒዞም ዘለዎም መጠንቀቕታት ብዛዕባ “መንፈስ ዓለማውነትን ቀሲሳውነትን” (ምእመናን ከይተረፉ ናጻ ዘይኰነሉ) ካብቲ ንክህነታዊ አገልግሎት ናብ ሓደጋ ዘእቱ፡- አይትቕረብኒ ዘብል ባህርያትን፣ ናይ አንነትን ዓብላልነትን ስምዒትን፣ ድርቅናን ካብ ዝመሰሉ ባህርያት ክርሕርሕቁ አመልከቱሎም። አብ ክንድኡስ ምስቶም “አሕዋትን አሓትን” ዝኾኑ ዓለማውያን ምእመናን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ክሰርሑን፣ ሲኖዶሳዊ አካይዳን መንገድን ክበግሱን፣ “ጐይቶት” ዘይኮኑስ “አገልገልቲ” ኮይኖም ክርከቡን ድሕሪ ምጽዋዕ፣ “አእጋር አሕዋትና ክንሓጽብ ደአ እምበር አብ ትሕቲ አእጋርና የእቲና ክንጭፍልቖም የብልናን!” ክብሉ አባታዊ ለበዋኦም አቕረቡሎም።

ኣብታ ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ትማሊ 7 ነሓሰ ናብ ዅሎም ቤተክህነት ሰበኻኦም ናብታ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ “ውህደት አብያተ ክርስቲያናት” ዘርእስታ ዝጸሓፍዋ ሓዋርያዊት ቅዋም ዳግመ ስርርዕ ዘተግበሩላ ሰበኻኦም፣ ማለት አብቲ ዘሎ ሓዋርያዊ ዕቅብና ብዙሕ ለውጢ ዘተአታተውላ ናብ ሰበኻ ሮማ አብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ “ጉስነታውን አባታውን ሓዮትን” ዝሓዘልት መልእኽቲ ኢያ ክብል ዜና ቫቲካን አመልኪቱ።

ንድሕነት ሮማውያን ቅድስተ ማርያም እተወፈዩ

እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ መንጎ እቲ ጽዑቕ መደባት ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት  ከምቲ ልሙድ አገባቦም ዘዳለዎ ወግዓዊ ቅሉዕ ደብዳቤ ንዝኽሪ ወፈያ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዕለት 5 ነሓሰ 2023 ዝሓዘ ዀይኑ ሸውዓተ ገጻት ዝንውሓቱ መልእኽቲ እዩ። እዚ ወግዓዊ ቅሉዕ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጸሓፍዎ ፍረ ናይ ጸሎት ኮይኑ ኣብ ቅድሚ እታ ድሕነት ሮማውያን ተባሂላ ትፍልጥ ስእለ እግዚእትነ ማርያም ኮይኖም ንቤተ ክህነት ሰበኻኦም ናብአ ብምውፋይ ዝጸሓፍዋ መልእኽት እንክትከውን፣ አብ መልእኽቶም ፦ "ክትሕልወኩምን ከተዕቍበኩምን ተማሕጺነያ አሎኹ፣ ነቲ ሕቡእ ዝኾነ ንብዓትኩም ትደርዝን፣  ሓጐስ አገልግሎት አባኹም ንኸተዕዝዝ፣ ከምኡ ውን ወትሩ ምስ ኢየሱስ ኮይንኩም ናይ ፍቕሪ ጓሶት ንኽትኮኑ ውን ተማሕጺነያ አሎኹ። "

'ስዉር' ኣገልግሎት

ነቶም ውትሩ ከም ጳጳስ ናይ ሰበኻ ሮማ ኮይኖም ዝቐርቡ አቡነ  ጆርጅ ማሪዮ በርግልዮ፣ ልዕሊ ዅሉ ዘተሓሳስቦም ነገር እንተ አልዩ ፣ “ካህናት አብ ጸዋዕታኦምን ኣገልግሎቶምን ዝስምዖም ዘይዕጉብነት”  ዘጕህዮም ምዃኑ እዩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ኣገልግሎት እዚ "ናይ ሓጐስን ሻቅሎትን፣ ናይ ተስፋን ምረትን ጾር" ኢዩ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ "ብዙሕ ጻዕርን" ከምኡውን "ጊጉይ ዝኾነ ርድኢትን ኢዩ" ዘጋጥም።

በዚ  ምኽንያት እዚ "አመስግነኩም!" ይብሉ ቅዱስነቶም፣  አረ እኳ ደአ ኣብ መልእኽቶም ብተደጋጋሚ ነቶም ካህናት ከመስግንዎም ይርከቡ።

"ስለ እቲ ዝገበርኩምዎ ብዙሕ ሕቡእ ኾነ ሰናይ ነገራት አመስግነኩም"፣ ስለቲ ሓድሓደ ግዜ "ተፈላጥነት" ዘይወሃቦ ዕዮኹም "አመስግነኩም"። "በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኣገልግሎትና ብጉሰነታዊ ብኣሳልጦና አይኮነን ዝምዘን

 (ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ጐይታና አገልገልቱ እና ወሓዱ ይኸዱ አለዉ)" በልዎም።

መንፈስ ዓለማውነትን ቀሲሳውነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ "ምሳኻትኩም ኣብ ጕዕዞ ዘለኹ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ፣ ኣብ ሓጐስኩምን ስቓይኩምን ኣብ ውጥናትኩምን ኣብ ስራሕኩምን ኣብ ምረትኹምን ኣብ ምጽንናዕኩምን ጕስነትኩምን ቀረባኹም ምዃነይ ኺስምዓኩም እደሊ እየ" ክብሉ ጸሓፉሎም።

ድሕሪኡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቶም፣ ንክህነታዊ ሕይወት ዘተዓናቕፍ ንዓሰርተታት ዓመታታ ክኹንንዎ ዝጸንሑ “መንፈስ ዓለማውነትን ቀሲሳውነትን” እዚአቶም ንክህነታዊ ህይወት ዘጸልምቱ ኢዮም ክቡሉ ጠቐሱሎም።  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ገሊኡ ኽፋላት እታ መልእኽቶም ነቲ ድሮ እተባህለ ብምድጋሞም ይቕረታ ይሓቱ እኳ እንተኾኑ፣ ግን ከአ ኣድላዪ ማዕዳ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ ዝነበረ። ቅዱስነቶም ከም ዝጸሓፍዎ እዚ ነገራት እዚ "ቐዳምነት ዚወሃቦ ነገራት" እዩ ክብሉ አጽንዖት ይህቡሉ።

ር. ሊ. ጳ. ብዛዕባ "ጥምዓዊ ዝኾነ መንፈሳውነት ንዝኾነ አገባብት" ንኸጠንቅቕ  ሄንሪ ደ ሉባኽ ንዝጸሓፎ ብምዝካር "ኣምላኽ ኣብቲ ምስ መንፈስ ዓለማውነት እንገብሮ ቓልሲ ኣዕሚቝና ኽንከይድ ይሓትተና ኢዩ" በልዎም።

"መንፈስ ዓለማውነት 'ሸቃጦ መንፈሳዊ ነገራት' ከም እንኽውን፣ ከምኡ ውን መልክዕ ቅድስና ዘለና እንተ ኾነ ግና ብናይዛ ዓለም እዚአ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ዝተተሓዝና ሰባት ኢዩ ዝገብረና።"

ናይ ሓቂ ትርኢት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብታ መልእኽቶም - "እዚ ዝኸውን ድማ በቲ ከንቱ ዝኾነ ነገራትን  መስድዒ ዝኾነ ልምድታን ምስ እንጽሎን ከምኡ ውን ስልጣንን ማሕበራዊ ተጽዕኖን ብዘምጽኦ ፈተናታት ክንምሰጥ ምስ እንርከብ ኢዩ።" ክብሉ ጽሓፉ። ቅዱስነቶም አስዒቦም "ደጊምና ድማ ብውዳሴ ከንቱን ርእሰ-ምትእምማንን፣ ብጠገለ ዘይብሉ ብቕዓተ-ድርቅናን ከምኡውን ብሊጡርጊያዊ ዝመስል መልክዓት ብዝኾነ  ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ብሕቡእ ዝኾነ መዳይ ድሕሪ መጋረጃ ናይ መንፈሳውነትን ፍቕሪ ቤተ-ክርስትያንን ኮይኑ አብ ክንዲ ንአምላኽ ምድላይ ውዳሴ ከንቱን ውልቃዊ ረብሓን ሃስስ አብ ምባል ክኸውን ከሎ ኢዩ።”

ልኡም ፈተናታት

መንፈስ አለማዊነት "ልኡም" ፈተና ኢዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ "ብርቱዕ መስድዒ" ከም ዝዀነ ኣትሪሮም ይዛረቡሉ። "ብሓቂ ድማ መደናገሪ መንፈሳውነት ከም ምዃኑ አብ ውሽጢ 'ሃይማኖታውያን ሓይላትን’ ጽቡቕ ቁመናን ከይተረፈ ብምኽዋል ከስድዓና ዝኽእል ኢዩ።"  ቅዱስ አቦና አብ ናይ 2022 ምስ ናይ ሮማ ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴትሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ አባይቲ ጽሕፈት ላእለዎት አካላት አብ ዝገበርዎ ርክብ አብ ዘቕረብዎ መደረ ብሓጺሩ ነዚ "ልኡም ዝመስል ሰይጣን" አመልኪቶም “ወጻእን አታውን” ዝኾነ “ብልኡም ዝኾነ መንገዲ ዝኹሕኩሓና” ክብሉ ጠቂሶምዎ ነይሮም።

ካብ ካልኦት ጸብለል ንብል ኢና ዝምብል መንፈስ

ቅዱስ አቦና ር. ሊ. ጳ. እዚ መንፈስ ዓለማውነት እዚ ናብ ልቢ ካህናት ክኣቱ ኸሎ "ሓደ ዓይነት መልክዕ ኢዩ ዝሕዝ፣ እዚ ድማ ቀሲሳውነት ይበሃል!" ክብሉ አብ መልእኽቶም ጸሓፉ። ወሲኾም ድማ "ነዚ ስለ ዝደገምክዎ ኣይትሓዙለይ፣ ከም ካህናት መጠን ግና ንስኻትኩም እውን ነቲ እትኣምኑሉ ነገራት ተሰሚዕኩም ስለ እተካፍልዎ ኢየ፣” ክብሉ ጸሓፉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ከም ሽማግሌን ካብ ልቢ ብዝነቐለን መጠን፣ ብሓቂ ኢየ ዝብለኩም ካህነት አብ መንፈስ ቀሲሳውነ እንክወድቁ ብጣዕሚ ኢዩ ዘተሓሳስበኒ፣  ምናልባት ንዓና ከይተፈለጠና ከሎ ካብ ካልኦት እንበልጽን ፍሉያትን ልዕል ዝበለ ቦታ ዝሓናን ካብቶም ካልኦት ህዝቢ አምላኽ ዝሓጽናን ኮይና ንረአየሉ ኩነት ክህሉ ይኽእል ኢዩ።” ክብሉ አተንቐቑ።

ብዛዕባ ምስልን ኣሳልጦን ምጭናቕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ከም ዝገለጽዎ ቀሲሳውነት "ሕማም" ኢዩ፣ እዚ ኸኣ "ሓላፍነትና ከይተረዳእና አብ ዝተፈላለዩ መዳይት ናይ ስልጣን ምንባር፣ ተኻፋልነት ከይፈለጥካ ትሕትና ከይተረድአካ የግዳስ ብትዕቢት ናብ ናይ ጸብለልትነት ኣረኣእያ ክመርሓና ይኽእል ኢዩ"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ትንቢተ ህዝቅኤልን፣ ጽሑፋት ቅዱስ አጐስቲኖስን ዝርከብ ምሳሌ "ጸባን ጸምርን" ብምጥቃስ "ምቹእ ናብራ ብምንባር ንርእስናን ንግላዊ ጥቕምናን ጥራይ አብ ምሕሳብ ከይንወድቕ" ክብሉ የጠንቅቑ።

"ብዛዕባ ጸባ ጥራይ ክንሓስብ ከለና ብዛዕባ ብሕታዊ ረብሓና ኢና እንሓስብ፣ ጸምሪ ኽንደሊ ኸለና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኽንከናኸንን ኣሳልጦና ኸነዛይድን ኢና እንሓስብ ። ስለዚ ናይ ክህነት መንፈስ ከነጥፍእ ንኽእል ኢና" ክብሉ ቅዱስነቶም  ጸሓፉ።

ናብ ኢየሱስ ምጥማት

ብመሰረት እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝጸሓፉሎም መልእኽቲ "ውዳሴ አምላኽ"፣ "ትርጉም ናይ ጸጋ ሕይወት"፣ "አግራሞትን መኦሳን" አብ ፍቕሪ ኣምላኽ ምህላው ነዚ ዝንባለታት እዚ ንምዕጋት ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ግና ዕለታዊት መድሓኒት ናይዚ "ናብቲ እተሰቕለ ኢየሱስ ምጥማትን ዕለታዊ የዒንትና ናብቲ ምእንታና ክብል ድኽነት ዝመረጸን ርእሱ ዘዋረደን እረ እኳ ክሳብ ሞት ዝተአዘዘን ከነተኩር እንከለና ኢዩ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እዚ ኢዩ መንፈስ ክህነት፣" ምስ በሉ "ኣገልገልቲ ህዝቢ ኣምላኽ ክንከውን ደአ እምብነር ጐይቶት ከይንኽውን፣ ኣእጋር ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንሓጽብ ደአ እምበር ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና አእቲና ክንጭፍልቖም የብልናን፣" ክብሉ አብ መልእኽቶም አምኪቶም።

ካብ ቀሲሳውነት ተጠንቅእቑ

ስለዚ ካብ ቀሲሳውነት ንጠንቀቕ ክብሉ ቅዱስነቶም ተላብዮም፣ ቀሲሳውነት ንኹሉ ሰብ ወላ ንዓለማውያን ምእመናን ንጓሶት ነፍሳት እውን ከይተረፈ ዝምልከት ኢዩ። ብሓቂ ሓደ ሰብ አብ አገልግሎቱ መንፈሳዊ አተሓሳስባኡን ጸዋዕትኡን ብመን ከማይ በሃልነት መንገዲ አብ ምንባር፣ አብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጉጅለ ዕጹው ብምዃን፣ ካብ ግዳም ዝፈልዩ መናድቕ ብምቛም፣ አብቲ ምስ ማሕበረሰብ ዝሕልዎ ተራታት ዝምልከት ዋንነታዊ ምትእስሳር ምምዕባል፣ አብ ልዕሊ ካልኦት ትዕቢተኛን ንዩት አተሓሳስባ ክኹስኩስ ይገብሮ። እቶም ምልክታት ናይዚ ሕማም እዚ ድማ ጥርዓን አሉታውነት ናይ ምስትንዓቕ ላግጽን አብ ዝብሉ ነገራት ርኡይ ይኸውን። አብ ክንዲ ወጌላዊ ግርህናን ብልሕን ህያውነትን፣ ምኽባር አሕዋትን አሓትን፣ ካብ ድኽነት ንምውጻእ ዝሕግዙ ሰባት ካብ ምዃን፣ ብአንጻሩ አብ ከባቢና ዝነግስ ሃዋህው ነቐፌታን ቁጥዓን ክንወሓጥ ንፈቅድ።

አጆኹም ተስፋ አይትቑረጹ

ስለዚ አብ ሕይወት ክህነት ብዙሕ ተአፋፍነት ብዙሕ ዘይብቕዓት አሎ፣ ግን ተስፋ አይንቑረጽ እንክብሉ ቅዱስነቶም ብምትብባዕ፣ ኢድና አጣሚርና ብርክና ዓጺፍና ብትሕትና ናብ መንፈስ ቅዱስ ንጸሊ። ውልቃዊ ሕይወት ከምቲ አብ ጕስነት ዝግበር ተግባር አብቲ ፈሪሳዊ ሃይማኖታውነት ዝመስል መልክዕ ከይንወድቕ ንለምኖ። ብብዙሕ ነገራት ዝመልአ ግን ከአ ካብ እግዚአብሔር ባዶ ዝኾነ ሰብ ሞያ ቅዱሳት ምስጢራት ዘይኮናንስ፣ ውዕዉዓት ሰበኽቲ ወንጌል፣ ካህናት መንግስቲ ዘይኮኑስ ጓሶት ሕዝቢ ክንከው መታን እንክብሉ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዛዚሞም።

09 Aug 2023, 02:09