ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ብሞት ካርዲናል ማጀላ ኣጊኔሎ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ26 ነሓሰ ዜና ዕረፍቲ ብጹዕ ካርዲናል ማጀላ ኣጊኔሎ ምስ ተነግሮም ብይብጻሕ ናብ ናይ ሳንሳልቨዶር ሊቀጳጳስ አብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ቴለግራም "ወትሩ ብሓዋራዊ ቕንኣት ተመሪሑ" ንቤተ-ክርስትያን ዝገበሮ ኣገልግሎት ብምዝካር ሓዘኖም ገለጹ።
አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብጹዕ ካርዲናል ጀራርዶ ማጀላ ኣጊነሎ ብራዚላዊ ሊቀጳጳሳት ብዕለት 26 ነሓሰ ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድሚኦም ኣብታ ኣብ ብራዚል እትርከብ ግዝኣት ፓራና ዝዀነት ከተማ ሎንድሪና ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩም። ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮስ ዜና ዕረፍቶም ምስ ሰምዑ ናብቶም ናይ ከተማ ሳን ሳልቫዶር ደ ባሂያ ሊቀ-ጳጳሳት ዝኾኑ ብጹዕ ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮቻ ኣብ ዝለአኽዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ። ቅዱስነቶም አብ መልእኽቶም "አምላኽ አብ መንግስቱ ክቕበሎም አብ ጸሎተይ እዝክሮም" ክብሉ ናይ ምጽንናዕ መልእኽቶም አመሓላሊፎም።
ምስጋና ስለ አገልግሎቶም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ መልእኽቶም - "ከምኡ ውን ዘዕርጎ ጸሎተይ ምስጋና ንአምላኽ እንክኸውን፣ ንብዙሕ ዓመታት ብውፉይ አገልግሎቶም ነታ አደ ዝኾነት ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ምእንቲ ዘወፈይዎ አገልግሎት፣ ወትሩ ብሓዋርያዊ ቅንአት አብ ዝተፈላለዩ ዝተዋህቦም ተልእኾታት ከም ጳጳስ ናይ ሰበኻ ቶለዶ፣ ሊቀጳጳስት ናይ ሰበኻ ሎንድሪና፣ ናይ ስርዓተ አምልኾን ቅዱሳት ምጢራትን ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ዋናጸሓፊ አብ መወዳእታ ድማ ናይ ብራዚል ቀዳማዊ ሊቀጳጳስትን ከምኡ ውን አቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ብራዚ ኮይኖም ዘወፈይዎ አገልግሎቶም ይዝክሩ።
ናይ ሓዋሩ በረኸት
ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ንሊቀ-ጳጳሳት ዳ ሮቻን ንዅሎም እቶም ምእንቲ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ነፍስሄር ካርዲናል ማዜላ አጊኔሎ አብ ዝዓረገ ጸሎት እተሳተፉ ምእመናንን ከም "መብጽዓ ምጽንናዕን ተስፋን ናይ ዘለኣለም ህይወት" ሓዋርያዊ ቡራኬኡኦም አመሃላሊፎም።