ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እቶም ግዳያት ዝጠሓለት ጃልባ ጸለዩ ሰብአዊ ሓገዛት ክግበር ጻውዒት አቕረቡ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስደተኛታት ሒዛ ትጕዓዝ ዝነብረት ጃልባ ኣብታ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ደሴት ላምፐዱሳ ናይ ዝጠሓለት 41 ግዳያት ይዝክሩ። ንስደተኛታት ንምድሓንን ንምሕጋዝን ከምኡውን ነዚ ዘሕዝን ፍጻመታት እዚ ንምክልኻል ብፖለቲካዊ ይኹን ብመንገዲ ክልኤአዊ ክርባትን ዝግበር ጻዕሪ ድማ "ክፉት ቍስሊ ደቅሰባት" ክብሉ ይጽውዕዎ ።
አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ዝሓለፈ ሰሙን 41 ስደተኛታት ካብ ቱኒዝያ ተበጊሶም ኣብታ አብ ኢጣልያ እትርከብ ደሴት ላምፐዱሳ ቅድሚ ምብጽሖም ብዘጋጠመ ሓደጋ ንዝሞቱ ስደተኛታት "ዜሕዝን ፍጻሜ" ክብሉ ዘከሩ። ቅዱስነቶም ምእንታኦም ከም ዝጸለዩ ምስ ነገሩ ፣ ወሲኾም ድማ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዳርጋ ኽልተ ሽሕ ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዕሼላትን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ኣብ ባሕሪ ብዝገርዎ ጕዕዞ ኸም ዝሞቱ "ብጓህን ብሕፍረትን" ከም ዝዝከር ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ስቓይ እዚ "ክፉት ቍስሊ ደቅሰባት " ኢሎም ብምጽዋዕ ብፖለቲካውን ብመንገዲ ክልኤአዊ ርክባትን ጻዕርታት ክገብሩ ጻውዒት አቕረቡ፣ እዚ ስቓይ እዚ ንኽፍወስ "ብመንፈስ ሓድነትን ሕውነትን" ብምስራሕ ከምኡውን ኵሉ ሰብ ተጸምዶ ብምውሳድ ካብ "ምጥሓል ጃላቡን ሞት ስደተኛታትን" ንምክልኻል ጻዕሪ ኽገብር ህጹጽ ጉዳይ ምዃኑ ገለጹ።
ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ሓልዮ ስደተኛታት ንማእከላይ ክፍሊ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ሓደ ኻብቲ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 75 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እተመዝገቡ ግዳያት ከም ዘመዝገበ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ ። ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ሓልዮ ስደተኛታት ብምትሕብባር ምስ ብዛዕባ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ዝሓሊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማሕበርን ከምኡ ውን ንጉዳይ ሕጻናት ዝሓሊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማሕበር እተወሃሃደ ናይ ምንዳይን መድሕንን መሳርሒታት ክሰናዶ ደጋጊሞም ንዘቕረብዎ ጻውዒትን ፣ ከምኡውን መንግስታት ሓላፍነተን ንውጻእ ዘለወን ሃብትን ክእለትን ንኸዛይዳ ዘቕረብዎ ጻውዒት ቅዱስ አቦና ደጊሞም ነዚ ጻውዒት አቕረብዎ።