ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ ፖርቱጋል “ንፍቕሪ ብተግባር ምንባሮም” የመስግኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሳልሳይ ውዕሎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ፖርቱጋል ንወከልቲ ግብረ ሰናይ ኣብ ቁምስና ሰራፊና ማእከል ተረኺቦም፥ ንፍቕሪ ብተግባር እትነብሩ ብምዃንኩን አመስግን ቢሎም፥ እቲ ቀሊል ዝመስል ምልክት እውን ኣብ ግብረ ሰናይ ዓቢይ ዋጋ ኣለዎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም “ፍቕሪ ብግብሪ” ብዝብል መጸውዕ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ምስ ዝፍጽሙ ኩሎም ኣብ ማእከል ቁምስና ሰራፊና ተረኺቦም፥ ነቲ ንህይወት ህያብ ፍቕርን ሓጎስን” ኣብ ምልጋስ ንቕድሚት ከብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዘይጭበጥ ረቒቕ ፍቕሪ ዝበሃል የሎን!

ር.ሊ.ጳ. ንሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ ፖርቱጋል “ንፍቕሪ ብተግባር ምንባሮም” የመስግኑ
ር.ሊ.ጳ. ንሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ ፖርቱጋል “ንፍቕሪ ብተግባር ምንባሮም” የመስግኑ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

“ጭቡጥ ፍቕሪ እቲ ኢዱ ከይረስሕ ዝብል ፍርሒ ዘይብሉ እዩ፥ ስለዚ እቲ ንኻልኦት እንቕርቦን እንገልጾን እንነብሮን ፍቕሪ  ጭቡጥ ድዩ ወይ ረቒቕ? ምስ ሓደ ዝተጸገመ ዝሓመመ ዝተሓረገ ሰብ ብኢደይ ሰላም ክብል ዝብል ድየ ወይ ገለ ሕማም ከይላገበኒ ዝብል ፍርሒ እናተሰመዓኒ እየ ሰላም ዝብል ወይ ብቕጽበት እየ ዝገብሮ? ነፍሲ ወከፍና ድማ ድኽነት ዝነብሩን ኣብ ድኽነት ዝርከቡን ኮታ ንድኽነት ዝፍንፍን ደየ ቢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት፣ ጽሩይ ህይወት ኣብ ስእለ ኣእምሮ ጥራይ እዩ ክህሉ ዝኽእል፡ ኣብ ክውንነት ግን ዘይህሉ እዩ!

ጽሩይ ህይወት ዝብል ስእለ ኣእምሮ ኣሰር ከይሓደግካ ዝሕለፍ ምንባር እዩ!

ኣብ ክንዱ “ምልክት ዝሓድግ” ንኻልኦት መነቓቕሒ ክኸውን ብዝኽእል መገዲ ዝንበር ህይወት ምንባር።

ር.ሊ.ጳ. ንሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ ፖርቱጋል “ንፍቕሪ ብተግባር ምንባሮም” የመስግኑ
ር.ሊ.ጳ. ንሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ ፖርቱጋል “ንፍቕሪ ብተግባር ምንባሮም” የመስግኑ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

እጄታ ምዕጻፍ

ብባህርያትካ ምስ ተወፋይነትካ ነቲ ክውንነትን ሕሰምን ካልኦት ብምትንካፍ ኣእዳውካ ኣብቲ ሕሰምን ድኽነትን ምእታው፡ ኢደይ ከይረስሕ ዘይምባል፣ በዚ እውን ምትብባዕ ህይወት ትፈጥር ቢሎም፥ ስለዚ ኣገልግሎትኩም እዚ ድማ የቐንየለይ፥

. . . ግብረ ሰናይ መበገስን ዕላማን ክርስቲያናዊ ጉዕዞና ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፡ ህላወ ሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ ፍቕሪ ብግብሪ ዝብል ጭቡጥ መዘኻኸሪ እዩ! ትርጉም ናይቲ እንገብሮን ብኸመይ ክንገብሮ ከምዘለና ክንዝክር ድማ ይሕግዘና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

ር.ሊ.ጳ. ንሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ ፖርቱጋል “ንፍቕሪ ብተግባር ምንባሮም” የመስግኑ
ር.ሊ.ጳ. ንሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ ፖርቱጋል “ንፍቕሪ ብተግባር ምንባሮም” የመስግኑ   (Vatican Media)

ናይ ብሓቂ ሕጉስ ናይ ምዃን ምስጢር

ፍቅሪ ኣብ ሰማይ ጥራይ ዘይኮነ ኣብዚ ምድሪ እውን ከም ዘሐጉሰና ልብና ስለ ዘስፍሕን ትርጉም ህይወት ክንሓቁፍ ስለ ዘኽእለና፥

ብሓቂ ሕጉሳት ክንከውን እንተደሊና እምበኣር ንዅሉ ናብ ፍቕሪ ክንቅይሮ ንመሃር። ንኻልኦት ስራሕናን ግዜናን ምቕራብ፡ ብህያውነት ቃላት ምዝራብን ብፍሽኽታ፡ ሓንጎፋይ ብዝብል ምሕቛፍ ብምስማዕ ወይ ውን ብምጥማትን፡

ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ጥዑያትን ህሙማንን ኩሎም ብዘይ ምርሓቕ ብሓባር ክነብሩ ክንሕግዝን ክንፋቐርን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ብዛዕባ ሕማም ከስተንትኑ ከለዉ፥ “ብሕማምና ክንግለጽ ክንፈቅድ የብልናን፡ ኣብ ክንዱኡስ ሃናጺ ኣካል ናይቲ ኣብ ሰፊሕ ሕብረሰብ እነበርክቶ ክንገብሮ ኣሎና”

ንርእስና ብሕማም ወይ ብጸገም ክንግለጽ ኣይግባእን፡ ከመይሲ ሓደ ካባና ሕማም ወይ ጸገም ዘይኮነ፡ ነፍሲ ወከፍና ህያብ ፍሉይ ህያብ ናይ ገዛእ ርእስና ድሩትነት ዘለዎ፡ ክብሩን ቅዱስን ህያብ ንኣምላኽ እዩ፡ ከምኡ እውን ንማሕበርሰብ ክርስቲያንን ደቂ ሰባትን!

ዘገርም ነገራት ከጋጥም ይኽእል

ኣብ ግብረ ሰናይ ብጭቡጥ ምውሳእ ከምዘድሊ ኣጒሊሖም፡ እዚ ከምቲ ድሮ እተግብርዎ ዘለኹም ዓሚቝን ግብራዊ ስምዒትን ዝገልጽ፡ መግለጺ ህዝቢ ፖርቱጋል እዩ፡

ብዛዕባ ነጋራት ከነማርር ግዜ ኣይነባኽን ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ ምምላሽ ጭቡጥ ድሌታት ሰባት እንተ ኣተዂይርና ብሓጎስን ኣብ ምድላው ኣምላኽ ብምትእምማንን ሽዑ ዘገርም ነገራት ክኸውን ይኽእል እዩ፡

“ብለውሃትን ህያውነትን ድማ ቀጽልዎ” እንክብሉ ተማሕጺኖም፡ “ብድሆታት ምስቲ ኣረጊትን ሓድሽን መልክዕ ድኽነቶም ሒዝኩም ብጭቡጥ መገዲ ብመሃዝነትን ትብዓትን ምላሽ ምሃብ።”

ር.ሊ.ጳ. ንሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ ፖርቱጋል “ንፍቕሪ ብተግባር ምንባሮም” የመስግኑ

ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓቀይና ስንቂ

ቅዱስነቶም ነቶም ኣዚዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ቀረባ ምዃን የድሊ እክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ኩላትና ተነቀፍቲ ኢና፡ እቲ ርህራሄ ዝመልኦ ኣረኣእያ ወንጌል ግን ድሌታት ናይቶም ኣዚዮም ተቓላዕቲ ክንርኢ ይመርሓና፡ ብተምሳሳሊ - ንድኽታት ንዝተገለሉ ንዝስደዱ ንዝተደርበዩን ንኣሽቱን ዝኸላኸል ዘይብሎም ነቶም ኣዚዮም ፍቕራት በቲ ገዛእ ርእሱ ድኻ ዝገበረ ኣምላኽ ዝኾኑ ንኸነገልግል ይድረኸና፥

ድኻታት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓቀይና ሃብቲ እዮም!

ህይወት ህያብ ፍቕሪ ምግባር

ቅዱስነቶም ምእመናን ህይወቶም ህያብ ፍቕሪ ክገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ፍቕሪ ንኹሉ ህያብ እዩ፡ . . . ሓቢርና ነዛ ሓረግ እዚኣ ንድገማ፥

በጃኹም ንህይወትህያብ ፍቕርን ሓጎስን ኣብ ምግባር ንቕድሚ ተጓዓዙ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ዛዚሞም።

04 Aug 2023, 16:48