ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ናይ ታሪኽ ሽግር ሰዓት ኣብ መንጎ ህዝብታት ምሕዝነት የተባብዑ ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ናይ ታሪኽ ሽግር ሰዓት ኣብ መንጎ ህዝብታት ምሕዝነት የተባብዑ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ናይ ታሪኽ ሽግር ሰዓት ኣብ መንጎ ህዝብታት ምሕዝነት የተባብዑ

ነፍሲ ወከፍ ተሳተፍቲ ብኣገባብ ኢየሱስ ንኽልኦት ቀረባ ንምዃን ክመሃሩን ንሱ ወትሩ ኢዱ ዝዝርግሕን ንዝወደቐ ዘተንስእ ንሰባት ክፍወሱን ክሕጎሱን ምስ ኣምላኽ ከም ዝራኸቡን ዝገብር እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ሰንበት ዕለት 20 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሪሚኒ ዝጅምር መበል 44 ዓወደ ኣኼባ “ምሕዝነት ኣብ መንጎ ኣህዛብ” ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብጭቡጥ ወስታ ንውልቃውነት ሰጊርና “መገዲ ርክብን ዘተን ክፉት ብምዃን” ናይ ሰላም ባህሊ ክንሃንጽ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክርስቲያንን ኩሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን “ካብዛ ዓለም ናብ እግዚኣብሔር ዝግዕር ኣውያት” ጸማማት ከይኮኑ “ነፍሲ ወከፍና እንነብረሉ ናይ ሰላም ባህሊ” ንምህናጽ፡ “ጭቡጥ ወስታን ናይ ሓባር ረቛሒ ዝኾነ ምርጫታት ክንገብር ይግባእ፡” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 20 – 25 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሪሚኒ ናብ ዝካየድ መበል 44 ዓውደ ኣኼባ ምሕዝነት ኣህዛብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ኣብ ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ሰበኻ ሪሚኒ ጳጳስ ኒኮሎ ኣንሰልሚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መልእኽቶም፥ “ኩሉ ሰብ ክኽተሎ ዘለዎ መገዲ፡ ቤተ ክርስቲያን ብቐጻሊ እተተባብዖ፥ ኣብ ስድራ ቤትን ምስ ፈተውትን ጎረባብትን ዕርቂ፡ ነቶም ዝጎድኡና ምጽላይ ንዝተጸገሙ ምእላይ ምሕጋዝ ቃል ሰላም ምብጻሕ” ዝብል እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ማእከል ኲናትን ምፍልላይን

ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ለምዘበን መልእኽቶም፥ ንዓለምና ዘሳቕያ ዘሎ ውግኣት ኣፍልጦ ብምሃብ ጀሚሮም፥

ንኣዳለውትን ተሳተፍትን ኣኼባ ምሕዝነት ኣህዛብ መልእኽቶም ብሓላፍነት ኣረኪቦም፡ ሕማቕ ኣጋጣም ኮይኑ ኲናትን ምፍልላይን ኣብ ልቢ ቂምን ፍርሕን ዝዘርእን እቲ ካልእ ዝተፈልየ ድማ ተጻባኢ

ዝብሉ ዘኪሮም፡ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣስዒቦም፥ ናይቲ ኣኼባ መርሕ ቃል፡ ብንጹር ነቲ ዓለም ዝዕብልል ዘሎን ኣዘንቢላትሉን ዘላ ኩነት ብኣጽንዖት ዝትክፍ ተባዕ ሓሳብ ከምዝኾነን፥ ኣብቲ ብውልቃውነትን ዘይምግዳስን እትልለ ዓለም ጽምዋን ብዙሕ ዓይነት ንኻልእ ከም ጓሓፍ ዝርእይ ዓይነት ኣነብብራ ዘመጭው” ምኽንያት ብሰፊሕ ከም ዝዳህሰሱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንብሕቱ ክድሕን ዝኽእል ሓደ’ኳ የልቦን

ካብ ኩነታት ምህዳም ዝከኣል ከምዘይኮነ ድማ ኣዘኻኺሮም፥

ወዲ ሰብ ወትሩ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ኩነታት ንብሕቲ ክድሕን ዝኽእል ሓደ’ኳ ከምዘየለ እዩ ዘረጋግጸልና!

ስለዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣብ ልክዕ ህሞት ቅዱስነቶም፥ እግዚኣብሔር ተበግሶ ወሲዱ ነት እንኮ ወዱ ልኢኹ፥ ገዛእ ርእሱ ከም ብጻይ ገይሩ ከምዘቕረበን፥ “ብመንፈስ እቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ክርስቶስ ዕርክነት ከም ጸጋ ብምቕራብ ንጽምዋ ሰበሮ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እሙናት ኣዕሩኽ ንፍቕሪ ጎይታ ዘንጸባርቑ እዮም

ቅዱስነቶም ኣብ ሊዝበን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንልቢ ዘስፍሕ ሓቀይና ዕርከነት ዘለዎ ክቡር ዋጋ ንኢዶም፥ “እሙናት ኣዕሩኽ ነጸብራቕ ፍቕሪ ጐይታን ምጽንናዑን ፍቕራዊ ህላወኡን እዮም . . . ንኻልእ ከም ሓው ምርኣይ ዝብል ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣናዊ ትምህርቶም መለለዪ ዝኾነ ኣምር ፓሮሊን ኣብቲ ብስም ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓለልፍዎ መልእኽቲ ዘኪሮም፥ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኩላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሶም፥ “ማሕበራዊ ዕርክነት መዓተይና ውግእ ኣብ ዘለሉ እዋን እውን እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብረተሰብ ሕውነት - ሓቀይናን ቅኑዕን ክኸውን እንከሎ [ . . . ] ንሓቀይና ኣድማሳዊ ክፉትነት ተኽእሎ ዘለዎ ኩነታት ዝፈጥር ይኸውን።”

ናይ ርክብ ባህሊ ምድንፋዕ

ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ምሕዝነት ጉባኤ ንኹሉ ክፉት ዝኾነን ዝኾነ ሰብ ዘይግለልን ናይ ርክብ ባህሊ ክስፍሕን ተስፋኦም ገሊጾም፥

ነፍሲ ወከፍ ተሳተፍቲ ብኣገባብ ኢየሱስ ንኽልኦት ቀረባ ንምዃን ክመሃሩን ንሱ ወትሩ ኢዱ ዝዝርግሕን ንዝወደቐ ዘተንስእ ንሰባት ክፍወሱን ክሕጎሱን ምስ ኣምላኽ ከም ዝራኸቡን ዝገብር እዩ!

ቢሎም፥ እቲ ጉባኤ ማሕበራዊ ምሕዝነት ክሰፍሕ ዘለዎም ድሌት ገሊጾም ንኹሎም እቶም ኣብቲ ጉባኤ ንዝሳተፉ ቡራኬኦም ኣመሓላሊፎም መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Aug 2023, 16:51