ር.ሊ.ጳ.፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከል ናይ ስራሕ ዘይውሕሰነት ንሰራሕተይናታት ክተሰንዮም ኣለዋ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስፓይን ከተማ ሰጎቭያ ካብ ዕለት 12 – 15 ነሓሰ ናብ ዝካየድ ዘሎ ኣኬባ ምንቅስቓስ ሰራሕተይናታት ክርስቲያን ኣብ ዘመሓለፍዎ መልእኽቲ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕራጎት ቁጠባ ንዝቃለሱ ሰባት ከተሰንዮም ይላበዉ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምንቅስቓስ ክርስቲያን ስራሕተይናታት ካቶሊካዊ ተግበር ስፓይና ካብ ዕለት 12 – 15 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሰጎቪያ ናብ ዝካይዶ ዘሎ መበል 14 ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ዕድላት ምህንጽ ፈላላይ መናድቕ ምፍራስ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ኣብ መንጎ ስራሕተይናታት ሕውነታዊ ምትእስሳር” ዝብል ናይቲ ዓውደ ኣኼባ መርሕ ቃል ጠቒሶም፥ “ሕውነት ምስፋሕ ናይ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ጸገማት ንምፍታሕ መሰረት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ዝተመስረተ ስራሕ
ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም እቲ ትካል ንቤተ ክርስቲያን ንሰራሕተይናታት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኸተሰንዮም ዝሕዝግ ተወፋይነት ዘለዎ ብምዃኑ ኣድናቖቶም ገሊጾም፥ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ብምዝካር፥ ስራሕ “ኣገዳሲ ናይ ህይወት ኣካልን ክብሪ ሰብን” ምዃኑ ኣመልኪቶም፥ “ስራሕ ኣፍራዪ ንጥፈት ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ስራሕ ፍጥረት ዘተሓባብር ከም ሰብ ገዛእ ርእስና እነስተውዕለሉ መገዲ” እዩ - ቢሎም - ወሲኾም፥ ሰብኣዊ ጉልበት፥ “ሓባራዊ መሃዝያን ክንከውንን ዝያዳ ፍትሓውን ሕውነታውን ዓለም ኣብ ምህናጽ ክንሳተፉ ይሕግዘና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡
ሓልዮት ቤተ ክስቲያን ኣብ ኵነታት ኣልቦ ስራሕ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺልም ብዛዕባ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ምስ ሰባት ኣብ ኩለ መዳያት ህይወት ምጉዓዝ ዝብል ኪደት ንናይ ስራሕ ዓለም እውን ዝምልከት ምዃኑ ኣስተንቲኖም፥ ብፍላይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕራጎት ስራሕ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ከተሰንዮም ከምዝግባእ ገሊጾም፥ “ተወፋይነትና ኣብ ዝተነጸለ መደረታት ወይ ተግባራት ጥራይ ዝተሓጽረ ክኸውን ኣይክልእን እዩ፡ ኣብ ናይ ስራሕን ማሕብራውን ተቓላዕነትን ኩነታት ንዝርከቡ ሰባት ቀጻሊ ናይ ምትሕግጋዝን ደገፍን ምስክርነት ክኸውን ኣለዎ።”
ቤተ ክርስትያን ምስ ሰራሕተይናታት ዘለዎ ተልእኾ፥ ምስቶም ስራሕ ዝሰኣኑ ብሕጽረት ዕድላት ስራሕ ዝሳቐዩ ሰባት ምቅርራብ ዘጠቓልል ምዃኑ ወሲኾም ብምሕባር፥ ክርስቲያን ኣብ መናድቕ ህንጻታት ቤተ ክርስቲያን ተዓጹዮም ክነብሩ ዘይኮነስ ንዝተጸገሙ ምብጻሕን ንዘይውሕስነት ስራሕ ፍትሓውን ነባርን መፍትሒ ክደልን ብንፍጠት ዝዋሳእ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሕውነታዊ ምትእስሳር
ቅዱስነቶም ስራሕ ኣልቦነት ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ይጸልው ምህላዉ ዘሕዝን ኮይኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ምስ ‘ብሰንኪ ስእነት ስራሕ ተስፋ ምቑራጽን ምግላልን ዘጋጥሞም ሰባት” ብምትሕብባር ደው ናይ ምባል ሓላፍነት ዝተሰከመት እያ። ንኣባላት ካቶሊካዊ ተግባር፡ “ናይ ሕውነት ማእስር ክንበልብሉን ብርሃን ወንጌል ክጾሩን ዝያዳ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ክሃንጹን” ብምትብባዕ፥ “ኣብ ማእከል ናይ ስራሕ ህይወት ህዝበ እግዚኣብሔር ኮይኩም ክትቅጽሉ ናይ ፍቕርን ምትሕባርን ዛንታታት ክትምስክሩ እላቦ - ንቤተ ክርስቲያን ተድልይዋ ኢኹም” እክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ማሕበር ሕውነት ሰራሕተይናታት ካቶሊካዊ ተግባር
ኣብ መላእ ስፖይና ካብ ዝርከባ 41 ሃገረ ስብከታት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 800 ሰባት ኣብ ከተማ ሰጎቭያ ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር ሕውነት ሰራሕተይናታት ካቶሊካዊ ተግባር ይሳተፉ ከምዘለዉን፥ ኣብቲ ጳጳሳትን ሊቀ ጳጳሳትን ከምኡ እውን ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ሓዊሱ ኩሎም ተሳተፍቲ ንዝቕጽሉ ሽዱሽተ ዓመታት ብድሆታትን ቀዳምነታትን ማሕበር ሕውነት ሰራሕተይናታት ካቶሊካዊ ተግባር እማመታት ብዝብልከት ንምዝታይን ውሳነታት ንኽወስዱ ይመያየጡ ከምዘለዉን እቲ ምንቅስቓስ ኣብዛ ብፍላይ ንሓይሊ ስራሕ ዝጸሉ ብማሕበራዊ ምዝንባዕን ዘይማዕርነትን በደልን ዝተሸከመት ዓለም ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ብድሆታት እናገጠመ ኣብ ክውንነት ክርስቲያናዊ ኣረኣእያ ከንጸባርቕ ዝደሊ ምዃኑ የመልክት።