ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ወርሓ መስከረም ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ምእንቲ ኣብ ሕድጋት ዝነብሩ

ነቶም ኣብ ሕድጋ ዝነብሩ ሰባት ብጸሎትን ብግብረ ሰናይን ቀረባ ንኹን!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ወርሒ መከረም ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ኩሉ ምእንቲ እቶም ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ንዝነብሩ ሰባት ምጽላይን ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብን ዝዕድም ከም ዝኾነ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክባት ማሕበር ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ኣብ ወርሓ መስከረም፥ እቶም ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ኣብ ትሑት ሰብኣዊ መነባብሮ ንዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብተቕዋማት ሸለል ከይበሃሉን ከይንጸጉን ስሌኦም ክንጽልን ኣብ ምሕጋዞም ክንርከብን ይዕድሙ፥

ነቶም ኣብ ሕድጋ ዝነብሩ ሰባት ብጸሎትን ብግብረ ሰናይን ቀረባ ንኹን!

ገታር ክሳድን ንቑጽ ልብን

ኣብታ ብናይ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ መርበብ ጸሎት ዝተፈነወ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጸሎት ሓሳብ ንወርሓ መስከረም፥ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ብዙሓት ዝተገሉ ሰባት ዝጻወርዎ ዘይምጋድስ የስተንትኑ። ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ኣላይ ዘይብሎም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝፍለዩ ኣብ ማዕከናት ዜና ዘይንገረሎም ብኹሉ ዝተረስዑ! ሕብረተሰብ ከመይ ገይሩ እዩ ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ዘይምጋድስ ክበጽሕ ዝክእል? እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡ “ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ምስ ንዋታዊ ቁጠባዊ ንብረት ክነጻጸሩ እንከለዉ ዋላ ሓንቲ ዋጋ ከም ዘይብሎም ዝገብር ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ “ከም ውዳቕ ናይ ዝሓስብ - ጓሓፋይ ባህሊ” ሳዕቤን ምዃኑ ገሊጾም። ስለዚህ፥ “ነዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ክትርኢ ዘይገብር ተሪርን ገታርን ገጽካ ምጥዋይን ዘይግደስ ልብን” ከም ዘሎን ነዚ ጓሓፋይ ባህሊ ከነወግዶ ይዕድሙ።

ማእለያ ዘይብሉ ድኽነትን ጸገምን

እቲ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ በቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ማእለያ ዘይብሉ ድኽነትን ጸገምን ዘርኢ ምስልታት ዝተሰነየ ክኸውን እንከሎ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 10 ሚእታዊ ህዝቢ ዓለም ወይ ከኣ 700 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ጽንኩር ድኽነት ከም ዝነብሩን ካልኦት 1.6 ቢሊዮን ሰባት ድማ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ካብ ዝርከቡ ኣብ ክትጻወሮ ዘይከኣል ኩነታት መነባብሮ ከም ዝነበሩ እዩ ዝፍለጥ።

ብተመሳሳሊ ካብ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጥዕና ዝመጸ ጸብጻብ፥ ካብ ሸሞተ ሰባት ሓደ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ከም ዝኾነን 16 ሚእታዊ ዝሽፍን ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ዓለም ድማ “ከቢድ ስንክልና” ዘለዎ ምዃኑ የመልክት።

ስጋዊ ልቢ

ኩልንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዕላማኡ፥ “ናይ እምኒ ዘይኮነ ናይ ስጋ ልቢ ክህልወና ብጸሎት ‘ኩላትና ሓደ ኣካል’ ናብ ምዃንና ክንልወጥ ዝዕድም እዩ” እንክብሉ ይገልጹ።

30 Aug 2023, 16:03