ር.ሊ.ጳ. ስለ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ሊዝበን ንማርያን ንኸመግኑ ናብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ
ኣብ ፊት ምስ ዓቢይ መስቀል ናይ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት መለለይ ዝኾነ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን
ዕለት 6 ነሓሰ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ዝኣተዉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሓምለ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንመበል 110 ግዜ ናብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ነጊዶም ኣብ ፊት ምስቲ ዓቢይ መስቀል ናይ ሓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት መለለይ ዝኾነ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ምስጋና ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ከምቲ ልሙድ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ ጉዕዞ፡ ቅዱስነቶም ኣብዚ እዋን ብምኽንያት ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእስያት ኣብ ፖርቱጋል ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ዕለት 6 ነሓሰ ሰዓት 21. 45 ደቓቕ ሮማ ከም ዝኣተዉን ንጽባሒቱ ዕለት 7 ነሓሰ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሮማ ናብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ነጊዶም ኣብ ፊት ምስ ዓቢይ መስቀል ናይ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት መለለይ ዝኾነ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ምስጋና ጸሎት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
07 Aug 2023, 15:17