ድለ

2023.08.09 Udienza Generale 2023.08.09 Udienza Generale  (Vatican Media)

“ንልቢ ሰብ ብምሕዳስ ንዓለም ዘሐድሳ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ።” ር. ሊ. ጳ

ሮቡዕ 9 ነሓሰ 2023 ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ሃገረ ቫቲካን ዘርከብ ጳውሎስ 6ይ ናይ ጉባኤ አዳራሽ አብ ዝገብርዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ አብ ብምኽንያት ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት አብ ሃገረ ፖርቱጋል ዘካየድዎ መበል 42 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት አማእኪሎም ሓጺር ጸብብ ዑደቶም አቕሪቦም።

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ሓዲርኩም!

ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ኣብ መበል 37 ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ንምስታፍ ናብ ፖርቱጋል ከይደ ነይረ፣ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገርን ምስቶም መራሕቲ ቤተክርቲያን ናይታ ኣባኡ እትርከብ ቤተ-ክርስትያንን ተራኺበ፣ ንሕጽር ግዜ ድማ ናብ ደብረ ቅድስት ማርያም ዘፋቲማ ክነግድ ክኢለ።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን 

እዚ ድሕሪ ለበዳዊ ሕማም ኮሮና ኣብ ሊዝበን ዝተገብረ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ንኵሉ ሰብ ከም ሐደ ውህበት ኣምላኽ ኮይኑ ኢዩ ተሰሚዕዎ፣ ከመይሲ አምላኽ ወትሩ ሓድሽ አፍደገ ዝኸፍተልና ክንዲ ዝኾነ ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ እቲ መንፈስ ናይቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ንልብታትን ስጕምታትን ናይቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ መንእሰያትና ኣብ መገዲ ወንጌል ከም ዝንቀሳቐስ ገይርዎ ኢዩ፣ እዚ ድማ ንደቂ ሰባት ምንጪ ተስፋ ኢዩ ።

ከም እንፈልጦ እቲ ለበዳዊ ሕማም ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ ፣ ከመይሲ እቲ ዝነበረ ኩነት ምግላልን ተነጽሎን ናብ ውሸባ ማዕቢሉ ክንድ ዝነበረ ፣ ልዕሊ ኹሉ ከኣ ንመንእሰያት ብፍሉይ መንገዲ ጸልይዎም ኢዩ ። ኣምላኽ ግና ኣብዚ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት እዚ ብኣንጻሩ ሓደ ፍሉይ ዝኾነ "ድፍኢት" ጌሩ ኢዩ ፣ እዚ ድማ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጐ ኣህጉራት ዝግበር ዓቢይ ናይ መንእሰያት ንግደት ከም ብሓድሽ አጀሚሩ አሎ ። እዚ ኸኣ ኣብታ አፍደገ ውቅያኖስ ዝኾነት ከተማ ሊዝበን ምክያዱ ብአጋጣሚ ዝኾነ ጕዳይ ኣይኰነን ፣ እዛ ኸተማ እዚኣ ምልክት እቲ ኣብ ውቅያኖሳት ዚግበር ዓብዪ ናይ ዳህሳስ ጕዕዞ ደቂ ሰብ ክንድዝኾነት ማለት ወድሰብ ክንዮ ኺሓልፍ ሓድሽ ዓለም ኪረኽብ ዘለዎ ባህጊ እተመልክት ከተማ ክንድዝኾነት እዩ ። እዚ ዅሉ ድማ ምስ ንእስነትን ጉብዝናን ዚተሓሓዝ እኳ እንተ ዀነ፣ ውሽጣዊ ድራኸ እንተ ዘየልዩ ግና መንእሰይ እውን እንተ ዀነ ይዕጾን የቋርጽን ክንዲ ዝኾነ ግሉጽ አይከውንን ።

“ንልቢ ሰብ ብምሕዳስ ንዓለም ዘሐድሳ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ።” ር. ሊ. ጳ.
“ንልቢ ሰብ ብምሕዳስ ንዓለም ዘሐድሳ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ።” ር. ሊ. ጳ.   (Vatican Media)

በዚ ምኽንያት እዚ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ንመንእሰያት ንድንግል ማርያም ከም ኣርአያን አብነትን ክዀኖም ናይ ዕለቱ ወንጌል ሓሳብ ወሲዱ ይርከብ ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን ንገዛእ ርእሳ ተሓቢአ አይተረፈትን የግዳስ በቲ ኣምላኽ ዘፍቅራ ፍቕሪ ተተንኪፋ "ተንሲኣ [ብታህዋኽ] ከተደት" (ሉቃ 1፡39) ክብል ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ዘዘንትወልና፣  መሪሕ ቃል  ናይቲ ኣብ ሊዝበን ዝተኻየደ ዓቢይ ጉባኤ ኢዩ ዝነበረ ። ቅድስቲ ድንግላ ማርያም አብቲ እዋን እቲ ንእሽቶ ጓልን ትሕትትን መንእሰይ እኳ እንተ ነበረት ፣ ኣምላኽ ግን ነቲ ጻውዒት "እወ" ንኽትብሎን ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ናይ ድሕነት መደቡ ንኽትሳተፍን ትብዓት ሃባ። ስለዚ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣብዚ ሳልሳይ ሽሓዊ ዓመት ንንግደት መንእሰያት ተኸተልቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንክኾኑ ትመርሖም ኣላ ። ከምቲ ቕድሚ ሓደ ዘመን ኣብ ፋጢማ ፖርቱጋል ነቶም ሰለስተ ቘልዑ ተገሊጻ ኽትዛረቦም ከላ ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ናይ እምነትን ተስፋን መልእኽቲ ብሕድሪ ዝሃበቶም፣ በዚ ምኽንያት እዚ አብ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ናብ ፋቲማ አብቲ ናይ ግልጸት ቦታ በጻሕኩ፣ ምስ ገለ ዝሓመሙ መንእሰያት ሓቢረ ድማ ኣምላኽ ንዓለም ካብ ሕማም ነፍሲ ዝኾኑ ካብ ትዕቢት ፡ ሓሶት ፡ ጽልእን ዓመጽን ኼሕውያ ጸለኹ ። አባኡ ድማ ነቲ ናይ ኣውሮጳን መላዕ ዓለምን ወፈያ ናብ ንጹሕ ልቢ ድንግል ማርያም እንደግና ኣሐዲስናዮ ኢና ።

ኣብ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ብዙሓት መንእሰያት ብውዕዉዕ ስምዒት ናብ ሊዝበን ብምምጻእ ተሳቲፎም ኢዩም ። ልክዕ ከምቲ ኣብቶም ኩሎም አቐዳሞት ዝተኻየዱ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት እተራእየ መብዛሕትኦም መንእሰያት ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ፖርቱጋል ምስ ዘለዉ ቍምስናታትን ስድራ ቤታትን ምሕዝነትን ሕውነትን ፈጢሮም ኢዮም ፣ ድሕሪኡ ነቲ ናይ መወዳእታ ፍጻመታት ማለት ናይ ተቕባል ስነ-ስርዓትን ጽምብልን መደብ ጸሎት ዋዜማን ከምኡውን ናይ መዛዘሚ መስዋዕተ ቅዳሴን ንምስታፍ ናብ ሊዝበን ተኣከቡ። እዚ ናይ ዕረፍትን ምዝዋርን ጕዕዞ አይኮነን ዝነበረ ፣ ከምኡ ውን ናብ ገዛዕ ርእስኻ ዝግበር መንፈሳዊ ጕዕዞ ውን አይኮነን ዝነበረ ፣ የግዳስ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ምስቲ ህያው ዝኾነ ክርስቶስ በመንገዲ ቤተክርስቲያን አቢልካ ዝግበር ምርኻብ ኢዩ ዝነበረ ። እዚ ከአ ህያው ዝኾነ ርክብ ኮይኑ ብእምነት ከም እንዓቢ ዝገብረናን ከምኡውን ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ኣምላኽ ዘቕርበሎም ጸዋዕታ ማለት ንሓዳር ወይ ውን ህይወቶም ብክህታዊ ጸዋዕታ ንኽወፍዩ ዘኽእለና መንፈስዊ ጉዕዞ ኢዩ ። ነፍሲ ወከፎም ክፍሊ ህዝቢ ኣምላኽ ከም ምዃኖምን ብጸጋ ኸም እተጸውዑን ብምፍላጦም ዓቢይ ሓጐስ ከም ዝምልኡ ጌርዎም ኢዩ ፣ እዚ ህዝቢ እዚ ክሊ መሬት ዘይብሉ ፡ ሓደ ቋንቋ ዘይብሉ ፡ ዜግነት ዘይብሉ ፡ የግዳስ ኣምላኽ ኣብኦም ከም ምዃኑን ንዅሎም ደቁ ኸም ዜፍቅሮምን ዘሕጕስ ብስራት ወንጌል ክርስቶስ ናብ ዅሎም ህዝብታት ኪሰብኩ ዝተላእኩ ሕዝቢ እዮም ። 

“ንልቢ ሰብ ብምሕዳስ ንዓለም ዘሐድሳ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ።” ር. ሊ. ጳ.
“ንልቢ ሰብ ብምሕዳስ ንዓለም ዘሐድሳ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ።” ር. ሊ. ጳ.   (Vatican Media)

አብዚ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ንምስታፍ ናብ ፖርቱጋል አብ ዝገበርክዎ ምብጻሕ ካብቲ ነታ ሃገርን ነታ ጽብቕቲ ርእሲ ኸተማአን ዝወረራ ብሰላማዊ ማዕበል መንእሰያት ዝፈጥሮ ባህ ዜብል ሃዋህው ተጠቒመ እየ ። ንኣምላኽ ስለቲ ዝገበሮ ሰናይ ነገር አመስግኖ እየ፣ ብፍላይ ምእንቲ እቲ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ንምስንዳውን ንምእንጋድን ብዙሕ ጻዕሪ ዝገብረት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ፖርቱጋል የመስግን ፣ ጕዕዞኣ ኸአ ብሓድሽ ሓይሊ ንኽትቅጽል ሰናይ ምንዮተይ ይገልጽ፣ እዚ ከኣ ብፍቕሪ ሓዋርያውነት ከም ብሓድሽ ነቲ መርበብ ንኽትድርብዮ ዜኽእላ ክኸውን እዩ። ድሮ አብዚ እዋን እዚ ህላወ ፖርቱጋላውያን መንእሰያት ኣገዳሲ ኮይኑ ይርከብ አሎ፣ ሕጂ ኸኣ ድሕሪ እዚ ካብታ ኩልአዊት ቤተክርትያን ዝረኸብዎ "ምምሕልላፍ ናይ ጸጋ" ዝያዳ እናወሰኹ ክኸዱ ኢዮም ። እዚ ኸኣ ንመላእ ስድራቤት ደቅሰባት ሰላም ዝህብ ኢዩ - ከምቲ ወንጌል ዝብሎ ንብምሉኡ እቲ መልወሲ ማይ ብሑቝ ክኾኑ ኢዮም (ማቴ 13፡33 ርአ)። ፖርቱጋል ከምኡ ውን ብምልእታ ኣውሮጳን ዓለምን ድልዱልን ዜተኣማምንን ተስፋ የድልየን እዩ፣ እዚ ኸኣ ካብ ዝዀነ ይኹን መንእሰይ ዘይኰነስ ካብቶም ብወንጌል ህያዋን ዝዀኑ መንእሰያት ማለት ካብቶም ምስ ክርስቶስ ተራኺቦም ዝሰዓብዎ መንእሰያት ኢዩ ዝመጽእ። ምኽንያቱ ንልቢ ሰብ ብምሕዳስ ንዓለም ዘሐድሳ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ።

ኣብ ዩክረይን ኰነ ኣብ ካልእ ቦታታት ውግእ አብ ዝካየደሉ ዘሎን ኣብ ገሊኡ ስዉር ክፍልታት ዓለም ውን ውግእ ገዲዱሉ አብ ዝሃለወሉ እዋን ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ግና ካልእ ዓለም ክትህሉ ከም እትኽእል ንዅሉ ሰብ የርኢ አሎ ። ካልእ ዓለም ናይ አሕዋትን አሓትን ፣ ናይ ኩለን ሃገራት ባንዴራ ብሓባት ጥቓ ንጥቓ ኮይነን ብዘይ ጽንልእን ፍርሕን፣ ብዘይ ምዕጻውን አጽዋትን  ዘንበልብላሉ ዓለም ከምዘሎ መልእኽቲ እዞም መንእሰያት ብንጹር የርኢ አሎ - ነዚ ግን እቶም "ዓበይቲ ናይዛ ምድሪ" ኽሰመዕዎ ድዩም? እዚ ንግዜና ዝኸውን ምሳልያዊ መርአያ ኢዩ ፣ ሎሚውን እንተዀነ ኢየሱስ - "እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ። ኣዒንቲ ዘለዋኦ እንሆ ይርአ!" ይብል አሎ ።

“ንልቢ ሰብ ብምሕዳስ ንዓለም ዘሐድሳ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ።” ር. ሊ. ጳ.
“ንልቢ ሰብ ብምሕዳስ ንዓለም ዘሐድሳ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ።” ር. ሊ. ጳ.

ደጊመ ንርእሰ ብሔር ናይ ሪፓብሊካዊት ሃገረ ፖርቱጋልን ንኹሎም ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ምስጋናይ አቕርበሎም፣ ንፓትርያርክ ሊዝበንን ንአቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ፖርቱጋልን ከምኡውን ንኣተሓባባሪ ጳጳስ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያትን ንዅሎም ተሓባበርትን ወለንተይናታትን ። ነመስግነኩም! ጐይታ ብኣማላድነት ድንግል ማርያም ኣቢሉ ንመንእሰያት ኵሉ ዓለም ይባርኮም፣ ንፖርቱጋል ድማ ይባርኽ።

09 Aug 2023, 16:16